ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 27:1-46

ትሕዝቶ

  • ያእቆብ ምርቓ ይስሃቅ ረኸበ (1-29)

  • ኤሳው ዘይተነስሐ ኽነሱ፡ ኪምረቕ ደለየ (30-40)

  • ኤሳው ንያእቆብ ጸልኦ (41-46)

27  ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ምርኣይ ክሳዕ ዚስእና ምስ ደኸማ፡ ንኤሳው እቲ ዓብዪ ወዱ ጸዊዑ፡+ “ወደየ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ።  ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ኣሪገ እየ። መዓልቲ ሞተይ ከኣ ኣይፈልጥን እየ።  ሕጂ ድማ በጃኻ ኣጽዋርካ፡ ማለት ጕልድባኻን ቀስትኻን፡ ውሰድ እሞ፡ ንመሮር ወፊርካ፡ ሃዲንካ ኣምጽኣለይ።+  ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኸኣ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ። ሽዑ፡ ቅድሚ ሙማተይ ምእንቲ ኽምርቐካስ፡* ክበልዖ እየ” በለ።  ርብቃ ግና ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ትሰምዖ ነበረት። ኤሳው ድማ ሃዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ።+  ርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ፡+ “ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ከምዚ ኢሉ ኺዛረቦ ሰሚዐ፦  ‘ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ። ኣነ ድማ ቅድሚ ሞተይ፡ በሊዐ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽምርቐካ እየ።’+  ሕጂ ኸኣ ወደየ፡ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ከምቲ ዝእዝዘካ ድማ ግበር።+  በጃኻ ናብተን መጓሰ ኼድካ፡ ካብአን ክልተ ብሉጻት መሓስእ ኣምጽኣለይ፣ ኣነ ኸኣ ንዓታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ እየ። 10  ሽዑ፡ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ናብ ኣቦኻ ትወስዶ” በለቶ። 11  ያእቆብ ድማ ንኣዲኡ ርብቃ፡ “ሓወይ ኤሳው ግና ጸጓር ሰብኣይ እዩ፣+ ኣነ ኸኣ ልሙጽ ሰብኣይ እየ። 12  ኣቦይ እንተ ዳህሰሰኒኸ፧+ ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብርግጽ መላገጺ ክኸውን እየ፣ ኣብ ልዕለይ ከኣ ኣብ ክንዲ ምርቓስ፡ መርገም ከምጽእ እየ” በላ። 13  ኣዲኡ ድማ፡ “ወደየ፡ እቲ ንዓኻ እተባህለ መርገምሲ ኣባይ ይብጻሕ። ከምቲ ዝበልኩኻ ግዳ ግበር፡ ኬድካ ኸኣ ኣምጽኣለይ” በለቶ።+ 14  ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ንኣዲኡ እውን ኣምጽኣላ፣ ኣዲኡ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ሰርሐት። 15  ድሕርዚ፡ ርብቃ ነቲ ኣብ ቤት ዝነበረ ብሉጽ ክዳውንቲ ኤሳው እቲ ዓብዪ ወዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዳ+ ኸደነቶ። 16  ኣብ ኣእዳዉን ኣብቲ ጸጕሪ ዘይብሉ ኽፋል ክሳዱን ከኣ፡ ቈርበት እተን መሓስእ ገበረትሉ።+ 17  ሽዑ፡ ነቲ ዝሰርሓቶ ጥዑም ብልዕን እንጌራን ንወዳ ያእቆብ ሃበቶ።+ 18  ንሱ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ፡ “ኣቦየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ። ወደይ ንስኻ መን ኢኻ፧” በለ። 19  ያእቆብ ከኣ ንኣቦኡ፡ “ኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ።+ ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣለኹ። በጃኻ ቕንዕ ኢልካ ኾፍ በል እሞ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡* ካብዚ ሃዲነ ዘምጻእክዎ ብላዕ” በሎ።+ 20  ይስሃቅ ድማ ንወዱ፡ “ወደየ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኺብካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘጓነፈለይ እዩ” ኢሉ መለሰ። 21  ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ፡ “ወደየ፡ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ በጃኻ ኽድህስሰካ ቕረብ” በሎ።+ 22  ያእቆብ ከኣ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ቀረበ፣ ንሱ ኸኣ ዳህሰሶ እሞ፡ “ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፣ ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው እየን” በለ።+ 23  ኣእዳዉ ኸም ኣእዳው ሓዉ ኤሳው ጸጓራት ኰይነን ስለ ዝነበራ፡ ኣየለለዮን። ስለዚ፡ መረቖ።+ 24  ድሕሪኡ፡ “ብሓቂዶ ወደይ ኤሳው ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ፡ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። 25  ንሱ ድማ፡ “ወደየ፡ ካብቲ ሃድን ክበልዕሲ ኣቕርበለይ፣ ድሕሪኡ፡ ክምርቐካ እየ”* በለ። ምስ ኣቕረበሉ፡ ንሱ በልዐ፣ ወይኒ እውን ኣቕረበሉ፡ ንሱ ድማ ሰተየ። 