ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 33:1-20

ትሕዝቶ

  • ያእቆብ ምስ ኤሳው ተራኸበ (1-16)

  • ያእቆብ ናብ ሴኬም ዝገበሮ ጕዕዞ (17-20)

33  ያእቆብ ከኣ ኣዒንቱ ኣልዓለ፣ ኤሳው ምስ 400 ሰብኡት ኪመጽእ ድማ ረኣየ።+ ስለዚ፡ ነቶም ደቂ ኣብ መንጎ ልያን ራሄልን እተን ክልተ ኣግራድን መቓቐሎም።+  ነተን ኣግራድን ንደቀንን ቅድሚት፡+ ንልያን ንደቃን ድማ ደድሕሪኦም፡+ ንራሄልን+ ንዮሴፍን ከኣ ድሕሪኦም ገበሮም።  ንሱ ድማ ቅድሚኦም ሓሊፉ፡ ናብ ሓዉ ኽሳዕ ዚበጽሕ ሸውዓተ ሳዕ ናብ ምድሪ ሰገደ።  ኤሳው ከኣ ኪቕበሎ ጐየየ፡ ሓቚፉ እውን ሰዓሞ፣ በኸዩ ድማ።  ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረኣየ፡ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም፧” በለ። ንሱ ድማ፡ “ኣምላኽ ንጊልያኻ ዝጸገዎ ደቂ እዮም” በለ።+  ሽዑ፡ እተን ኣግራድ ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳ፣  ልያ እውን ምስ ደቃ ቐረበት፡ ሰገዱ ኸኣ። ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ምስ ራሄል ቀረበ፡ ሰገዱ ድማ።+  ኤሳው ከኣ፡ “እዚ ዅሉ ዘጓነፈኒ ሰፈር ተጓዓዝቲ ደኣኸ ንምንታይ እዩ፧” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰ።+  ኤሳው ከኣ፡ “ሓወየ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጥሪት ኣሎኒ።+ ናትካስ ንዓኻ ደኣ ይኹን” በለ። 10  ያእቆብ ግና፡ “ኣይፋልካን። ገጽካ ምእንቲ ኽርኢ ስለ ዘምጻእክዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ህያበይ ካብ ኢደይ ተቐበል። ባህ ኢሉካ ኻብ ተቐበልካንስ፡ ንገጽካ ገጽ ኣምላኽ ከም ምርኣይ ርእየዮ እየ።+ 11  ኣምላኽ ጸግዩኒ እዩ፡ ዜድልየኒ ዘበለ ዅሉ እውን ኣሎኒ እሞ፡+ በጃኻ ነቲ ዝሰደድኩልካ ገጸ በረኸተይ ውሰዶ” በለ።+ ግዲ እውን በሎ፡ ንሱ ኸኣ ወሰዶ። 12  ጸኒሑ፡ ኤሳው፡ “ንንቀል እሞ ንኺድ፣ ኣነ ድማ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እየ” በለ። 13  ንሱ ግና፡ “እዞም ቈልዑ ተነቀፍቲ ምዃኖም፡+ ዜጥብዋ ኣባጊዕን ኣሓን ከኣ ከም ዘለዋኒ፡ ጐይታይ ይፈልጥ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ እምብዛ እንተ ሃዊኾምወን፡ ኵለን መጓሰ ይሞታ። 14  ጐይታይሲ፡ ቀቅድሚ ጊልያኡ ደኣ ይሕለፍ፣ ኣነ ድማ ናብ ጐይታይ ኣብ ሰዒር ክሳዕ ዝበጽሕ፡+ ከም ስጕምቲ እተን ማለይን ከም ስጕምቲ እቶም ቈልዑን ገይረ ቐስ እናበልኩ ኽመጽእ እየ” በሎ። 15  ኤሳው ከኣ፡ “እሞ ኻብዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባት ክሓድገልካ” በለ። ንሱ ግና፡ “እዚኸ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ጐይታይ ደኣ ሞገስ እርከብ” በለ። 16  ስለዚ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኤሳው ናብ ሰዒር ኣቢሉ ተመልሰ። 17  ያእቆብ ድማ ናብ ሱኮት+ ተጓዕዘ፣ ንዕኡ ኸኣ ቤት ሃነጸ፡ ንመጓሰኡ እውን ዳሳት ሰርሐ። ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ሱኮት* ኢሉ ሰመያ። 18  ያእቆብ ካብ ጳዳን-ኣራም+ ተጓዒዙ፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ዘላ ኸተማ ሴኬም+ ብደሓን በጽሐ፣ ኣብ መንጽር እታ ኸተማ ኸኣ ሰፈረ። 19  እታ ድንኳኑ ዝተኸለላ ኽፋል ግራት ድማ፡ ካብ ደቂ ሓሞር፡ ኣቦ ሴኬም፡ ብ100 ቀሲጣ* ዓደጋ።+ 20  ድሕርዚ፡ ኣብኣ መሰውኢ ኣቘመ እሞ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል ኢሉ ሰመዮ።+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ዳሳት፣ መጽለሊ።”
ዓይነት ገንዘብ።