ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮናስ 1:1-17

ትሕዝቶ

  • ዮናስ ካብ የሆዋ ኺሃድም ፈተነ (1-3)

  • የሆዋ ብርቱዕ ማዕበል ኣምጽአ (4-6)

  • ዮናስ ጠንቂ እቲ ሽግር ምዃኑ ተፈልጠ (7-13)

  • ዮናስ ናብቲ ብማዕበል ዚናወጽ ባሕሪ ተደርበየ (14-16)

  • ዓብዪ ዓሳ ንዮናስ ወሓጦ (17)

1  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዮናስ*+ ወዲ ኣሚታይ መጸ፦  “እከዮም ናብ ቅድመይ ደዪቡ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ+ እታ ዓባይ ኸተማ ኼድካ፡ ፍርዲ ኣውጀላ።”  ዮናስ ግና ካብ የሆዋ ናብ ተርሲስ ኪሃድም ተንስአ፣ ናብ ያፎ* ኸኣ ወረደ፡ ናብ ተርሲስ እትኸይድ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ የሆዋ ርሒቑ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ፡ ዋጋ ኸፊሉ ደየበ።  ሽዑ፡ የሆዋ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ ድማ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ።  እቶም መርከበኛታት ከኣ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ፡ ነፍሲ ወከፎም ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ምእንቲ ኼፍኵሱላ ድማ፡ ንኣቕሑ እታ መርከብ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ።+ ዮናስ ግና ናብቲ ውሽጣዊ ኽፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፡ ኣብኡ በጥ ኢሉ ኸቢድ ድቃስ ደቂሱ ነበረ።  እቲ ኣዛዝ መርከብ ከኣ ናብኡ ቐሪቡ፡ “ስለምንታይ ትድቅስ ኣለኻ፧ ተንስእ፡ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል! ምናልባት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይሓስበልና እሞ ኣይንጠፍእን ንኸውን” በሎ።+  ሽዑ፡ ንሓድሕዶም፡ “በዚ መዓት እዚ መን ተሓታቲ ምዃኑ ኽንፈልጥሲ፡ ንዑ ዕጫ ነውድቕ”+ ተባሃሃሉ። ዕጫ ኸኣ ኣውደቑ፣ እታ ዕጫ እውን ኣብ ዮናስ በጽሐት።+  ንሳቶም ድማ፡ “በጃኻ እስከ ንገረና፡ በዚ ዝወረደና መዓት እዚ መን እዩ ተሓታቲ፧ ዕዮኻ እንታይ እዩ፧ ካበይከ ኢኻ መጺእካ፧ ኣበይ እዩ ሃገርካ፧ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ፧” በልዎ።  ንሱ ድማ፡ “ኣነ እብራዊ እየ፣ ነቲ ባሕርን ንቑጽ ምድርን ዝገበረ የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት እውን እፈርሆ* እየ” በሎም። 10  ሽዑ፡ እቶም ሰባት ኣዝዮም ፈርሁ እሞ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧” በልዎ። (ንሱ ስለ ዝነገሮምሲ፡ ካብ የሆዋ ይሃድም ከም ዘሎ ፈሊጦም ነበሩ።) 11  እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም፡ “ባሕሪ ኺሃድኣልናስ እንታይ ንግበርካ፧” በልዎ። 12  ንሱ ኸኣ፡ “እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝመጸኩም እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ድማ ኪሃድኣልኩም እዩ” በሎም። 13  እቶም ሰባት ግና ነታ መርከብ ናብ ንቑጽ ምድሪ ንምምላስ ኣበርቲዖም ቀዘፉ፣ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ግና ኣይከኣሉን። 14  ሽዑ፡ “ኣየ ኣታ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ብሰሪ እዚ ሰብኣይ እዚ* ኣይንጥፋእ! ኦ የሆዋ፡ ባህ ዝበለካ ስለ ዝገበርካ፡ ብንጹህ ደም ተሓተትቲ ኣይትግበረና” ኢሎም ናብ የሆዋ ኣእወዩ። 15  ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፣ እቲ ባሕሪ እውን ምንዋጹ ኣቋረጸ። 16  ሽዑ፡ እቶም ሰባት ንየሆዋ ኣዝዮም ፈርህዎ፣+ ንየሆዋ ኸኣ ሰውኡሉ፡ መብጽዓ እውን ተመባጽዑ። 17  የሆዋ ድማ ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ሰደደ፣ ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ርግቢ።”
ወይ፡ “ዮጴ።”
ወይ፡ “አምልኾ።”
ወይ፡ “ብሰሪ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ።”