ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 49:1-33

ትሕዝቶ

  • ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት (1-28)

    • ሺሎ ኻብ ይሁዳ ኸም ዚወጽእ (10)

  • ያእቆብ ብዛዕባ ቐብሩ ዝሃቦ ትእዛዝ (29-32)

  • ሞት ያእቆብ (33)

49  ያእቆብ ድማ ንደቁ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም እትዀኑ ኽነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ።  ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ተኣከቡ እሞ ስምዑ፣ እወ፡ ንኣቦኹም እስራኤል ስምዕዎ።  “ሮቤል፡+ ንስኻ በዅረይ፡+ ሓይለይን መጀመርታ ስብእነተይን፡ ብሉጽ ክብርን ብሉጽ ብርታዐን ኢኻ።  ከም ዚናወጽ ማያት ብሸለልትነት ናብ ዓራት ኣቦኻ ስለ ዝደየብካ፡ ኣይክትበልጽን ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንዓራተይ ኣርከስካዮ።+ እወ፡ ናብኡ ደየበ።  “ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም።+ ኣጽዋሮም፡ ኣጽዋር ዓመጻ እዩ።+  ብቝጥዓኦም ሰብኡት ቀቲሎም፡+ ንባህታኦም ኣብዑር ቀንጂቦም እዮም እሞ፡ ነፍሰይ* ኣይትሕበሮም። ክብረይ* ኣብ ኣኼባኦም ኣይሕበር።  ቍጥዓኦም ሕሱም፡ ነድሮም ከኣ ጨካን እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን።+ ኣብ ያእቆብ ክብትኖም፡ ኣብ እስራኤል ፋሕ ከብሎም እየ።+  “ኣታ ይሁዳ፡+ ኣሕዋትካ ኺውድሱኻ እዮም።+ ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ።+ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም።+  ይሁዳ ዅርኩር ኣንበሳ እዩ።+ ወደየ፡ ካብ ግዳይ ብርግጽ ክትድይብ ኢኻ። ንሱ ኸም ኣንበሳ ተዀርመየን በጥ በለን፣ ከም ኣንበሳኸ መን ደፊሩ የተንስኦ፧ 10  ሺሎ* ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ካብ ይሁዳ ዘንጊ፡ ካብ መንጎ ኣእጋሩ ኸኣ በትሪ ኣዛዚ ኣይኪፍለን እዩ፣+ ተኣዛዝነት ህዝብታት ናቱ እዩ።+ 11  ንኣድጉ ምስ ተኽሊ ወይኒ፡ ንውላድ ኣድጉ ምስ ብሉጽ ተኽሊ ወይኒ ኣሲሩ፡ ልብሱ ብወይኒ፡ ክዳኑ ድማ ብደም ወይኒ ኺሓጽብ እዩ። 12  ኣዒንቱ ብወይኒ ኪቐይሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን። 13  “ዛብሎን+ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ጥቓ እቲ መራኽብ መልህቕ ዚድርብያሉ ገምገም ኪነብር እዩ፣+ ጫፍ ዶቡ ኸኣ ናብ ሲዶን ኪኸውን እዩ።+ 14  “ይሳኮር+ ኣብ መንጎ ኽልተ እተወደነ ጽዕነት በጥ ዚብል ድልዱል ዝዓጽሙ ኣድጊ እዩ። 15  እታ መዕረፊት ጽብቕቲ፡ እታ ምድሪ ድማ ባህ እተብል ምዃና ኺርኢ እዩ። ንምጻር መንኵቡ ኼትሕትን ብግዲ ኺሽቅልን እዩ። 16  “ዳን+ ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰይኑ ንህዝቡ ኺዳኒ እዩ።+ 17  ዳን፡ እቲ ኣብ ፈረስ ዚውጣሕ ንድሕሪት ምእንቲ ኺወድቕ፡ ሸዀናታት ፈረስ ዚነክስ ኣብ ደረት መገዲ ተመን፡ ኣብ ወሰን መገዲ ድማ ቀራን ተመን ይኹን።+ 18  ኦ የሆዋ፡ ንድሕነትካ ኽጽበ እየ። 19  “ንጋድ+ ዘማቲ ጭፍራ ኼጥቅዖ እዩ፣ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ኬጥቅዖም እዩ።+ 20  “እንጌራ ኣሴር+ ብዙሕ* ኪኸውን እዩ፣ ንንጉስ ዚበቅዕ ምግቢ እውን ኪህብ እዩ።+ 21  “ንፍታሌም+ ሽንቅጥ ዝበለት እራብ እዩ። ጥዑም ቃል ይዛረብ ኣሎ።+ 22  “ዮሴፍ+ ጨንፈር ፈራዪት ኦም፡ ጨናፍራ ኣብ ልዕሊ መንደቕ እተዘርግሐ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራዪት ኦም እዩ። 23  ቀስተኛታት ግና ኣጨነቕዎን ወርወሩሉን ጸልእዎን።+ 24  ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብር፣+ ኣእዳዉ ድማ ድልዱልን ንጡፍን እዩ።+ እዚ ድማ ካብ ኣእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፡ ካብቲ ጓሳ፡ ካብቲ እምኒ እስራኤል እዩ። 25  ንሱ* ኻብ ኣምላኽ ኣቦኻ እዩ፡ ንሱ እውን ኪሕግዘካ እዩ። ንሱ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል እዩ፡ ንሱ ድማ ብበረኸት ሰማያት ላዕሊ፡ ብበረኸት መዓሙቝ ታሕቲ፡+ ብበረኸት ኣጥባትን ማሕጸንን ኪባርኸካ እዩ። 26  በረኸት ኣቦኻ ኻብ በረኸት ዘለኣለማዊ ኣኽራን፡ ካብ ስልማት ነባሪ ዅርባታት ኪልዕል እዩ።+ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈልየ ኪኸውን እዩ።+ 27  “ብንያም+ ከም ተዅላ ኺሰላልዕ እዩ።+ ንግሆ ንግዳዩ ኺበልዖ፡ ምሸት ከኣ ምርኮኡ ኺመቅል እዩ።”+ 28  ኵሎም እዚኣቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዮም፣ ኣቦኦም ኪምርቖም ከሎ ዝበሎም ከኣ፡ እዚ እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ዘዚግብኦም ምርቓ ሃቦም።+ 29  ድሕርዚ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኣነ ናብ ህዝበይ እእከብ ኣለኹ።*+ ምስ ኣቦታተይ ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ዘላ በዓቲ ቕበሩኒ።+ 30  ንሳ ኣብ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘላ በዓቲ እያ፣ እታ ኣብርሃም ካብ ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ኸም ርስቲ መቓብር ዝዓደጋ ግራት ድማ እያ። 31  ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ቐበርዎም።+ ንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፣+ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። 32  እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሔት እተዓደገት እያ።”+ 33  ያእቆብ ድማ ንደቁ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ወድአ። ድሕሪኡ፡ ኣእጋሩ ናብ ዓራት ኣከበ፡ ትንፋሱ ሓለፈት፡ ናብ ህዝቡ እውን ተኣከበ።*+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ዝንባለይ” ኪኸውን ይኽእል።
ትርጉሙ፡ “ዝናቱ፡” ማለት፡ እቲ ናቱ ዝዀነ።
ቃ.ቃ.፡ “ስቡሕ።”
ማለት፡ ዮሴፍ።
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።