26  ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ “ወደየ፡ በጃኻ ቐሪብካ ስዓመኒ” በሎ።+ 27  ቀሪቡ ድማ ሰዓሞ፣ ንሱ ድማ ጨና ኽዳውንቱ ኣጫነወ።+ ሽዑ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦ “እንሆ፡ ጨና ወደይ ከም ጨና እቲ የሆዋ ዝባረኾ መሮር እዩ። 28  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ኣውሊ ሰማያትን+ ፍርያም ሓመድ ምድርን+ ኣኺሉ ዚተርፍ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ይሃብካ።+ 29  ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ኣህዛብ ድማ ይስገዱልካ። ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ እውን ይስገዱልካ።+ ዚረግመካ ርጉም፡ ዚምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን።”+ 30  ይስሃቅ ንያእቆብ መሪቑ ምስ ወድአ፡ ያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ውጽእ ምስ በለ፡ ሓዉ ኤሳው ካብ ሃድን ተመልሰ።+ 31  ንሱ እውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦ። ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡* ኣቦይ ተንሲኡ ኻብ ሃድን ወዱ ይብላዕ” በሎ። 32  ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ”+ በለ። 33  ሽዑ፡ ይስሃቅ ራዕራዕ በለ፡ “እቲ ሃዲኑ ዘምጽኣለይ ደኣ መን እዩ፧ ቅድሚ ምምጻእካ ድማ ኣነ በሊዐ መሪቐዮ እየ፣ ብርግጽ ድማ ምሩቕ ኪኸውን እዩ” ኸኣ በለ። 34  ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ዓው ኢሉ ኣምሪሩ ገዓረ፣ ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ኣቦየ፡ ንዓይ እውን መርቐኒ” በሎ።+ 35  ንሱ ግና፡ “እቲ ንዓኻ እተባህለ ምርቓስ፡ ሓውካ ኣታሊሉ ወሲድዎ” በሎ። 36  ንሱ ኸኣ፡ “ክልተ ሳዕ ቦታይ ኪወስድሲ፡ ስሙዶ ግዳ ያእቆብ* ኣይተባህለን፧+ ድሮ ብዅርናይ ወሲዱ እዩ፣+ ሕጂ ኸኣ ምርቓይ ወሲዱ!”+ በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንዓይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን፧” በለ። 37  ይስሃቅ ግና ንኤሳው፡ “እንሆ፡ ጐይታኻ ገይረዮ፡+ ኵሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ገላዉኡ ገይረ ሂበዮ፡ ብእኽልን ብጕዕሽ ወይንን ከኣ ኣጸግየዮ እየ።+ ወደየ፡ ንዓኻ ዝገብረልካ ደኣ እንታይ ዝተረፈ ኣልዩ፧” ኢሉ መለሰሉ። 38  ኤሳው ድማ ንኣቦኡ፡ “ኣቦየ፡ ሓንቲ ምርቓ ጥራይ ድያ ዘላትካ፧ ኣቦየ፡ ንዓይ እውን መርቐኒ” በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ።+ 39  ኣቦኡ ይስሃቅ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እንሆ፡ ምቕማጥካ ኻብ ፍርያም ሓመድ ምድሪ ዝረሓቐ ኪኸውን፡ ካብ ኣውሊ ናይ ላዕሊ ሰማያት እውን ዝረሓቐ ኪኸውን እዩ።+ 40  ብሰይፍኻ ኽትነብር ኢኻ፣+ ንሓውካ ድማ ክትግዝኦ ኢኻ።+ ዕረፍቲ ምስ ሰኣንካ ግና፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ።”+ 41  ኤሳው ግና ብምኽንያት እቲ ኣቦኡ ዝመረቖ ምርቓ፡ ንያእቆብ ጸልኦ።+ ኤሳው ከኣ ብልቡ፡ “ንኣቦይ እንሓዝነሉ መዓልትታት ይቐርባ ኣለዋ።+ ሽዑ፡ ንሓወይ ያእቆብ ክቐትሎ እየ” በለ። 42  ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዪ ወዳ ምስ ተነግራ፡ ብኡብኡ ንያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዳ ጸዊዓ፡ “እንሆ፡ ሓውካ ኤሳው ሕነ ኺፈዲ ኢሉ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ።* 43  ሕጂ ኸኣ ወደየ፡ ከምዚ ዝብለካ ግበር፣ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን፡ ናብ ካራን ህደም።+ 44  ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚሃድእ፡ ንግዜኡ ምስኡ ተቐመጥ። 45  ቍጥዓ ሓውካ ኽሳዕ ዚዝሕል፡ እቲ ዝገበርካዮ ድማ ክሳዕ ዚርስዖ ምስኡ ጽናሕ። ሽዑ፡ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጽኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም፧” በለቶ። 46  ድሕርዚ፡ ርብቃ ንይስሃቅ፡ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት፡ ንህይወተይ ፈንፊነያ እየ።+ ያእቆብ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ከምዘን ኣዋልድ እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ህይወት እንታይ ትዓብሰለይ፧” ትብሎ ነበረት።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ክትምርቐካ እያ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ።”
ትርጉሙ፡ “ተሓዝ ሸዀና፣ ወሳድ ቦታ።”
ወይ፡ “ንዓኻ ቐቲሉ ኺጸናናዕ ይደሊ ኣሎ።”