ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 37:1-36

ትሕዝቶ

  • ሕልምታት ዮሴፍ (1-11)

  • ዮሴፍን ቀናኣት ኣሕዋቱን (12-24)

  • ዮሴፍ ናብ ባርነት ተሸጠ (25-36)

37  ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ጓና ዀይኑ ዚነብረላ ዝነበረ ምድሪ ከነኣን ተቐመጠ።+  ታሪኽ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍ+ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ምስ ኰነ፡ ምስ ደቂ ቢልሃን+ ደቂ ዚልጳን+ ኣንስቲ ኣቦኡ መጓሰ ይጓሲ ነበረ።+ ዮሴፍ ከኣ ብዛዕባኦም ክፉእ ወረ ንኣቦኦም የምጽኣሉ ነበረ።  እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ ኣብ እርጋኑ ስለ ዝወለዶ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ፣+ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ድማ ኣስርሓሉ።  እቶም ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ሓለፋ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸም ዚፈትዎ ምስ ረኣዩ፡ ኪጸልእዎ ጀመሩ፣ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን።  ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሓለመ፡ ንኣሕዋቱ ድማ ነገሮም፣+ ንሳቶም ከኣ ተወሳኺ መጽልኢ ረኸቡሉ።  ንሱ ድማ፡ “በጃኹም ዝሓለምክዎ ሕልሚ ስምዑ።  እንሆ፡ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ኽንኣስር ከለና፡ እንዳእተይ ተንሲኣ ትኽ በለት፣ እንዳእትታትኩም ከኣ ንእንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ” በሎም።+  ሽዑ፡ ኣሕዋቱ፡ “ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስን ክትገዝኣናን ኢኻ፧” በልዎ።+ ብምኽንያት ሕልምታቱን ዘረባኡን ከኣ፡ ካልእ መጽልኢ ረኸቡሉ።  ካልእ ሕልሚ ድማ ሓለመ፡ ንኣሕዋቱ ኸኣ፡ “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ። ጸሓይን ወርሕን 11 ኸዋኽብትን ይሰግዱለይ ነበሩ” ኢሉ ነገሮም።+ 10  ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ድማ ነገሮም፣ ኣቦኡ ኸኣ፡ “እዚ ዝሓለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፧ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ናብ ምድሪ ተደፊእና ኽንሰግደልካ ኢና፧” ኢሉ ገንሖ። 11  ኣሕዋቱ ኸኣ መሊሶም ቀንኡሉ፣+ ኣቦኡ ግና ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ የዋህልሎ ነበረ። 12  ኣሕዋቱ ድማ ንመጓሰ ኣቦኦም ኬብልዑ ናብ ጥቓ ሴኬም ከዱ።+ 13  ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ እስራኤል ንዮሴፍ፡ “ኣሕዋትካ ኣብ ጥቓ ሴኬም ይጓስዩዶ የለዉን፧ ንዓ፡ ናባታቶም ክሰድደካ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በሎ። 14  ንሱ ድማ፡ “በጃኻ ኼድካ ኣሕዋትካ ደሓን እንተ ኣለዉ ርአ። እተን መጓሰ ኸመይ ከም ዘለዋ ኸኣ ርአ፡ ደሃይ ድማ ሒዝካለይ ተመለስ” በሎ። ካብ ስንጭሮ* ኬብሮን ከኣ ለኣኾ፣+ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ገጹ ኸደ። 15  ኣብ መሮር ኰለል ኪብል ከሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “እንታይ ትደሊ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 16  ንሱ ድማ፡ “ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ። ኣበይ ይጓስዩ ኸም ዘለዉ እንዶ በጃኻ ንገረኒ፧” በለ። 17  እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “‘ናብ ዶታን ንኺድ’ ኪብሉ ሰሚዐዮም ነይረ እየ እሞ፡ ካብዝስ ከይዶም እዮም” በለ። ዮሴፍ ድማ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፡ ኣብ ዶታን ረኸቦም። 18  ንሳቶም ከኣ ካብ ርሑቕ ረኣይዎ፣ ኣባታቶም ከይበጽሐ ኸሎ ድማ፡ ኪቐትልዎ ተተናዀሉ። 