ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 39:1-23

ትሕዝቶ

  • ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር (1-6)

  • ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ኣበያ (7-20)

  • ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ (21-23)

39  ንዮሴፍ ከኣ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ፣+ ጶጢፋር ዚብሃል ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ፈርኦንን ሓለቓ ዘብዐኛታትን ዝነበረ ግብጻዊ+ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማኤላውያን+ ዓደጎ።  የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ።+ ስለዚ፡ ዕዮኡ ቐንዓሉ፣ ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ድማ ሓላፍነት ተዋህቦ።  ጐይታኡ ኸኣ፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ የሆዋ ኸም ዜቕንዓሉን ረኣየ።  ዮሴፍ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሞገስ ይረክብ ነበረ፣ ብሕታዊ ኣገልጋሊኡ እውን ኰነ። ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸኣ ሸሞ፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ሃቦ።  ኣብ ልዕሊ ቤቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘለዎን ካብ ዝሸሞ ግዜ ጀሚሩ፡ የሆዋ ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻ፣ ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት የሆዋ ነበረ።+  ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ፣ ብዘይካ እታ ዚበልዓ እንጌራ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓስብን ነበረ። ዮሴፍ ከኣ ጽቡቕ ዝቕርጹን መልክዐኛን ኰነ።  ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ሰበይቲ ጐይታኡ ንዮሴፍ ዓይና ኸተውድቐሉን “ምሳይ ደቅስ” ክትብሎን ጀመረት።  ንሱ ግና ኣበየ፣ ንሰበይቲ ጐይታኡ ድማ፡ “እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ።  ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚዓቢ የልቦን፣ ሰበይቱ ስለ ዝዀንኪ ድማ፡ ብዘይካኽስ ገለ እኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በላ።+ 10  መዓልቲ መዓልቲ ንዮሴፍ ትዛረቦ ነበረት፣ ንሱ ግና ምስኣ ኺድቅስ ወይ ምስኣ ኺጸንሕ ፍቓደኛ ኣይኰነን። 11  ግናኸ፡ ሓደ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ኣብታ ቤት ካብ ገላዉ እታ ቤት ዋላ ሓደ ኣይነበረን። 12  ሽዑ፡ ብኽዳኑ ኣጽኒዓ ሒዛ፡ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ፡ ናብ ግዳም ሃደመ። 13  ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ ናብ ግዳም ከም ዝሃደመ ምስ ረኣየት፡ 14  ኣእውያ ንሰብ ቤታ ጸዊዓ፡ “እንሆ፡ መስሓቕ ኪገብረናስ፡ ነዚ እብራዊ እዚ ኣምጺኡልና። ንሱ ድማ ምሳይ ኪድቅስ ናባይ መጸ፣ ኣነ ኸኣ ዓው ኢለ ኣእወኹ። 15  ድምጸይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእወኹ ምስ ሰምዐ፡ ክዳኑ ሓዲጉ ናብ ግዳም ሃዲሙ” በለቶም። 16  ጐይታኡ ናብ ቤቱ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ፡ ነቲ ኽዳኑ ምስኣ ኣንበረቶ። 17  ከምዚ ዘረባ እዚ ኢላ ኸኣ ነገረቶ፦ “እቲ ዘምጻእካልና እብራዊ ጊልያ፡ መስሓቕ ኪገብረኒ ናባይ መጺኡ። 18  ድምጸይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእወኹ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ ናብ ግዳም ሃዲሙ።” 19  ጐይታኡ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ “ጊልያኻ ኸምዚ ገይሩኒ” ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ፡ ቍጥዓኡ ነደደ። 20  ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ፡ ናብታ እቶም እሱራት ንጉስ ዚእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ፣ ኣብኣ ኸኣ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ነበረ።+ 21  የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፣ ብተኣማንነት ከኣ የፍቅሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ሞገስ ይህቦ ነበረ።+ 22  እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ንዮሴፍ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ዅሎም እሱራት ሸሞ፣ ኣብኡ ዚገብርዎ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ትሕቲኡ ይግበር ነበረ።+ 23  የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ዚገብሮ ዘበለ እውን የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ እሞ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ዝነበረ ብገለ እኳ ኣይሓልን ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