ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ያእቆብ 5:1-20

ትሕዝቶ

  • ንሃብታማት እተዋህበ መጠንቀቕታ (1-6)

  • ኣምላኽ ንትዕግስትን ንተጻዋርነትን ይባርኽ (7-11)

  • “እወ” ዝበልኩምዎ እወ ይኹን (12)

  • ናይ እምነት ጸሎት ተስልጥ (13-18)

  • ንሓጥእ ኪምለስ ምሕጋዙ (19, 20)

5  ኣቱም ሃብታማት፡ እስከ ሕጂ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ ጸበባ ዋይዋይ እናበልኩም ብኸዩ።+  ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ክዳውንትኹም እውን ብልዒ በሊዕዎ ኣሎ።+  ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ ምራተኡ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ፡ ንስጋኹም እውን ኪበልዖ እዩ። እቲ ዝኣከብኩምዎ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ሓዊ ኪኸውን እዩ።+  እንሆ፡ እቲ ንስኻትኩም ዝገደብኩምዎ ውዕለት እቶም ኣብ ግራውትኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ የእዊ ኣሎ፣ ኣውያት እቶም ዓጻዶ እውን ኣብ እዝኒ የሆዋ* ጐይታ ሰራዊት በጺሑ ኣሎ።+  ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፣ ብመዓልቲ ማሕረዲ ልብኹም ኣስቢሕኩም ኣለኹም።+  ነቲ ጻድቕ ኰኒንኩምዎ፡ ቀቲልኩምዎ እውን። ንሱ ይጻረረኩምዶ የሎን፧  እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህሉ፡ ተዓገሱ።+ እንሆ፡ ሓረስታይ፡ ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ክሳዕ ዚመጽእ እናተዓገሰ፡ ክቡር ፍረ ምድሪ ይጽበ እዩ።+  ንስኻትኩም እውን ተዓገሱ፣+ ጐይታ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣጽንዑ።+  ኣሕዋተየ፡ ምእንቲ ኸይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣይተዕዘምዝሙ።*+ እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ። 10  ኣሕዋተየ፡ ነቶም ብስም የሆዋ* እተዛረቡ ነብያት፡+ ከም ኣርኣያ መከራን+ ትዕግስትን+ ጌርኩም ርኣይዎም። 11  እንሆ፡ ‘እቶም እተጻወሩ ሕጉሳት* እዮም’ ንብል ኣለና።+ ብዛዕባ ተጻዋርነት እዮብ+ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ የሆዋ* ኣዝዩ ፈቃርን* መሓርን እዩ እሞ፡+ ነቲ የሆዋ* ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ርኢኹም ኣለኹም።+ 12  ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ደጊም ብሰማይ ወይስ ብምድሪ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሓሉ። የግዳስ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ “እወ” ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ “ኣይፋል” ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን።+ 13  ኣብ መንጎኹም መከራ ዚጸግብዶ ኣሎ፧ ብቐጻሊ ይጸሊ።+ ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር።+ 14  ኣብ መንጎኹም ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ፣+ ንሳቶም ከኣ ብስም የሆዋ* ዘይቲ እናለኸዩ፡ ይጸልዩሉ።+ 15  እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም* ከተጥዕዮ እያ፣ የሆዋ* እውን ኬተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ እውን፡ ኪሕደገሉ እዩ። 16  እምበኣር፡ ምእንቲ ኽትሓውዩ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፡+ ምእንቲ ሓድሕድኩም እውን ጸልዩ። ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ።*+ 17  ኤልያስ ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ከይዘንም ጸሎት ምስ ጸለየ፡ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብታ ምድሪ ኣይዘነመን።+ 18  ከም ብሓድሽ ምስ ጸለየ ድማ፡ ሰማይ ዝናም ሂቡ፡ ምድሪ እውን ፍሪኣ ኣብቊላ።+ 19  ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ስሒቱ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ እንተ መሊስዎ፡ 20  እቲ ንሓጥእ ካብ ስሕተት መገዱ ዚመልሶ፡+ ንዕኡ* ኻብ ሞት ከም ዜድሕኖ፡ ብዝሒ ሓጢኣት እውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኣይተማርሩ።” ቃ.ቃ.፡ “እህህ ኣይትበሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብሩኻት።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኣዝዩ ርሕሩሕን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ድኹም” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ከተስልጥ ከላ ብዙሕ ሓይሊ ኣለዋ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”