ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ያእቆብ 3:1-18

ትሕዝቶ

  • ንልሳን ምግራሕ (1-12)

    • መብዛሕትኹም መምህራን ኣይትኹኑ (1)

  • ናይ ላዕሊ ጥበብ (13-18)

3  ኣሕዋተየ፡ ዝገደደ* ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ መብዛሕትኹም መምህራን ኣይትኹኑ።+  ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና። ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ሰብነቱ ኺለጕም ዚኽእል ፍጹም ሰብ እዩ።  ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ ልጓም እንተ ጌርና፡ ንብዘሎ ኣካላቶም ብእኡ ንኣልዮ ኢና።  እንሆ፡ መራኽብ እውን ክንድዚ ዓበይትን ብብርቱዕ ንፋስ ዚድፍኣን ክነሰንሲ፡ እቲ መዘወር መርከብ ዝሓዘ ሰብ ናብ ዝደለዮ፡ ብኣዝዩ ንእሽቶ መእለይ መርከብ እየን ዚእለያ።  ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ፡ ግናኸ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ!  ልሳን እውን ሓዊ እያ። ልሳን ኣብ መንጎ ኣካላትና ዘላ ናይ ዓመጻ ዓለም እያ፣ ከመይሲ፡ ንብዘሎ ሰብነትና ተርክሶን+ ንብምሉኡ ኣነባብራና ተንድዶን እያ፡ ብገሃነም* እውን እትነድድ እያ።  ኵሉ ዓይነት ኣራዊትን ኣዕዋፍን ለመምትን እንስሳ ባሕርን ብሰብ ይግራሕ እዩ፡ ተገሪሑ እውን ኣሎ።  ንልሳን ኪገርሓ ዝኸኣለ ግና ሓደ ሰብ እኳ የልቦን። ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።  ብእኣ ጌርና ነቲ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ* ንውድሶ፣ ብእኣ ጌርና እውን ነቶም “ብምስሊ ኣምላኽ” ዝዀኑ ሰባት ንረግም።+ 10  ካብ ሓደ ኣፍ፡ በረኸትን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።+ 11  ዓይኒ ማይዶ ኻብ ሓደ ጕድጓድ ጥዑምን መሪርን ማይ ይፍልፍል እዩ፧ 12  ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ* ኣውልዕ፡ ወይስ ተኽሊ ወይኒዶ በለስ ክትፈሪ ትኽእል እያ፧+ ካብ ዓይኒ ማይ ጨው እውን ጥዑም ማይ ኣይፍልፍልን እዩ። 13  ኣብ መንጎኹምከ ጥበበኛን ኣእምሮኛን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣካይዳኡ፡ በቲ ኻብ ጥበብ ዚርከብ ልእመት ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14  መሪር ቅንእን+ ንግርምናን*+ ኣብ ልብኹም እንተ ኣልዩኩም ግና፡ ኣይትመክሑ፡+ ንሓቂ እውን ኣይትሓስውዋ። 15  እዛ ጥበብ እዚኣስ ምድራዊትን+ ስጋዊትን ጋኔናዊትን እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። 16  ከመይሲ፡ ኣብቲ ቕንእን ንግርምናን* ዘለዎ፡ ኣብኡ ህውከትን ኵሉ ኽፍኣትን ኣሎ። 17  እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣+ ደሓር፡ ሰላማዊት፡+ ልዝብቲ፡*+ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡+ ዘይተዳሉ፡+ ዘይግብዝቲ እያ።+ 18  ፍረ ጽድቂ እውን ምእንቲ እቶም* ሰላም ዚገብሩ+ ብሰላም ይዝራእ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዝኸበደ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ስሱዕ ትምኒትን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ስሱዕ ትምኒትን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሚዛናዊት።”
ወይ፡ “በቶም” ኪኸውን ይኽእል።