ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 5:1-32

ትሕዝቶ

  • ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ (1-32)

    • ኣዳም ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ (4)

    • ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ (21-24)

5  መጽሓፍ ታሪኽ ኣዳም እዚ እዩ። በታ ኣምላኽ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ።+  ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።+ በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ፡+ ባረኾም፡ ሰብ* ኢሉ እውን ሰመዮም።  ኣዳም ድማ 130 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ብምስሉን ብመልክዑን ወዲ ወለደ፡ ሴት ኢሉ እውን ሰመዮ።+  ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፡ 800 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።  ስለዚ፡ ኵሉ መዓልትታት ህይወት ኣዳም 930 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ።+  ሴት ድማ 105 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንሄኖስ+ ወለደ።  ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ፡ 807 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ሴት 912 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ።  ሄኖስ ድማ 90 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንቃይናን ወለደ። 10  ሄኖስ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ 815 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 11  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ሄኖስ 905 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 12  ቃይናን ድማ 70 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንመሃላልኤል+ ወለደ። 13  ቃይናን ንመሃላልኤል ምስ ወለደ፡ 840 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 14  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ቃይናን 910 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 15  መሃላልኤል ድማ 65 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንያሬድ+ ወለደ። 16  መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ፡ 830 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 17  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ መሃላልኤል 895 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 18  ያሬድ ድማ 162 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንሄኖክ+ ወለደ። 19  ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ፡ 800 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 20  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ያሬድ 962 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 21  ሄኖክ ድማ 65 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንማቱሳላ+ ወለደ። 22  ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ እውን፡ 300 ዓመት ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ* ተመላለሰ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 23  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ሄኖክ 365 ዓመት ኰነ። 24  ሄኖክ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።+ ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ስለ ዝወሰዶ፡ ኣይተራእየን።+ 25  ማቱሳላ ድማ 187 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንላሜክ+ ወለደ። 26  ማቱሳላ ንላሜክ ምስ ወለደ፡ 782 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 27  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ማቱሳላ 969 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 28  ላሜክ ድማ 182 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ወዲ ወለደ። 29  “ኣብዛ የሆዋ ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን ኬጸናንዓና* እዩ”+ ኢሉ ስሙ ኖህ*+ ኣውጽኣሉ። 30  ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ፡ 595 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 31  ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ላሜክ 777 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 32  ኖህ ወዲ 500 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንሴምን+ ንካምን+ ንያፌትን+ ወለደ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣዳም።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኬዕርፈና።”
ትርጉሙ፡ “ዕረፍቲ፣ ምጽንናዕ” ኪኸውን ይኽእል።