ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮናስ 3:1-10

ትሕዝቶ

  • ዮናስ ንኣምላኽ ተኣዚዙ ናብ ነነዌ ኸደ (1-4)

  • ሰብ ነነዌ ብመልእኽቲ ዮናስ ተነስሑ (5-9)

  • ኣምላኽ ንነነዌ ኸየጥፍኣ ወሰነ (10)

3  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዮናስ ካልኣይ ሳዕ መጸ፦+  “ተንስእ፡ ናብ ነነዌ+ እታ ዓባይ ከተማ ኼድካ፡ እቲ ዝነግረካ መልእኽቲ ኣውጀላ።”  ዮናስ ከኣ ንቓል የሆዋ ተኣዚዙ፡+ ተንሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ።+ ነነዌ ድማ ኣዝያ ዓባይ ከተማ፡* መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ነበረት።  ሽዑ፡ ዮናስ ናብታ ኸተማ ኣተወ፣ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ እናኸደ ድማ፡ “ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ ኣወጀ።  ሰብ ነነዌ ኸኣ ብኣምላኽ ኣመኑ፣+ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓብዪኦም ክሳዕ ንእሽቶኦም እውን ማቕ ተኸድኑ።  እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ ካብ ዝፋኑ ተንስአ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ማቕ ተኸድነ፡ ኣብ ሓምዅሽቲ እውን ተቐመጠ።  ኣብ ብዘላ ነነዌ ኸኣ ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ኣውጽአ፦ “ብትእዛዝ ንጉስን ልዑላኑን፦ ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ከብቲ ዀነ ጤለ በጊዕ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓሙ፡ ኣይብልዑ፡ ማይ እውን ኣይስተዩ።  ሰብን እንስሳን ማቕ ይከደኑ፣ ናብ ኣምላኽ ይማህለሉ፣ ካብ እኩይ መገድታቶምን ካብ ተግባር ዓመጻኦምን እውን ይመለሱ።  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ኺገብሮ ዝሓለኖ ዳግም እንተ ሓሰበሉ* እሞ ኸይንጠፍእ ካብ ዚነድድ ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ፧” 10  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ከመይ ከም እተመልሱ ግብሮም ምስ ረኣየ፡+ ነቲ ኼምጽኣሎም ኢልዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ፣* ኣየምጽኣሎምን እውን።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንኣምላኽ ዓባይ ዝዀነት ከተማ።”
ወይ፡ “እንተ ተጣዕሰሉ።”
ወይ፡ “ተጣዕሰሉ።”