ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮሃንስ 5:1-47

ትሕዝቶ

  • ሓደ ሕሙም ኣብ ቤት-ዛታ ሓወየ (1-18)

  • የሱስ ካብ ኣቦኡ ስልጣን ተዋሂብዎ እዩ (19-24)

  • ምዉታት ድምጺ የሱስ ኪሰምዑ እዮም (25-30)

  • ብዛዕባ የሱስ እተዋህበ ምስክርነት (31-47)

5  ድሕርዚ፡ በዓል ኣይሁድ ነበረ፣+ የሱስ እውን ናብ የሩሳሌም ደየበ።  ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡+ ብእብራይስጢ ቤት-ዛታ ዚብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ ዝነበሮ ሓጽቢ ነበረ።  ኣብኡ ብዙሓት ሕሙማትን ዕዉራትን ሓንካሳትን መሓውሮም ዝነቐጸን* ይድቅሱ ነበሩ።  *——  38 ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ።  የሱስ ድማ ንዕኡ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ እዋን ከም ዝሓመመ ፈሊጡ፡ “ክትጥዒዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ።+  እቲ ሕሙም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ሓጽቢ ዜእትወኒ ሰብ የብለይን፣ ኣነ ኽሳዕ ዝኸይድ ድማ፡ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ።  የሱስ ከኣ፡ “ተንስእ፡ ምንጻፍካ* ኣልዒልካ ኺድ” በሎ።+  እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ጠዓየ፣ ምንጻፉ* ኣልዒሉ እውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት። 10  ስለዚ፡ ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ “ሎሚ ሰንበት እዩ፣ ምንጻፍካ* ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን” በልዎ።+ 11  ንሱ ግና፡ “እቲ ዘጥዓየኒ እዩ፡ ‘ምንጻፍካ* ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። 12  ንሳቶም፡ “እቲ፡ ‘ኣልዒልካዮ ኺድ’ ዝበለካ ሰብ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 13  እቲ ዝሓወየ ግና፡ የሱስ ናብ መንጎ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኣትዩ ብምንባሩ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጦን። 14  ድሕርዚ፡ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፡ “እንሆ፡ ጥዒኻ። ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትሕጣእ” በሎ። 15  እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘጥዓዮ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። 16  ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ይገብር ስለ ዝነበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕግዎ ነበሩ። 17  ንሱ ግና፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፣ ኣነ እውን እዓዪ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።+ 18  ስለዚ፡ ሰንበት ብምጥሓሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ኣቦይ ብምባል+ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ እውን፡+ ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። 19  የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወድስ ኣቦ ኺገብሮ ዝረኣዮ ጥራይ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።+ እቲ ንሱ ዚገብሮ፡ ወዲ እውን ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። 20  ኣቦ ንወዲ ይፈትዎ፡+ ንሱ ዚገብሮ ዅሉ ድማ የርእዮ እዩ፣ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ ኸኣ፡ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት ኬርእዮ እዩ።+ 21  ከምቲ ኣቦ ንምዉታት ዜተንስኦምን ህያዋን ዚገብሮምን፡+ ወዲ እውን ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።+ 22  ኣቦስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ፣ የግዳስ፡ ኵሉ ፍርዲ ንወዲ ሂብዎ እዩ፣+ 23  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ኵላቶም ከምቲ ንኣቦ ዜኽብርዎ፡ ንወዲ እውን ምእንቲ ኬኽብርዎ እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ እውን ኣየኽብሮን እዩ።+ 24  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ቓለይ ዚሰምዕን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣+ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳጊሩ ኣሎ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኣይበጽሕን እዩ።+ 25  “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፣ እቶም ዝሰምዕዎ ድማ ብህይወት ኪነብሩ እዮም። 26  ከምቲ ኣቦ ብርእሱ ህይወት ዘላቶስ፡*+ ንወዲ እውን ብርእሱ ህይወት ክትህልዎ ሂብዎ እዩ።+ 27  ንሱ ወዲ ሰብ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡+ ኪፈርድ ስልጣን ሂብዎ እዩ።+ 28  ኣብ መቓብር* ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ።+ 29  ሽዑ፡ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም።+ 30  ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ኣነ ኸምቲ ዝሰምዖ እየ ዝፈርድ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ስለ ዘይደሊ ኸኣ፡+ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ።+ 31  “ኣነ በይነይ ብዛዕባ ርእሰይ እንተ መስኪረ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ።+ 32  ብዛዕባይ ዚምስክር ካልእ ኣሎ፣ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክርነት ከኣ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ እየ።+ 33  ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ልኢኽኩም፣ ንሱ ድማ ንሓቂ እዩ መስኪሩ።+ 34  እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣለኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ኣይቅበልን እየ። 35  ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ እዩ ነይሩ፣ ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ንቝሩብ ግዜ ባህ ኪብለኩም ደለኹም።+ 36  ግናኸ፡ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ዝሃበኒ ዕዮ፡ እዚ ኣነ እውን ዝገብሮ ዘለኹ ዕዮ፡ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር ኣሎኒ።+ 37  እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስኪሩ እዩ።+ ንስኻትኩም ድምጹ ኸቶ ኣይሰማዕኩምን፡ ምስሉ እውን ኣይረኣኹምን፣+ 38  በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከኣ፡ ቃሉ ኣባኻትኩም ኣይሓደረን። 39  “ብቕዱሳት ጽሑፋት ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ ስለ ዝመሰለኩም፡ ትምርምርዎ ኣለኹም፣+ እዚ* ኸኣ ብዛዕባይ እዩ ዚምስክር።+ 40  ህይወት ኪህልወኩም ኢልኩም ናባይ ክትመጹ ግና ኣይትደልዩን ኢኹም።+ 41  ካብ ሰብ ክብሪ ኣይቅበልን እየ፣ 42  ኣብ ውሽጥኹም ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዘይብልኩም ግና፡ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። 43  ኣነ ብስም ኣቦይ እየ መጺአ፡ ንስኻትኩም ግና ኣይተቐበልኩምንን። ካልእ ብስም ርእሱ እንተ ዚመጽእ፡ ንዕኡ ምተቐበልኩምዎ ኔርኩም። 44  ካብ ንሓድሕድኩም ክብሪ እናተቐበልኩምን ነቲ ኻብ ሓደ ኣምላኽ ዚርከብ ክብሪ ኸይደለኹምን፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ፧+ 45  ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸስሰኩም ኣይምሰልኩም፣ ዚኸስሰኩምሲ ኣሎ፣ ንሱ ድማ እቲ ተስፋ ዝገበርኩምሉ ሙሴ እዩ።+ 46  ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንዓይ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።+ 47  ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ንቓለይ ክትኣምንዎ፧”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዝለመሰን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ3 ርአ።
ወይ፡ “ዓራትካ።”
ወይ፡ “ዓራቱ።”
ወይ፡ “ዓራትካ።”
ወይ፡ “ዓራትካ።”
ወይ፡ “ብርእሱ ውህበት ህይወት ዘለዎስ።”
እታ ኣብዚ “መቓብር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ መዘከርታ እቶም ኣብኡ እተቐብሩ ኸም ዘይተረስዐ እውን ተመልክት።
ማለት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት።