ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮናስ 2:1-10

ትሕዝቶ

  • ዮናስ ኣብ ውሽጢ ዓሳ ዀይኑ ዝጸለዮ ጸሎት (1-9)

  • ዮናስ ናብ ምድሪ ተተፍአ (10)

2  ሽዑ፡ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ጸለየ፡+  ከምዚ እውን በለ፦ “ካብ ጭንቀይ እተላዕለ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።+ ካብ መዓሙቝ* መቓብር* ኣእውየ።+ ንስኻ ድማ ድምጸይ ሰሚዕካ።   ናብ መዓሙቝ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ ምስ ደርበኻኒ፡ ሽዑ፡ ወሓይዝ ውሒጡኒ።+ ሞገዳትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓሊፉ።+   ኣነ ኸኣ፡ ‘ካብ ኣዒንትኻ ተሰጒጐ እየ! ከመይ ገይረ ነታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስ ክጥምታ እየ፧’ ኢለ።   ማያት ውሒጡኒ፡ ንህይወተይ እውን ኣስጊኡዋ፣*+ መዓሙቝ ማያት ድማ ከቢቡኒ። ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጢሙ።   ናብ እግሪ ኣኽራን ሰጢመ። ተገዳማት ምድሪ ንዘለኣለም ኣብ ልዕለይ ይዕጾ ነይሩ። ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጺእካያ።+   ህይወተይ* ክትቅህም ከላ፡ ንየሆዋ ዘኪረዮ።+ ሽዑ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣትዩ።+   እቶም ንኸንቱ ጣኦታት ውፉያት ዝዀኑ፡ ንምንጪ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ* ይሓድግዎ።   ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ እየ። እተመባጻዕክዎ ኽፍጽም እየ።+ ድሕነት ካብ የሆዋ እዩ።”+ 10  የሆዋ ኸኣ ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ከብዲ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ማያት ክሳብ ነፍሰይ ከቢቡኒ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ንምንጪ ተኣማንነቶም” ኪኸውን ይኽእል።