ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 15:1-21

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ንኣብራም ዝኣተወሉ ኺዳን (1-21)

    • ን400 ዓመት ዚወርድ ግፍዒ ኣቐዲሙ ተነግረ (13)

    • ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ ተደግመ (18-21)

15  ድሕርዚ፡ ቃል የሆዋ ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፦ “ኣብራም፡ ኣይትፍራህ።+ ዋልታኻ ኣነ እየ።+ ዓስብኻ ኣዝዩ ብዙሕ ኪኸውን እዩ።”+  ኣብራም ከኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ካብ ኣለኹ፡ ንቤተይ ዚወርስ ከኣ ኤልዔዘር+ ብዓል ደማስቆ ኻብ ኰነስ፡ እንታይ እሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ።  ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብራም፡ “ገለ ዘርኢ ኣይሃብካንን፡+ ሓደ ኣባል* ቤተ ሰበይ ድማ ኪወርሰኒ እዩ” በለ።  እንሆ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ፡ “ወድኻ* ደኣ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይኪወርሰካን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+  ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ “በጃኻ ናብ ሰማያት ጠምት እሞ፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር” በሎ። “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ድማ በሎ።+  ብየሆዋ ኸኣ ኣመነ፣+ ንሱ ድማ ጽድቂ ገይሩ ቘጸረሉ።+  ሽዑ፡ “ኣነ ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይረ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ናይ ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ የሆዋ እየ” ድማ በሎ።+  ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ እፈልጥ፧” በለ።  ንሱ ድማ፡ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ባሬቶን ጫቚት ርግብን ኣምጽኣለይ” ኢሉ መለሰሉ። 10  ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ከክልተ ቘረጾ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምቃል ከኣ ኣብ መንጽር እቲ ኻልእ ኣቐመጦ፣ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን። 11  ሽዑ፡ ኣሞራታት ናብቲ ስጋ ወረዱ፣ ኣብራም ግና ይሰጕጎም ነበረ። 12  ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፣ ሽዑ፡ ዜፍርህ ድቕድቕ ጸልማት ወደቖ። 13  ንኣብራም ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን፡ እዚ ብርግጽ ፍለጥ።+ 14  ኣነ ግና ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኽዳንዮ እየ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ኪወጹ እዮም።+ 15  ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፣ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ።+ 16  ስሕተት ኣሞራውያን ገና መስፈሩ ስለ ዘይመልአ፡+ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም።”+ 17  ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ ዚተክኽ እቶን ተራእየ፡ ብመንጎ እቲ ምቃላት ድማ ሃልሃልታ ፋና ሓለፈ። 18  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ፦+ “እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ካብ ፈለግ ግብጺ ኽሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡+ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+ 19  ንሳ ድማ ምድሪ ቄናውያንን+ ቄኒዛውያንን ቃድሞናውያንን 20  ሔታውያንን+ ፈረዛውያንን+ ረፋይምን+ 21  ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን እያ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ወዲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ከርስኻ ዝወጸ።”