ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 36:1-43

ትሕዝቶ

  • ዘርኢ ኤሳው (1-30)

  • ነገስታትን ሹማምንትን ኤሳው (31-43)

36  ታሪኽ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡+ እዚ እዩ።  ኤሳው ካብ ኣዋልድ ከነኣን ኣንስቲ ኣእተወ፦ ዓዳ+ ጓል ኤሎን እቲ ሔታውን+ ኦሆሊባማ+ ጓል ዓና ጓል ወዱ ንጺብዖን እቲ ሔታውን  ባስማት+ ጓል እስማኤል ሓብቲ ነባዮትን።+  ዓዳ ኸኣ ንኤሳው፡ ኤሊፋዝ ወለደትሉ፣ ባስማት ድማ ንረዑኤል ወለደት።  ኦሆሊባማ ኸኣ ንየዑሽን ንያዕላምን ንቆራሕን ወለደት።+ እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ከነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም።  ድሕርዚ፡ ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኵለን ኣባላት* ቤተ ሰቡን መጓሰኡን ኵሉ ዝተረፈ እንስሳኡን ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘጥረዮ ዅሉ ሃብቱን ወሰደ፡+ ካብ ሓዉ ያእቆብ ርሒቑ ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ።+  ከመይሲ፡ ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም ኣመና በዚሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት መጓሰኦም እታ ዚቕመጡላ ዝነበሩ ምድሪ* ኽትጾሮም ኣይከኣለትን።  ስለዚ፡ ኤሳው ኣብ ኣኽራን ሰዒር ተቐመጠ።+ ኤሳው፡ ኤዶም እዩ።+  ታሪኽ ኤሳው ኣቦ ኤዶማውያን ኣብ ኣኽራን ሰዒር እዚ እዩ።+ 10  ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፦ ኤሊፋዝ ወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፣ ረዑኤል ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው።+ 11  ደቂ ኤሊፋዝ ከኣ፡ ቴማንን+ ኦማርን ጼፎን ጋዕታምን ቄናዝን እዮም።+ 12  ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ኰነት። ንሳ ኸኣ ንኤሊፋዝ፡ ኣማሌቅ ወለደትሉ።+ እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 13  ደቂ ረዑኤል እዚኣቶም እዮም፦ ናሓትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን። እዚኣቶም ደቂ ባስማት+ ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 14  ደቂ ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ወዱ ንጺብዖን ሰበይቲ ኤሳው፡ ንኤሳው ዝወለደትሉ እዚኣቶም እዮም፦ የዑሽን ያዕላምን ቆራሕን። 15  ሹማምንቲ* ደቂ ኤሳው እዚኣቶም እዮም፦+ ደቂ ኤሊፋዝ በዅሪ ኤሳው፦ ሹም ቴማን፡ ሹም ኦማር፡ ሹም ጼፎ፡ ሹም ቄናዝ፡+ 16  ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅ። እዚኣቶም ሹማምንቲ ኤሊፋዝ+ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም። 17  ደቂ ረዑኤል ወዲ ኤሳው እዚኣቶም እዮም፦ ሹም ናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምንቲ ረዑኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም+ እዮም። እዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 18  ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ሹም የዑሽ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ። እዚኣቶም ሹማምንቲ ኦሆሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 19  እዚኣቶም ደቂ ኤሳው እዮም፣ እዚኣቶም ከኣ ሹማምንቶም እዮም። ንሱ ኤዶም እዩ።+ 20  ደቂ ሰዒር እቲ ሖራዊ፡ ነበርቲ እታ ምድሪ እቲኣ እዚኣቶም እዮም፦+ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን+ 21  ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን።+ እዚኣቶም ሹማምንቲ ሖራውያን ደቂ ሰዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። 22  ደቂ ሎጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን እዮም፣ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ እያ።+ 23  ደቂ ሾባል እዚኣቶም እዮም፦ ዓልዋንን ማናሓትን ዔባልን ሸፎን ኦናምን። 24  ደቂ ጺብዖን እዚኣቶም እዮም፦+ ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጺብዖን ኣብ በረኻ ኺጓሲ ኸሎ፡ ዓይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ። 25  ደቂ ዓና እዚኣቶም እዮም፦ ዲሾንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን። 26  ደቂ ዲሾን እዚኣቶም እዮም፦ ሔምዳንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን።+ 27  ደቂ ኤጸር እዚኣቶም እዮም፦ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን። 28  ደቂ ዲሻን እዚኣቶም እዮም፦ ዑጽን ኣራንን።+ 29  ሹማምንቲ ሖራውያን እዚኣቶም እዮም፦ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና፡ 30  ሹም ዲሾን፡ ሹም ኤጸር፡ ሹም ዲሻን።+ እዚኣቶም ሹማምንቲ ሖራውያን በብሹማምንቶም ኣብ ምድሪ ሰዒር እዮም። 31  ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን* ንጉስ ከይነገሰ ኸሎ፡+ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም።+ 32  ቤላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፣ ስም ከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ነበረ። 33  ቤላዕ ምስ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 34  ዮባብ ምስ ሞተ፡ ሑሻም ካብ ምድሪ ቴማናውያን ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 35  ሑሻም ምስ ሞተ፡ እቲ ንሚድያናውያን+ ኣብ ምድሪ* ሞኣብ ዝሰዓረ ሃዳድ ወዲ በዳድ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ፣ ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ። 36  ሃዳድ ምስ ሞተ፡ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 37  ሳምላ ምስ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዘላ ረሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 38  ሻኡል ምስ ሞተ፡ በዓል-ሓናን ወዲ ዓኽቦር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 39  በዓል-ሓናን ወዲ ዓኽቦር ምስ ሞተ፡ ሃዳር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ኸኣ ጳዑ ነበረ፣ ስም ሰበይቱ ድማ ሜሄጣብኤል እዩ፣ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ። 40  ስማት ሹማምንቲ ኤሳው ከከም ዓሌቶም፡ ከከም ቦታኦም፡ በብስማቶም እዚ እዩ፦ ሹም ቲምናዕ፡ ሹም ዓልዋ፡ ሹም የቴት፡+ 41  ሹም ኦሆሊባማ፡ ሹም ኤላህ፡ ሹም ጲኖን፡ 42  ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡ 43  ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም ከከም ሰፈሮም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለዉ ሹማምንቲ ኤዶም እዮም።+ እዚ ኤሳው ኣቦ ኤዶም እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “እታ ስደተኛታት ኰይኖም ዚቕመጡላ ዝነበሩ ምድሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሸኻት።” ሸኽ፡ ሹም ነገድ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
ቃ.ቃ.፡ “መሮር።”