ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 25:1-34

ትሕዝቶ

  • ኣብርሃም ከም ብሓድሽ ተመርዓወ (1-6)

  • ሞት ኣብርሃም (7-11)

  • ደቂ እስማኤል (12-18)

  • ያእቆብን ኤሳውን ተወልዱ (19-26)

  • ኤሳው ብዅርናኡ ሸጠ (27-34)

25  ኣብርሃም ድማ ከም ብሓድሽ ቄጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ።  ንሳ ኸኣ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንሜዳንን ንሚድያንን+ ንይሽባቅን ንሹኣሕን+ ወለደትሉ።  ዮቅሻን ድማ ንሳባን ንዴዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሹሪምን ለጡሺምን ለኡሚምን እዮም።  ደቂ ሚድያን ድማ ዔፋን ዔፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ቄጡራ እዮም።  ኣብርሃም ከኣ ዘለዎ ዅሉ ንይስሃቅ ሃቦ፣+  ኣብርሃም ግና ነቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ እተወልዱ ደቁ ህያባት ሂቡ፡ ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ካብ ይስሃቅ ወዱ ኣርሒቑ+ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም።  ዓመታት ህይወት ኣብርሃም፡ 175 ዓመት እዩ።  ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርጋን ኣሪጉ፡ ዕድመ ጸጊቡ፡ ትንፋሱ ሓለፈት፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ።*  ደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ወዲ ጾሓር እቲ ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማክጴላ ቐበርዎ፣+ 10  ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት ዝዓደጋ ግራት ቀበርዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብርሃም ምስ ሰበይቱ ሳራ ተቐብረ።+ 11  ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ንወዱ ይስሃቅ ባረኾ፣+ ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጥቓ ብኤር-ለሓይ-ሮይ+ ይቕመጥ ነበረ። 12  ታሪኽ እስማኤል+ ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር+ እታ ግብጻዊት ገረድ ሳራ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ እዚ እዩ። 13  ስማት ደቂ እስማኤል በብስሞም፡ ከከም ትውልዶም እዚ እዩ፦ በዅሪ እስማኤል ነባዮት፡+ ደሓር ቄዳርን+ ኣድብኤልን ሚብሳምን+ 14  ሚሽማዕን ዱማን ማሳን 15  ሃዳድን ቴማን የጡርን ናፊሽን ቄድማን። 16  እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም፣ ስማቶም በብዓዶምን በብሰፈሮምን* እዚ እዩ፦ በብእንዳኦም 12 ሹም።+ 17  ዓመታት ህይወት እስማኤል ድማ 137 ዓመት ኰነ። ትንፋሱ ኸኣ ሓለፈት እሞ ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ድማ ተኣከበ።* 18  ካብታ ጥቓ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር+ እትርከብ ሓዊላ+ ኽሳብ ኣሶር ይቕመጡ ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ድማ ሰፈረ።*+ 19  ታሪኽ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ከኣ እዚ እዩ።+ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ። 20  ይስሃቅ ድማ ንርብቃ ጓል ቤቱኤል+ እቲ ኣራማዊ ብዓል ጳዳን-ኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ኣራማዊ ኺምርዓዋ ኸሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 21  ንሳ መኻን ስለ ዝነበረት፡ ይስሃቅ ብዛዕባ ሰበይቱ ንየሆዋ ለመኖ፣ የሆዋ ኸኣ ንልማኖኡ መለሰሉ፡ ሰበይቱ ርብቃ እውን ጠነሰት። 22  እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ደቃ ኸኣ ይቃለሱ ነበሩ እሞ፡+ “ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ እየ ዝነብር፧” በለት። ንየሆዋ ድማ ሓተተቶ። 23  የሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ ኣለዉ፣+ ካብ ከርስኺ እውን ክልተ ህዝቢ ኺፈላለዩ እዮም።+ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልእ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ፣+ እቲ ዓብዪ ድማ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ”+ በላ። 24  እትወልደሉ እዋን ምስ ኣኸለ፡ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። 25  ሽዑ፡ እቲ ቐዳማይ ዝወጸ ዅለንትናኡ ጸጕሪ ባርኖስ ዚመስል ቀይሕ ነበረ፣+ ኤሳው* ኢሎም ድማ ሰመይዎ።+ 26  ድሕሪኡ፡ ሓዉ ወጸ፡ ኢዱ ኸኣ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት፣+ ያእቆብ* ኢሉ ድማ ሰመዮ።+ ንሳ ኽትወልዶም ከላ፡ ይስሃቅ ወዲ 60 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 27  እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ፣ ኤሳው ከኣ ክኢላ ሃዳኒ፡+ ናይ መሮር ሰብ ኰነ። ያእቆብ ግና ኣብ ድንኳናት ዚቕመጥ መንቅብ ዘይብሉ ሰብኣይ ነበረ።+ 28  ይስሃቅ ከኣ ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ሃሃዲኑ የብልዖ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈትዎ ነበረት።+ 29  ሓደ ግዜ፡ ያእቆብ ጸብሒ ኺሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ተመልሰ። 30  ሽዑ፡ ኤሳው ንያእቆብ፡ “ደኺመ* እየ እሞ፡ በጃኻ ቐልጥፍ፡ ካብቲ ቐይሕ ጸብሒ* ሒደት ሃበኒ”* በሎ። ስለዚ፡ ስሙ ኤዶም* ተባህለ።+ 31  ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።+ 32  ኤሳው ድማ፡ “እንሆ፡ ክመውት ኢለ ኣለኹ። ብዅርናኸ እንታይ ኪዓብሰለይ እዩ፧” በለ። 33  ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ምሓለለይ” በሎ። ንሱ ድማ መሓለሉ፡ ብዅርናኡ እውን ንያእቆብ ሸጠሉ።+ 34  ሽዑ፡ ያእቆብ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ሃቦ፣ ንሱ ድማ በልዐን ሰተየን። ተንሲኡ ኸኣ ከደ። በዚ ኸምዚ፡ ኤሳው ንብዅርናኡ ነዓቓ።

እግረ ጽሑፍ

እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።
ወይ፡ “በብእተዃነየ ሰፈሮምን።”
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።
ወይ፡ “ምስ ኵሎም ኣሕዋቱ ድማ ተጻሊኡ ይነብር ነበረ” ኪኸውን ይኽእል።
ትርጉሙ፡ “ጸጓር።”
ትርጉሙ፡ “ተሓዝ ሸዀና፣ ወሳድ ቦታ።”
ወይ፡ “ጥሜት ተወዲአ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብቲ ቐይሕ፡ ካብቲ ቐይሕ።”
ወይ፡ “ኣዀልሰኒ።”
ትርጉሙ፡ “ቀይሕ።”