ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 14:1-24

ትሕዝቶ

  • ኣብራም ንሎጥ ኣድሓኖ (1-16)

  • መልከጼዴቅ ንኣብራም ባረኾ (17-24)

14  ብዘመን ኣምራፌል ንጉስ ሲንኣር፡+ ኣርዮክ ንጉስ ኤልሳር፡ ከዶርላኦመር+ ንጉስ ዔላም፡+ ቲደዓል ንጉስ ጎይም፡  እዚኣቶም ምስ ቤራዕ ንጉስ ሶዶምን+ ምስ ቢርሻዕ ንጉስ ጎሞራን+ ምስ ሺንኣብ ንጉስ ኣድማን ምስ ሼምኤበር ንጉስ ጸቦኢምን+ ምስ ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ኸኣ ጾዓር፡ ውግእ ገበሩ።  ኵሎም እዚኣቶም ኣብ ስንጭሮ* ሲዲም፡+ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡*+ ሓይልታቶም ኣሕበሩ።  ንከዶርላኦመር 12 ዓመት ተገዚኦምዎ ነበሩ፣ ኣብ መበል 13 ዓመት ግና ዓለዉ።  ኣብ መበል 14 ዓመት ድማ ከዶርላኦመርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን መጹ፡ ንረፋይም ኣብ ዓሽተሮት-ቀርናይም፡ ንዙዚም ኣብ ሃም፡ ንኤሚም+ ኣብ ሻዌ-ቂርያታይም፡  ንሖራውያን+ ከኣ ኣብ ከረን ሰዒር+ ክሳብ እታ ኣብ በረኻ ዘላ ኤል-ጳራን ሰዓርዎም።  ተመሊሶም ድማ ናብ ዔን-ምሽጳጥ፡ ንሳ ኸኣ ቃዴስ፡+ መጺኦም፡ ንብዘላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን+ ነቶም ኣብ ሓጻጾን-ታማር+ ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣሞራውያንን+ ሰዓርዎም።  ሽዑ፡ ንጉስ ሶዶምን ንጉስ ጎሞራን ንጉስ ኣድማን ንጉስ ጸቦኢምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ኸኣ ጾዓር፡ ወጺኦም ኣብ ስንጭሮ* ሲዲም ኪዋግኡ ተሰለፉ፣  ምስ ከዶርላኦመር ንጉስ ዔላምን ቲደዓል ንጉስ ጎይምን ኣምራፌል ንጉስ ሲንኣርን ኣርዮክ ንጉስ ኤልሳርን፡+ ኣርባዕተ ነገስታት ምስ ሓሙሽተ ኺዋግኡ ተሰለፉ። 10  እቲ ስንጭሮ* ሲዲም ድማ ጐዳጕዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ፣ ነገስታት ሶዶምን ጎሞራን ከኣ ኪሃድሙ ኸለዉ ኣብኡ ወደቑ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኣኽራን ሃደሙ። 11  እቶም ዕዉታት ከኣ ኵሉ ጥሪት ሶዶምን ጎሞራን ኵሉ ምግቦምን ወሲዶም ከዱ።+ 12  ነቲ ኣብ ሶዶም ዚቕመጥ ዝነበረ ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብራም እውን ምስ ጥሪቱ ሒዞምዎ ኸዱ።+ 13  ሓደ ዘምለጠ ኸኣ ናብ ኣብራም እቲ እብራዊ መጺኡ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ እቲ ኣሞራዊ፡+ ሓው ኤሽኮልን ዓኔርን+ ይነብር* ነበረ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ። 14  ኣብራም ድማ ዘመዱ*+ ኸም እተማረኸ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ቤቱ እተወልዱ 318 ዝሰልጠኑ ገላዉ ኣኪቡ፡ ክሳብ ዳን+ ደድሕሪኦም ሰዓበ። 15  ንሱን ገላዉኡን ተመቒሎም ከኣ፡ ብለይቲ ኣጥቂዖም ሰዓርዎም። ክሳብ እታ ብሰሜን ደማስቆ እትርከብ ሆባ እውን ሰጐጕዎም። 16  ኵሉ ጥሪት ከኣ ኣምለሰ፣ ንሎጥ ዘመዱን ንጥሪቱን ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን እውን ኣምለሰ። 17  ኣብራም ንከዶርላኦመርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ንጉስ ሶዶም ንኣብራም ኣብ ስንጭሮ* ሻዌ፡ ንሱ ኸኣ ስንጭሮ ንጉስ፡+ ኪቕበሎ ወጸ። 18  ሽዑ፡ መልከጼዴቅ+ ንጉስ ሳሌም+ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፣ ንሱ ኻህን እቲ ልዑል ኣምላኽ ነበረ።+ 19  ንሱ ድማ፡ ከምዚ ኢሉ ባረኾ፦ “ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ፡ በቲ ገባሪ ሰማይን ምድርን ይባረኽ፣ 20  እቲ ንተጻረርትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል ኣምላኽ ይወደስ።” ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ሃቦ።+ 21  ንጉስ ሶዶም ከኣ ንኣብራም፡ “እቶም ሰባት* ሃበኒ፡ ነቲ ጥሪት ግና ንዓኻ ውሰዶ” በሎ። 22  ኣብራም ግና ንንጉስ ሶዶም፡ “ኢደይ ንማሕላ ናብቲ ገባሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ የሆዋ እቲ ልዑል ኣምላኽ አልዕል ኣለኹ፣ 23  ‘ንኣብራም ኣነ ኣሀብቲመዮ’ ኸይትብልሲ፡ ፈትሊ ዀነ ስራኽ ሳእኒ ዀነ፡ ናትካ ዘበለ ገለ እኳ ኣይወስድን እየ። 24  ብዘይካ እቲ እቶም ኣጕባዝ ዝበልዕዎ፡ ገለ እኳ ኣይወስድን እየ። ብዛዕባ ግደ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰብኡት፡ ዓኔርን ኤሽኮልን መምሬን፡+ ንሳቶም ግዲኦም ይውሰዱ” በሎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ኣብ ድንኳን ይነብር።”
ቃ.ቃ.፡ “ሓዉ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”