ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ያእቆብ 2:1-26

ትሕዝቶ

  • ኣድልዎ ሓጢኣት እዩ (1-13)

    • ፍቕሪ፡ ንጉሳዊ ሕጊ (8)

  •  እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ (14-26)

    • ኣጋንንቲ ይኣምኑን የንቀጥቅጡን (19)

    • ኣብርሃም ፈታው የሆዋ ተባሂሉ (23)

2  ኣሕዋተየ፡ እምነት እቲ ኽቡር ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሒዝኩም ከለኹምሲ፡ ኣድልዎ ትገብሩዶ ኣለኹም፧+  ከመይሲ፡ ኣብ ኣጻብዑ ቐላብቲ ወርቂ ዝገበረን ዜብለጭልጭ ክዳን እተኸድነን ሰብኣይ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣትዩ፡ ሓደ ድኻ ሰብኣይ ግና ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣትዩ፡  ነቲ ዜብለጭልጭ ክዳን እተኸድነ ብኣኽብሮት ርኢኹም፡ “ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ቦታ ተቐመጥ” እንተ ኢልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ “ንስኻ ደው በል” ወይስ፡ “ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ” እንተ ኢልኩምዎ፡+  ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፧+ ክፉእ ዚውስኑ ፈራዶ ደይኰንኩምንከ እትዀኑ፧+  ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ። ኣምላኽሲ ብእምነት ኪህብትሙን ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎ መንግስቲ ኺወርሱን ኢሉ፡+ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ደይኰነን ዝሓረዮም፧+  ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ኣሕሲርኩምዎ። ሃብታማት ደይኰኑን ዚጭቍኑኹምን+ ናብ ቤት ፍርዲ ዚውጥጡኹምን፧  ንሳቶም ደይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ፧  ከምቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ጌርኩም ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ እንተ ፈጺምኩምዎስ፡+ ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም።  ኣድልዎ እንተ ጌርኩም ግና፡+ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፣ በቲ ሕጊ ኸኣ ከም ጠሓስቲ ትፍረዱ።*+ 10  ንብዘሎ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚስሕት ዘበለ፡ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን።+ 11  ከመይሲ፡ እቲ፡ “ኣይትዘሙ” ዝበለ፡+ “ኣይትቕተል” እውን ኢሉ እዩ።+ ዋላ እኳ እንተ ዘይዘሚኻ፡ ግናኸ እንተ ቐቲልካ፡ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ። 12  ከምቲ ናይቶም ብሕጊ ሓራ ሰባት* ዚፍረዱ ጌርኩም ተዛረቡን ግበሩን።+ 13  ምሕረት ዘይገብርሲ፡ ብዘይ ምሕረት እዩ ዚፍረድ።+ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትዕወት እያ። 14  ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ ‘እምነት ኣላትኒ’ እንተ ኢሉ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧+ እታ እምነት እቲኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧+ 15  ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓሪቖም፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን እንተ ስኢኖም፡ 16  ንሰብነቶም ዜድሊ ኸይሃብኩምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ “ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ” እንተ ኢልዎም፡ እንታይ ይጠቅም፧+ 17  ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።+ 18  ሓደ ግና፡ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ። እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ እውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ” ይብል ይኸውን። 19  ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎዶ ትኣምን ኢኻ፧ ጽቡቕ ትገብር ኣለኻ። ኣጋንንቲ እውን ይኣምኑን የንቀጥቅጡን እዮም።+ 20  ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ዘይትረብሕ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ 21  ኣብርሃም ኣቦና ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩዶ ኣይጸደቐን፧*+ 22  እምነቱ ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነቱ ድማ ብግብሩ ፍጽምቲ ኸም ዝዀነት፡ ትርኢ ኣለኻ።+ 23  እቲ፡ “ኣብርሃም ብየሆዋ* ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ተፈጺሙ እዩ፣+ ፈታው* የሆዋ* ኸኣ ተባሂሉ እዩ።+ 24  ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ትርእዩ ኣለኹም። 25  ከምኡ ኸኣ ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምን ብኻልእ መገዲ ምስ ሰደደቶምን፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧+ 26  እምበኣር፡ ከምቲ ሰብነት ብዘይ መንፈስ* ምዉት ዝዀነ፡+ ከምኡ እውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትግንሑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሕጊ ሓርነት።”
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ዓርኪ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ትንፋስ።”