ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 41:1-57

ትሕዝቶ

  • ዮሴፍ ሕልምታት ፈርኦን ፈትሐ (1-36)

  • ፈርኦን ንዮሴፍ ልዕል ኣበሎ (37-46ሀ)

  • ዮሴፍ ምግቢ ኣመሓደረ (46ለ-57)

41  ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ፈርኦን ሓለመ፣+ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ደው ኢሉ ነበረ።  ካብቲ ፈለግ ከኣ ሸውዓተ ጽቡቕ ዝትርኢተን ስቡሓት ኣሓ ወጺአን፡ ኣብቲ ሳዕሪ ኒል ይበልዓ ነበራ።+  ድሕሪአን ድማ ካልኦት ሸውዓተ ኽፉእ ዝትርኢተን ዓባሩ ኣሓ ወጺአን፡ ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ገምገም ኒል ዝነበራ ስቡሓት ኣሓ ደው በላ።  እተን ክፉእ ዝትርኢተን ዓባሩ ኣሓ ኸኣ ነተን ሸውዓተ ጽቡቕ ዝትርኢተን ስቡሓት ኣሓ በልዓአን። ሽዑ፡ ፈርኦን ተበራበረ።  ተመሊሱ ድማ ደቀሰ፡ ካልኣይ ሳዕ እውን ሓለመ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ምሉኣትን ጽቡቓትን ጉምቦ ሰዊት ነበራ።+  ድሕሪአን ድማ ሸውዓተ ቐጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን ጉምቦ ሰዊት ወጻ።  እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሰዊት ከኣ ነተን ሸውዓተ ምሉኣትን ጽቡቓትን ጉምቦ ሰዊት ወሓጣአን። ሽዑ፡ ፈርኦን ተበራበረ፡ ሕልሚ ምዃኑ እውን ፈለጠ።  ምስ ነግሀ ግና፡ መንፈሱ ተናወጸ። ሽዑ፡ ልኢኹ ንዅሎም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ግብጽን ንዅሎም ጥበበኛታታን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን ኪትርጕመሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።  ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ሎሚ ሓጢኣተይ ክናዘዝ። 10  ፈርኦን ብገላዉኡ ተቘጢዑ ነበረ። ንዓይን ንሓለቓ ሰንከትትን ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣእተወና።+ 11  ድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍና ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሓለምና፣ ኣነን ንሱን በበይኑ ዝትርጉሙ ሕልሚ ሓለምና።+ 12  ኣብኡ ድማ ሓደ እብራዊ ጐበዝ፡ ጊልያ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ምሳና ነበረ።+ ንዕኡ ምስ ነገርናዮ፡+ ሐሕልምና ተርጐመልና። 13  ልክዕ ከምቲ ዝተርጐመልና ኸኣ ኰነ። ኣነ ናብ ሽመተይ ተመለስኩ፡ እቲ ሓደ ግና ተሰቕለ።”+ 14  ሽዑ፡ ፈርኦን ንዮሴፍ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ* ቐልጢፎም ኬውጽእዎ ለኣኸሉ።+ ንሱ ኸኣ ተላጽዩ፡ ክዳኑ ለዊጡ ናብ ፈርኦን ከደ። 15  ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ሕልሚ ሓሊመ፣ ዚትርጕሞ ግና የልቦን። ሕልሚ ሰሚዕካ ኸም እትትርጕም ከኣ ብዛዕባኻ ኺዝረብ ሰሚዐ” በሎ።+ 16  ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን፡ “እዚ ኻባይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ደኣ ብዛዕባ ድሕንነት ፈርኦን ኪዛረብ ኢሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 17  ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ብሕልመይ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ደው ኢለ ነበርኩ። 18  ካብ ኒል ከኣ ሸውዓተ ጽቡቕ ዝትርኢተን ስቡሓት ኣሓ ወጺአን፡ ኣብቲ ሳዕሪ ኒል ይበልዓ ነበራ።+ 19  ድሕሪአን ድማ ካልኦት ሸውዓተ ዝማሰናን ክፉእ ዝትርኢተንን ዓባሩን ኣሓ ወጻ። ከማታተን ዝምኽፋአን ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ እኳ ኣይረኣኹን። 20  እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሸውዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ በልዓአን። 21  ምስ በልዓአን ግና፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣት ስለ ዝነበራ፡ ከምኡ ኸም ዝገበራ ኣይተፈልጠን። ሽዑ፡ ተበራበርኩ። 22  “ድሕርዚ፡ ብሕልመይ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ምሉኣትን ጽቡቓትን ጉምቦ ሰዊት ኪወጻ ረኣኹ።+ 23  ድሕሪአን ድማ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን ሸውዓተ ጉምቦ ሰዊት ወጻ። 24  እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሰዊት ከኣ ነተን ሸውዓተ ጽቡቓት ጉምቦ ሰዊት ወሓጣአን። እዚ ኸኣ ነቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ነገርክዎም፡+ ኪገልጸለይ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።”+ 25  ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን ከምዚ በሎ፦ “ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር ንፈርኦን ነጊርዎ ኣሎ።+ 26  እተን ሸውዓተ ጽቡቓት ኣሓ፡ ሸውዓተ ዓመት እየን። እተን ሸውዓተ ጽቡቓት ጉምቦ ሰዊት እውን፡ ሸውዓተ ዓመት እየን። እቲ ሕልሚ ሓደ እዩ። 27  እተን ድሕሪአን ዝወጻ ሸውዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ፡ ሸውዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸልን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን ሸውዓተ ጉምቦ ሰዊት እውን፡ ሸውዓተ ዓመት ኪዀና እየን። 28  እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩ፦ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር ንፈርኦን ኣርእይዎ ኣሎ። 29  “ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን ሸውዓተ ዓመት ኪመጻ እየን። 30  ብድሕሪአን ግና ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ብርግጽ ኪመጻ እየን፣ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ጽጋብ ድማ ብርግጽ ኪርሳዕ እዩ፡ እታ ምድሪ እውን ብጥሜት ክትውዳእ እያ።