ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 22:1-24

ትሕዝቶ

  • ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውኦ ተነግሮ (1-19)

    • ብዘርኢ ኣብርሃም ዚርከብ በረኸት (15-18)

  • ቤተ ሰብ ርብቃ (20-24)

22  ድሕርዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኣብርሃም ፈተኖ፣+ “ኣብርሃም” ከኣ በሎ፣ ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ።  ሽዑ፡ “በጃኻ ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ+ ውሰድ እሞ፡+ ናብ ምድሪ ሞርያ+ ተጐዓዝ፣ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝብለካ ኣኽራን ዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ ሰውኣዮ” በሎ።  ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ኣድጉ ጽዒኑ ኸኣ፡ ክልተ ገላዉኡ ምስኡን ምስ ወዱ ይስሃቅን ወሰደ። ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕንጨይቲ ፈሊጹ ኸኣ፡ ተንሲኡ ናብታ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝበሎ ቦታ ተጓዕዘ።  ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብርሃም ኣዒንቱ ኣልዒሉ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረኣያ።  ኣብርሃም ድማ ንገላዉኡ፡ “ምስዚ ኣድጊ፡ ኣብዚ ጽንሑ፣ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኣምሊኽና ናባኻትኩም ክንምለስ ኢና” በሎም።  ኣብርሃም ድማ ነቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕንጨይቲ ወሲዱ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ። ሓውን ካራን ከኣ ብኣእዳዉ ወሰደ፣ ክልቲኦም ድማ ብሓባር ከዱ።  ይስሃቅ ከኣ ንኣቦኡ ኣብርሃም፡ “ኣቦየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ፡ ወደየ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ሓውን ዕንጨይትንሲ ኣሎ፣ እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” በለ።  ኣብርሃም ድማ፡ “ወደየ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕ+ ኬቕርብ እዩ” በለ። ክልቲኦም ከኣ ብሓባር ከዱ።  ናብታ ኣምላኽ ዝበሎ ቦታ ኸኣ በጽሑ፣ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፡ ነቲ ዕንጨይቲ እውን ኣብኡ ጸፍጸፎ። ንወዱ ይስሃቅ ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ኸኣ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይቲ በጥ ኣበሎ።+ 10  ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኻራ ወሰደ።+ 11  መልኣኽ የሆዋ ግና ካብ ሰማያት ጸዊዑ፡ “ኣብርሃም፡ ኣብርሃም” በሎ፣ ንሱ እውን፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ። 12  ንሱ ኸኣ፡ “ሓደ ውሉድካ እኳ ስለ ዘይከላእካኒ፡ ንኣምላኽ ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፡+ ነቲ ወዲ ኣይትጕድኣዮ፡ ገለ እውን ኣይትግበሮ” በለ። 13  ኣብርሃም ድማ ኣዒንቱ ኣልዓለ፣ ክንዮኡ ኸኣ ኣቕርንቱ ኣብ ጣሻ ተጠናኒጉ እተታሕዘ ድዑል ረኣየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። 14  ኣብርሃም ከኣ ነታ ቦታ እቲኣ፡ የሆዋ-ይርኤ* ኢሉ ሰመያ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኽሳዕ ሎሚ፡ “ኣብ ከረን የሆዋ ይቕረብ እዩ” ዚብሃል።+ 15  መልኣኽ የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማያት ንኣብርሃም ጸውዖ፡ 16  ከምዚ እውን በሎ፦ “‘ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፡’ ይብል የሆዋ፡+ ‘እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበርካን ነቲ ሓደ ወድኻ ስለ ዘይከላእካንን፡+ 17  ብርግጽ ክባርኸካ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያትን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻን ብርግጽ ከብዝሖ እየ፣+ ዘርእኻ ኣፍ ደገ* ጸላእቱ ኺርስተ እዩ።+ 18  ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ+ በረኸት ኪረኽቡ* እዮም።’”+ 19  ድሕሪኡ፡ ኣብርሃም ናብ ገላዉኡ ተመልሰ፣ ተንሲኦም ከኣ ብሓባር ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ፣+ ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠ። 20  ድሕርዚ፡ ንኣብርሃም፡ “እንሆ፡ ሚልካ ንሓውካ ናሆር ደቂ ወሊዳትሉ፣+ 21  ንሳቶም ድማ፡ ዑጽ እቲ በዅሩን ሓዉ ቡዝን ቄሙኤል ኣቦ ኣራምን 22  ከሰድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን+ እዮም” ተባሂሉ ተነግሮ። 23  ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ።+ እዚኣቶም ሸሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር ሓው ኣብርሃም ወለደትሉ። 24  ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ እውን፡ ደቂ ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ ጤባሕን ጋሓምን ታሓሽን ማዓካን እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “የሆዋ የቕርብ እዩ፣ የሆዋ ይሓልዮ እዩ።”
ወይ፡ “ኸተማታት።”
ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።