19  ንሓድሕዶም ከኣ፡ “እቲ ሓላሚ እንሆ ይመጽእ ኣሎ።+ 20  ሕጂ ኸኣ ንዑ ንቕተሎ እሞ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ጕድጓድ ማይ ንደርብዮ፣ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ ድማ ንበል። ሽዑ፡ እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዚኸውን ክንርኢ ኢና” ተባሃሃሉ። 21  ሮቤል+ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ካብ ኢዶም ኬናግፎ ፈተነ። “ህይወቱ ኣይነጥፍእ”* ድማ በለ።+ 22  ሮቤል ከኣ፡ “ደም ኣይተፍስሱ።+ ኣብዚ በረኻ እዚ ኣብ ዘሎ ጕድጓድ ማይ ደርብይዎ እምበር፡ ኣይትጕድእዎ”* በሎም።+ ከመይሲ፡ ካብ ኢዶም ኣናጊፉ ናብ ኣቦኡ ኺመልሶ ኢሉ ነበረ። 23  ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ መጸ፡ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ቀንጠጥዎ።+ 24  ድሕሪኡ፡ ወሲዶም ናብ ጕድጓድ ማይ ደርበይዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ጕድጓድ ጥራዩ ነበረ፡ ማይ እውን ኣይነበሮን። 25  እንጌራ ኺበልዑ ድማ ተቐመጡ። ኣዒንቶም ምስ ኣልዓሉ፡ እስማኤላውያን+ ቃፍላይ ካብ ጊልዓድ ኪመጹ ረኣዩ። እተን ኣግማሎም ከኣ ምዑዝ ዕንዲዳን በለሳንን ዕንዲዳዊ ቕላጥን ተጻዒነን ነበራ፣+ ናብ ግብጺ ድማ ይወርዱ ነበሩ። 26  ይሁዳ ኸኣ ንኣሕዋቱ፡ “ንሓውና ቐቲልና ደሙ እንተ ሓቢእናስ፡ እንታይ ረብሓ ኽንረክብ ኢና፧+ 27  ንዑ ግዳ ናብዞም እስማኤላውያን ንሽጦ፣+ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፡ ኢድና ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” በሎም። ንሳቶም ድማ ንሓዎም ሰምዕዎ። 28  እቶም ሚድያናውያን+ ነጋዶ ኺሓልፉ ኸለዉ፡ ንዮሴፍ ካብቲ ጕድጓድ ማይ ኣውጺኦም፡ ብ20 ብሩር ንእስማኤላውያን ሸጥዎ።+ ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ። 29  ጸኒሑ፡ ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ማይ ምስ ተመልሰ እሞ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ማይ ከም ዘየሎ ምስ ረኣየ፡ ክዳኑ ቐደደ። 30  ናብ ኣሕዋቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ “እቲ ቘልዓ የሎን! ኣነ ደኣ እንታይ እየ ዝገብሮ፧” በለ። 31  ንሳቶም ከኣ ነቲ ወለል ዚብል ክዳን ዮሴፍ ወሲዶም፡ ወጠጦ ሓሪዶም ነቲ ኽዳን ኣብቲ ደም ኣጥለቕዎ። 32  ድሕሪኡ፡ ነቲ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ናብ ኣቦኦም ሰዲዶም፡ “እዚ ረኺብና። ክዳን ወድኻ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ እስከ መርምር” በልዎ።+ 33  ንሱ ምስ መርመሮ ኸኣ፡ “እዚ ኽዳን ወደይ እዩ! ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ ኪኸውን ኣለዎ! ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ!” በለ። 34  ሽዑ፡ ያእቆብ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ኣብ ሕቘኡ ማቕ ተዓጢቑ፡ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነ። 35  ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ይፍትኑ ነበሩ፣ ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ፡ “ብወደይ እናሓዘንኩ ናብ መቓብር* ክወርድ እየ!”+ ድማ ይብል ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ይበኽየሉ ነበረ። 36  እቶም ሚድያናውያን ድማ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ጶጢፋር እቲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ፈርኦንን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታትን+ ሸጥዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ነፍሱ ኣይንቕተል።”
ወይ፡ “ብኢድኩም ኣይትተንክይዎ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።