ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 35:1-29

ትሕዝቶ

  • ያእቆብ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሓቐ (1-4)

  • ያእቆብ ናብ ቤት-ኤል ተመልሰ (5-15)

  • ብንያም ተወልደ፣ ራሄል ሞተት (16-20)

  • ዓሰርተው ክልተ ኣወዳት እስራኤል (21-26)

  • ሞት ይስሃቅ (27-29)

35  ድሕርዚ፡ ኣምላኽ ንያእቆብ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ቤት-ኤል ደይብ፡+ ኣብኣ እውን ተቐመጥ፣ ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ሓውካ ኤሳው ክትሃድም ከለኻ+ እተራእየካ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር” በሎ።  ሽዑ፡ ያእቆብ ንቤተ ሰቡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፡ “ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡+ ጽረዩ፡ ክዳውንትኹም እውን ለውጡ፣  ንተንስእ፡ ናብ ቤት-ኤል ድማ ንደይብ። ኣብኣ ኸኣ ነቲ ብመዓልቲ ጭንቀይ ዝመለሰለይን ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ* ምሳይ ዝነበረን ናይ ሓቂ ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ” በሎም።+  ምሳታቶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብትን ድማ ንያእቆብ ሃብዎ፣ ያእቆብ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።*  ጕዕዞኦም ምስ ቀጸሉ ኸኣ፡ ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነበራ ኸተማታት ካብ ኣምላኽ ሽበራ ስለ ዝዀነ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጐጕዎምን።  ያእቆብ ምስ ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን እትርከብ ሉዝ፡+ ንሳ ድማ ቤት-ኤል፡ መጸ።  ኣብኣ ኸኣ መሰውኢ ሰርሐ፣ ካብ ሓዉ ኺሃድም ከሎ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ ድማ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኤል-ቤት-ኤል* ኢሉ ሰመያ።+  ዴቦራ፡+ መጕዚት ርብቃ፡ ኸኣ ሞተት፣ ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዚፍ ኦም ድማ ተቐብረት። ስለዚ ኸኣ፡ ኣሎን-ባኹት* ኢሉ ሰመዮ።  ያእቆብ ካብ ጳዳን-ኣራም ኪመጽእ ከሎ፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራእዮ፡ ባረኾ ኸኣ። 10  ኣምላኽ ድማ፡ “ስምካ ያእቆብ እዩ።+ ድሕሪ ደጊም ስምካ ያእቆብ ኣይኪብሃልን እዩ፣ የግዳስ፡ ስምካ እስራኤል ኪብሃል እዩ” በሎ።+ እስራኤል ኢሉ እውን ኪጽውዖ ጀመረ። 11  ኣምላኽ ከኣ ኣስዒቡ፡ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ።+ ፍረን ተባዛሕን። ኣህዛብን ጭፍራ ኣህዛብን ካባኻ ኺወጹ እዮም፣+ ነገስታት ከኣ ካባኻ ኺውለዱ* እዮም።+ 12  እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሃብክዎም ምድሪ፡ ንዓኻ ኽህበካ እየ፣ ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” በሎ።+ 13  ድሕርዚ፡ ኣምላኽ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ደየበ። 14  ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒ፡ ኣቘመ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ዘይቲ ኣፍሰሰ።+ 15  ያእቆብ ከኣ ነታ ኣምላኽ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ፡ ቤት-ኤል ኢሉ ይጽውዓ ነበረ።+ 16  ካብ ቤት-ኤል ድማ ተላዕሉ። ናብ ኤፍራታ ኺበጽሑ ገና ገለ ርሕቐት ተሪፍዎም ከሎ ኸኣ፡ ራሄል ሕርሲ ተታሕዘት፣ ሽዑ፡ ጻዕሪ ኣዝዩ በርትዓ። 17  ብሕርሲ ኽትጽዓር ከላ ግና፡ እታ መሕረሲት፡ “ሕጂ እውን ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ” በለታ።+ 18  ክትመውት ኢላ፡ ህይወታ ኽትሓልፍ ከላ፡* ቤን-ኦኒ* ኢላ ሰመየቶ፣ ኣቦኡ ግና ብንያም* ኢሉ ሰመዮ።+ 19  ራሄል ከኣ ሞተት፣ ኣብ መገዲ ኤፍራታ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ልሄም፡ ድማ ተቐብረት።+ 20  ሽዑ፡ ያእቆብ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ኣቘመ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ፡ ንሱ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ። 21  ድሕርዚ፡ እስራኤል ካብኡ ተላዒሉ ድንኳኑ ኽንየው ግምቢ ዔደር ተኸለ። 22  እስራኤል ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ፣ እስራኤል ከኣ ሰምዐ።+ ኣወዳት ያእቆብ ድማ 12 ነበሩ። 23  ደቂ ልያ፡ እቲ በዅሪ ያእቆብ ዝዀነ ሮቤልን+ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን ነበሩ። 24  ደቂ ራሄል፡ ዮሴፍን ብንያምን ነበሩ። 25  ደቂ ቢልሃ ገረድ ራሄል፡ ዳንን ንፍታሌምን ነበሩ። 26  ደቂ ዚልጳ ገረድ ልያ ኸኣ፡ ጋድን ኣሴርን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ጳዳን-ኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም። 27  ያእቆብ ድማ ናብታ ኣቦኡ ይስሃቅ ዝነበረላ መምሬ፡+ ናብ ቂርያት-ኣርባዕ፡ መጸ፣ ንሳ ኸኣ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ጓኖት ኰይኖም እተቐመጡላ+ ኬብሮን እያ። 28  ይስሃቅ ድማ 180 ዓመት ነበረ።+ 29  ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ሓለፈት እሞ ሞተ፡ ኣሪጉን ዕድመ* ጸጊቡን ከኣ ናብ ህዝቡ ተኣከበ፣* ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ድማ ቀበርዎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ዝኸድክዎ መገዲ።”
ወይ፡ “ሓብኦ።”
ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ቤት-ኤል።”
ትርጉሙ፡ “ገዚፍ ኦም ብኽያት።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ሕቘኻ ኺወጹ።”
ወይ፡ “ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ።”
ትርጉሙ፡ “ወዲ ሓዘነይ።”
ትርጉሙ፡ “ወዲ የማነይቲ ኢድ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።