ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮሃንስ 12:1-50

ትሕዝቶ

  • ማርያም ኣብ እግሪ የሱስ ቅብኢ ኣፍሰሰት (1-11)

  • የሱስ ብዓጀባ ኣተወ (12-19)

  • የሱስ ከም ዚመውት ነገሮም (20-37)

  • ኣይሁድ ብዘይምእማኖም ብዛዕባኦም ዝነበረ ትንቢት ተፈጸመ (38-43)

  • የሱስ ንዓለም ኬድሕን መጸ (44-50)

12  ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ፡ የሱስ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር+ ዝነበራ ቢታንያ መጸ።  ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ፣ ማርታ እውን ተገልግሎም ነበረት፣+ ኣልኣዛር ግና ሓደ ኻብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ እዩ።  ሽዑ፡ ማርያም ሓደ ነጥሪ* ኽቡር ቅዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳ እውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብሽታ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልአት።+  ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡+ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ግና፡  “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ፡ ስለምንታይ ን300 ዲናር* ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፧” በለ።  እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝነበረን ሳጹን ምስኡ ስለ ዝነበረን ኣብኡ ዝኣተወ ገንዘብ ይሰርቕ ስለ ዝነበረን እዩ እምበር፡ ንድኻታት ስለ ዝሓለየሎም ኣይኰነን።  የሱስ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ቐብረይ ኢላ እዚ ኽትገብር ሕደግዋ።+  ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣+ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን” በለ።+  ሽዑ፡ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ህዝቢ፡ ንሱ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም መጹ፣ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር እውን ኪርእዩ እምበር፡ ብምኽንያት የሱስ ጥራይ ኣይኰኑን ዝመጹ።+ 10  ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ ንኣልኣዛር እውን ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ፣ 11  ከመይሲ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር ናብኡ እናኸዱ፡ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ።+ 12  ንጽብሒቱ፡ እቶም ንበዓል ዝመጹ ብዙሓት ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ይመጽእ ከም ዘሎ ሰሚዖም፡ 13  ጨናፍር ኦም ስየ ሒዞም ኪረኽብዎ ወጹ። “በጃኻ፡ ኣድሕን! ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ!”+ ኢሎም እውን ጨደሩ።+ 14  ሽዑ፡ የሱስ ጻዕብ ረኺቡ ተወጥሖ፣+ እዚ ድማ ከምቲ፡ 15  “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ! እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ”+ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። 16  ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገር እዚ ቕድም ኣይተረድእዎን፣ የሱስ ምስ ከበረ ግና፡+ ሽዑ እዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈን ንሳቶም እዚ ኸም ዝገበሩሉን ዘከሩ።+ 17  እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ፡+ ይምስክሩ ነበሩ።+ 18  ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ እዚ ትእምርቲ እዚ ኸም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ፡ ኪረኽብዎ ወጹ። 19  ሽዑ፡ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ “ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣለኹም። እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተባሃሃሉ።+ 20  ካብቶም ኣብቲ በዓል ኬምልኹ ዝደየቡ ኸኣ፡ ገለ ግሪኻውያን ነበሩ። 21  ንሳቶም ድማ ናብ ፊልጶስ+ ብዓል ቤት-ሳይዳ ናይ ገሊላ ቐሪቦም፡ “ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኢና” ኢሎም ለመንዎ። 22  ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ከኣ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ። 23  የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ወዲ ሰብ ዚኸብረላ ሰዓት በጺሓ እያ።+ 24  ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወዲቓን እንተ ዘይሞይታን፡ በይና እያ እትነብር፣ እንተ ሞይታ ግና፡+ ብዙሕ ፍረ ትፈሪ። 25  እቲ ንህይወቱ* ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንህይወቱ* ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ+ ግና ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።+ 26  ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ይስዓበኒ፣ ኣብቲ ዘለኽዎ ኸኣ፡ ኣገልጋልየይ ኣብኡ ኪኸውን እዩ።+ ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። 27  ሕጂ ተረቢሸ ኣለኹ፡*+ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ።+ ግናኸ፡ ምእንቲ እዚ እየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝመጻእኩ። 28  ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ።” ሽዑ፡ ካብ ሰማይ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+ 29  እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፡ ነጕዲ ኸም ዝዀነ ተዛረቡ። ካልኦት ከኣ፡ “መልኣኽ ተዛሪብዎ” በሉ። 30  የሱስ ከኣ፡ “እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኹም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን። 31  ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ኣኺሉ፣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ+ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።+ 32  ኣነ እውን ምስ ተሰቐልኩ፡+ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ናባይ ክስሕቦ እየ” ኢሉ መለሰሎም። 33  ከመይ ዝበለ ሞት ከም ዚመውት ኬመልክት እዩ እዚ ዝበለ።+ 34  ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ ኻብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና።+ ከመይ ኢልካ ደኣ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ እትብል ዘለኻ፧+ እዚ ወዲ ሰብ እዚኸ መን እዩ፧” ኢሎም መለሱሉ። 35  የሱስ ከኣ፡ “ንቝሩብ ግዜ ብርሃን ኣብ መንጎኹም ኪጸንሕ እዩ። ጸልማት ከይውሕጠኩምሲ፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ፣ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።+ 36  ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ” በሎም።+ የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሓብአ። 37  ኣብ ቅድሚኦም ክንድዚ ዚኣክል ትእምርትታት ገይሩ ኽነሱ፡ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ፣ 38  እዚ ዝዀነ ኸኣ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡* በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧+ ቅልጽም የሆዋኸ* ንመን ተገሊጹ፧”+ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 39  ኪኣምኑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ 40  “ብኣዒንቶም ከይርእዩን ብልቦም ከይርድኡን ከይምለሱን እሞ ኣነ ኸየሕውዮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዕዊሩ፡ ልቦም እውን ኣትሪሩ” ዝበሎ እዩ።+ 41  ኢሳይያስ ክብሩ ስለ ዝረኣየ እዩ እዚ ዝበለ፡ ብዛዕባኡ እውን ተዛረበ።+ 42  ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዙሓት ካብ ኣሕሉቕ እኳ ብእኡ ኣመኑ፣+ ግናኸ፡ ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይስጐጉ፡ ብሰንኪ ፈሪሳውያን ኣይተኣመኑሉን፣+ 43  ከመይሲ፡ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ብዝያዳ ፈተዉ።+ 44  የሱስ ግና ጨደረ፡ ከምዚ እውን በለ፦ “እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ በቲ ዝለኣኸኒ እውን እምበር፡ ብኣይ ጥራይ ኣይኰነን ዚኣምን፣+ 45  እቲ ንዓይ ዚርኢ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይርእዮ።+ 46  ብኣይ ዚኣምን ኵሉ፡ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡+ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ።+ 47  ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ ዘበለ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ።+ 48  እቲ ዚንዕቀንን ንቓለይ ዘይቅበልን ዚፈርዶ ኣለዎ። እቲ እተዛረብክዎ ቓል እዩ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ዚፈርዶ። 49  ከመይሲ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ።+ 50  ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ምዃና እውን እፈልጥ እየ።+ ስለዚ፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ።”+

እግረ ጽሑፍ

ኣስታት 327 ግ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ተረቢሻ ኣላ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብዘረባና።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።