+ 31  እቲ ድሒሩ ዚመጽእ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዚብርትዕ፡ ካብኡ እተላዕለ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጽጋብ ኣይኪዝከርን እዩ። 32  ፈርኦን ነቲ ሕልሚ ኽልተ ሳዕ ምሕላሙ፡ እቲ ነገር በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝጸንዐ እዩ፣ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ። 33  “ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ። 34  ፈርኦን ከኣ ስጕምቲ ይውሰድ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ሓለፍቲ* ይሽም፣ በተን ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ድማ ካብ ፍርያት ግብጺ ሓምሻይ ኣፍ ይኣክብ።+ 35  ኣብተን ዚመጻ ሰናይ ዓመታት ከኣ፡ ኵሉ ምግቢ ይኣክቡ፣ ነቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደልብዎን ይሓልውዎን።+ 36  እታ ምድሪ ብጥሜት ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ እቲ ምግቢ ነቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጽእ ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ቀለብ ኪኸውን እዩ።”+ 37  ፈርኦንን ገላዉኡን ነዚ እማመ እዚ ጽቡቕ ኰይኑ ረኸብዎ። 38  ስለዚ፡ ፈርኦን ንገላዉኡ፡ “ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ኪርከብ ይከኣልዶ፧” በሎም። 39  ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ጥበበኛን የልቦን። 40  ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ክትከውን ኢኻ፣ ኵሉ ህዝበይ ድማ ፈጺሙ ኺእዘዘካ እዩ።+ ኣነ ንጉስ ብምዃነይ* ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ። 41  ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ፡ “ርአ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ እሸመካ ኣለኹ” በሎ።+ 42  ሽዑ፡ ፈርኦን ቀለቤት ማሕተሙ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ፡ ቅጭን በፍታ ድማ ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። 43  ኣብታ ኻልአይቲ ሰረገላ ኽብሪ ድማ ኣወጥሖ፣ ቀቅድሚኡ ኸኣ፡ “ኣብረኽ!”* ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ሸሞ። 44  ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ኣነ ፈርኦን እየ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ብዘይ ፍቓድካ ዋላ ሓደ ሰብ ሓንቲ እኳ ኣይግበር”* በሎ።+ 45  ድሕርዚ፡ ፈርኦን ንዮሴፍ፡ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኢሉ ስም ኣውጽኣሉ፣ ኣሰናት+ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን* ድማ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃቦ። ዮሴፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ሓላፊ ዀነ።*+ 46  ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኪቐውም ከሎ፡* ወዲ 30 ዓመት ነበረ።+ ሽዑ፡ ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ፡ ንዅላ ምድሪ ግብጺ ዞራ። 47  እታ ምድሪ ድማ፡ በተን ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ* ኣፍረየት። 48  ካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ኵሉ ምግቢ እተን ናይተን ሸውዓተ ዓመት ኣከበ፡ ነቲ ምግቢ እውን ኣብ ከተማታት ደለቦ። ኣብ ከከተማኡ ድማ ካብቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ግራውቲ ምግቢ ኣከበ። 49  ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ኺስፈር ዘይከኣል ብምንባሩ፡ ምስፋሩ ኽሳዕ ዚሓድግዎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ይድልብ ነበረ። 50  ዓመት ጥሜት ቅድሚ ምምጻኣ፡ ንዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ፣+ ንሳቶም ከኣ ኣሰናት ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን* ዝወለደትሉ እዮም። 51  ዮሴፍ ድማ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ሽግረይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ስሙ ምናሴ* ኣውጽኣሉ።+ 52  ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ “ኣምላኽ ኣብ ምድሪ መከራይ+ ኣፍርዩኒ” ኢሉ ስሙ ኤፍሬም* ኣውጽኣሉ።+ 53   እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሓለፋ።+ 54  ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ጀመራ።+ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ።+ 55  ኵላ ምድሪ ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዐ።+ ሽዑ፡ ፈርኦን ንዅሎም ግብጻውያን፡ “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” በሎም።+ 56  ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰይኑ ነበረ።+ እቲ ጥሜት ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ በርትዐ። ዮሴፍ ድማ ኵሉ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ማዕከናት እናኸፈተ፡ ንግብጻውያን ኪሸጠሎም ጀመረ።+ 57   እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኪሽምቱ ኢሎም ካብ ኵላ ምድሪ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መዕቘር ማይ፣ ጕድጓድ።”
ወይ፡ “ሓለውቲ።”
ወይ፡ “ብዝፋነይ።”
ክብሪ ኺውሃብ ንዚቐርብ ጻውዒት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ ወይ እግሩ ኣየልዕል።”
ማለት፡ ሄልዮጶሊስ።
ወይ፡ “ዞረ።”
ወይ፡ “ዮሴፍ ንፈርኦን ኬገልግሎ ኺጅምር ከሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕፍሶታት።”
ማለት፡ ሄልዮጶሊስ።
ትርጉሙ፡ “መረስዕ፣ ዜረስዕ።”
ትርጉሙ፡ “ዕጽፊ ፈራዪ።”