ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 16:1-16

ትሕዝቶ

  • ኣጋርን እስማኤልን (1-16)

16  ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ፡ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት፣+ ኣጋር ዝስማ ግብጻዊት ገረድ ድማ ነበረታ።+  ስለዚ፡ ሳራይ ንኣብራም፡ “በጃኻ ስምዓኒ! ከይወልድ የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ። በጃኻ ናብ ገረደይ እቶ። ምናልባት ብእኣ ውሉዳት እረክብ እኸውን” በለቶ።+ ኣብራም ድማ፡ ቃል ሳራይ ሰምዐ።  ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ንኣጋር እታ ግብጻዊት ገረዳ ወሲዳ፡ ንሰብኣያ ኣብራም፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ።  ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት፡ ንእመቤታ ነዓቐታ።  ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ “እዚ ኣባይ እተገብረ ዓገብ፡ ናትካ ጌጋ እዩ። ኣነ እየ ንገረደይ ኣብ ሕቝፍኻ ዝሃብኩኻ፣ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ከኣ ንዒቓትኒ። የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ።  ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ “እንሆ፡ ገረድኪ ኣብ ኢድኪ እያ። ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኪ ግበርያ” በላ። ሽዑ፡ ሳራይ ኣዋረደታ፣ ንሳ እውን ካብኣ ሃደመት።  መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ዓይኒ ማይ፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ መገዲ ሹር ዘላ ዓይኒ ማይ ረኸባ።+  “ኣጋር ገረድ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፧ ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ፧” ድማ በላ። ንሳ ኸኣ፡ “ካብ እመቤተይ ሳራይ እሃድም ኣለኹ” በለት።  መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ኸኣ ትሕት በሊ” በላ። 10  መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝየ ኸብዝሖ እየ” በላ።+ 11  ብተወሳኺ እውን፡ መልኣኽ የሆዋ፡ “እንሆ ጥንስቲ ኢኺ፣ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ የሆዋ ጸበባኺ ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ስሙ እስማኤል* ኣውጽእሉ። 12  ንሱ ኸም ኣድጊ በረኻ* ዝበለ ሰብ ኪኸውን እዩ። ኢዱ ኣንጻር ኵሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ኣንጻሩ ኽትከውን እያ፣ ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ* ኸኣ ኪቕመጥ እዩ” በላ። 13  ንሳ ድማ፡ “ነቲ ዚርእየንስ ብሓቂዶ ኣብዚ ርእየዮ እየ፧” ኢላ፡ ስም እቲ ዚዛረባ ዝነበረ የሆዋ ጸዊዓ፡ “ኣታ ዚርኢ* ኣምላኽ”+ በለት። 14  ስለዚ ኸኣ እያ እታ ዒላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ* እተባህለት። (ንሳ ኣብ መንጎ ቃዴስን ቤሬድን ኣላ።) 15  ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ፣ ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።+ 16  በቲ ኣጋር ንኣብራም፡ እስማኤል ዝወለደትሉ ግዜ፡ ኣብራም ወዲ 86 ዓመት ኰይኑ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ይሰምዕ።”
ወይ፡ “ኣድጊ ኸደን፡” ዓይነት ኣድጊ መሮር። ብርእስኻ ናይ ምሕዳር ባህርይ ዜመልክት ከይኰነ ኣይተርፍን።
ወይ፡ “ኣንጻር ኵሎም ኣሕዋቱ ዀይኑ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዚርአ።”
ትርጉሙ፡ “ዒላ እቲ ዚርእየኒ ህያው።”