ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 6:1-22

ትሕዝቶ

  • ደቂ ኣምላኽ ኣዋልድ ምድሪ ኣእተዉ (1-3)

  • ነፊሊም ተወልዱ (4)

  • ክፍኣት ደቂ ሰብ ንየሆዋ ኣጕሃዮ (5-8)

  • ኖህ መርከብ ኪሰርሕ ተመዘዘ (9-16)

  • ኣምላኽ ማይ ኣይሂ ኸም ዚመጽእ ተነበየ (17-22)

6  ሰባት ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሑ ምስ ጀመሩ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡  እቶም ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡*+ እተን ኣዋልድ ሰባት መልክዐኛታት ምዃነን ረኣዩ። ካባታተን ድማ ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።  ድሕርዚ፡ የሆዋ፡ “ንሱ ስጋ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡* መንፈሰይ ንሓዋሩ ንሰብ ኣይኪጻወሮን እዩ።+ ስለዚ፡ መዓልትታቱ 120 ዓመት ኪኸውን እዩ” በለ።+  በተን መዓልትታት እቲአንን ብድሕሪኡን፡ ነፊሊም* ኣብ ምድሪ ነበሩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰባት ኣተዉ፣ ንሳተን ድማ ኣወዳት ወለዳሎም። ንሳቶም ከኣ እቶም ስሙያት ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ጀጋኑ እዮም።  የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ።+  የሆዋ ኸኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡* ልቡ እውን ጐሃየ።*+  ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ስለ ዝገበርክዎም ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎም ሰባት፡ ንሰብ ምስ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን በረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ብሓባር ካብ ገጽ ምድሪ ኽድምስሶም እየ” በለ።  ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ ረኸበ።  ታሪኽ ኖህ እዚ እዩ። ኖህ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ።+ ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡* ኣበር ዘይብሉ* ነበረ። ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።+ 10  ኖህ ድማ ሰለስተ ኣወዳት፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ።+ 11  ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልአት። 12  ኣምላኽ ድማ ንምድሪ ረኣያ፡ ተበላሽያ ኸኣ ነበረት፣+ ኵሉ ስጋ፡* መገዱ ኣብ ምድሪ ኣበላሽዩ ነበረ።+ 13  ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ “ብሰሮም ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ ንዅሉ ስጋ መወዳእታ ኽገብረሉ ወሲነ እየ፣ ስለዚ፡ ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።+ 14  ዕንዲዳ ኻብ ዜውጽእ ዕንጨይቲ ንዓኻ መርከብ* ስራሕ።+ ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ብውሽጣን ብደጊኣን ከኣ ብቕጥራን*+ ለቕልቃ። 15  ከምዚ ኸኣ ግበራ፦ እታ መርከብ ምንዋሓ 300 እመት፡* ምግፋሓ 50 እመት፡ ቍመታ ድማ 30 እመት ይኹን። 16  ነታ መርከብ ካብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቝመቱ ንብርሃን ዚኸውን መስኰት* ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ፣+ ታሕተዋይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ግበረላ። 17  “ኣነ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ትንፋስ ህይወት* ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኸጥፍእሲ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸምጽእ እየ።+ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ እውን ኪጠፍእ እዩ።+ 18  ምሳኻ ኸኣ ኪዳነይ ከቕውም እየ፣ ንስኻ ድማ ምስ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን ናብታ መርከብ እቶ።+ 19  ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኸኣ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ህያው ፍጡር ከክልተ፡+ ማለት ተባዕታይን ኣንስተይትን፡+ ናብታ መርከብ ኣእቱ። 20  ካብቶም በረርቲ ፍጡራት በብዓይነቶም፡ ካብ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቶም፡ ካብ ለመምቲ ምድሪ በብዓይነቶም፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩስ፡ ካብ ኵሉ ኸክልተ ናባኻ ይእተዉ።+ 21  ንዓኻን ነቶም እንስሳታትን ምግቢ ዚኸውን ከኣ፡ ኵሉ ዓይነት ዚብላዕ ምግቢ+ ኣኪብካ ምሳኻ ውሰድ።” 22  ኖህ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ነቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ዜመልክት ቍንቍኛ እብራይስጢ።
ወይ፡ “ንሱ ኸም ስጋ ስለ ዚመላለስ” ኪኸውን ይኽእል።
ትርጉሙ፡ “ኣውደቕቲ” ኪኸውን ይኽእል፡ ማለት፡ ንኻልኦት ዜውድቑ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሓዘነ።”
ወይ፡ “ተጐድአ።”
ቃ.ቃ.፡ “ወለዶታቱ።”
ወይ፡ “መንቅብ ዘይብሉ።”
ወይ፡ “ሰብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሳጹን።”
ወይ፡ “ብዝፍቲ።”
ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ብእብራይስጢ፡ ጾሃር ይብል። ጾሃር ንብርሃን ዚኸውን ከፋት ወይ መስኰት ዘይኰነስ፡ ሓደ እመት ዚኣክል ቅንን ንዝበለ ናሕሲ የመልክት ዚብል ኣረኣእያ ኣሎ።
ወይ፡ “መንፈስ ህይወት።”