ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮሃንስ 2:1-25

ትሕዝቶ

  • ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ፣ ማይ ናብ ወይኒ (1-12)

  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ (13-22)

  • የሱስ እንታይነት ሰብ ይፈልጥ (23-25)

2  ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፣ ኣደ የሱስ እውን ኣብኡ ነበረት።  የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደሙ።  ወይኒ ምስ ተወድአ፡ ኣደ የሱስ፡ “ወይኒ የብሎምን” በለቶ።  የሱስ ግና፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እዚ ንዓይን ንዓኽን እንታይ የገድሰና፧* ግዜይ ገና ኣይበጽሐን” በላ።  ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ፡ “ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” በለቶም።  ኣብኡ ድማ ከም ስርዓት ንጽህና ኣይሁድ፡+ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ መስፈር ፈሳሲ* ዚሕዝ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጡ ነበረ።  የሱስ ከኣ፡ “ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ” በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ።  ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ቕድሕዎ እሞ፡ ንኣቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።  እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ ናብ ወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ኣይፈለጠን፣ (እቶም ነቲ ማይ ዝቐድሑ ኣገልገልቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፣) ሽዑ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ 10  “ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ” በሎ። 11  የሱስ ነዚ መጀመርታ ትእምርትታቱ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ፡ ክብሩ ድማ ኣግሃደ፣+ ደቀ መዛሙርቱ እውን ብእኡ ኣመኑ። 12  ድሕርዚ፡ ንሱን ኣዲኡን ኣሕዋቱን+ ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረዱ፣+ ኣብኡ ግና ብዙሕ መዓልትታት ኣይጸንሑን። 13  ፋስጋ+ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፣ የሱስ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 14  ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ከብትን ኣባጊዕን ረገቢትን ዚሸጡ፡+ ኣሽረፍቲ ድማ ተቐሚጦም ረኸበ። 15  ካብ ገመድ መግረፊ ሰሪሑ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምስተን ኣባጊዕን ምስቶም ከብትን ዝነበሩ ኻብ ቤተ መቕደስ ሰጐጎም፣ ንሰልዲ እቶም ኣሽረፍቲ እውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ገልበጦ።+ 16  ነቶም ረገቢት ዚሸጡ ድማ፡ “ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ! ንቤት ኣቦይ፡ ደጊም ቤት ሸቐጥ* ኣይትግበርዋ!” በሎም።+ 17  ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ቅንኣት ቤትካ ኺበልዓኒ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።+ 18  ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “እዚ እትገብር ካብ ኣለኻስ፡ እንታይ ትእምርቲኸ ኸተርእየና ኢኻ፧” በልዎ።+ 19  የሱስ ድማ፡ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኸተንስኣ እየ” ኢሉ መለሰሎም።+ 20  እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ብ46 ዓመት እያ ተሃኒጻ፣ ንስኻዶ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኸተተንስኣ ኢኻ፧” በልዎ። 21  ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ።+ 22  ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ግና፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ይብል ከም ዝነበረ ዘከሩ፣+ በቲ ቕዱስ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። 23  ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ፡ ብዙሓት ነቲ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ረኣዩ፡ ብስሙ ኣመኑ። 24  የሱስ ግና፡ ንዅሎም ይፈልጦም ስለ ዝነበረ፡ ኣይኣመኖምን፣ 25  ኣብ ሰብ ዘሎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ብዛዕባ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣቲ ሰበይቲ ንዓይን ንዓኽን እንታይ እዩ፧” እዚ ተቓውሞ ዜመልክት ቍንቍኛ እዩ። “ኣቲ ሰበይቲ” ምባሉ ንዕቀት ኣየመልክትን እዩ።
እቲ መስፈር ፈሳሲ ተባሂሉ ዘሎ ባት ኪኸውን ኣለዎ፣ ሓደ ባት 22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ዕዳጋ።”