ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘፍጥረት 10:1-32

ትሕዝቶ

  • ዝርዝር ኣህዛብ (1-32)

    • ዘርኢ ያፌት (2-5)

    • ዘርኢ ካም (6-20)

      • ኒምሮድ ንየሆዋ ተጻረሮ 8-12)

    • ዘርኢ ሴም (21-31)

10  ታሪኽ ደቂ ኖህ፡ ሴምን+ ካምን ያፌትን፡ እዚ እዩ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ንዓታቶም ደቂ ተወልዱሎም።+  ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን+ ማጎግን+ ማዳይን ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ቲራስን+ እዮም።  ደቂ ጎሜር፡ ኣሽከናዝን+ ሪፋትን ቶጋርማን+ እዮም።  ደቂ ያዋን፡ ኤሊሻን+ ተርሲስን+ ኪቲምን+ ዶዳኒምን እዮም።  ካብዚኣቶም ነበርቲ ደሴታት ከከም ቋንቋኦምን ከከም ዓሌቶምን በብህዝቦምን ነናብ ምድሮም ተበተኑ።  ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራይምን+ ጱጥን+ ከነኣንን+ እዮም።  ደቂ ኩሽ፡ ሴባን+ ሓዊላን ሳብታን ራዕማን+ ሳብተካን እዮም። ደቂ ራዕማ፡ ሳባን ዴዳንን እዮም።  ኩሽ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና ነበረ።  ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ ዀነ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ከም ኒምሮድ፡ ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ” ዚብል ብሂል ዘሎ። 10  መጀመርታ መንግስቱ* ድማ፡ ባቤልን+ ኤሬክን+ ኣካድን ካልነን ኣብ ምድሪ ሲንኣር+ ነበራ። 11  ካብታ ምድሪ እቲኣ፡ ናብ ኣሶር+ ከይዱ ንነነዌን+ ንሬሖቦት-ዒርን ንከላህን ሰርሐን፣ 12  ንሬስን እውን ኣብ መንጎ ነነዌን ከላህን ሰርሓ፦ እዚኣ ዓባይ ከተማ እያ።* 13  ሚስራይም ድማ ንሉዲምን+ ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን+ 14  ንጳጥሩሲምን+ ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን+ ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን+ ወለደ። 15  ከነኣን ንሲዶን+ በዅሩን ንሔትን+ 16  ንይቡሳውያንን+ ንኣሞራውያንን+ ንጊርጋሳውያንን 17  ንሒዋውያንን+ ንዓርቃውያንን ንሲኒውያንን 18  ንኣርዋዳውያንን+ ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን+ ወለደ። ድሕርዚ፡ ዓሌታት ከነኣናውያን ፋሕ በሉ። 19  ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን ክሳብ እታ ጥቓ ጋዛ+ ዘላ ጌራር፡+ ክሳብ ሶዶምን ጎሞራን+ ኣድማን ጥቓ ላሻዕ ዘላ ጸቦኢምን+ ነበረ። 20  እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን ደቂ ካም እዮም። 21  ንሴም እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበርን+ ሓው እቲ ዓብዪ ዝዀነ ያፌትን* እውን ደቂ ተወልዱሉ። 22  ደቂ ሴም፡ ዔላምን+ ኣሹርን+ ኣርፋክሳድን+ ሉድን ኣራምን+ እዮም። 23  ደቂ ኣራም፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን እዮም። 24  ኣርፋክሳድ ንሸላሕ ወለደ፣+ ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ። 25  ንዔበር ድማ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡* ስሙ ፌሌግ*+ ተባህለ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮቅጣን እዩ።+ 26  ዮቅጣን ንኣልሞዳድን ንሼሌፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን+ 27  ንሃዶራምን ንኡዛልን ንዲቅላን 28  ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሳባን 29  ንኦፊርን+ ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 30  መንበሪኦም ድማ ካብ ሜሻ ኽሳብ እቲ ኣኽራን ምብራቕ ዝዀነ ሰፋር ተዘርግሐ። 31  እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን+ ደቂ ሴም እዮም። 32  እዚኣቶም ከከም ትውልዶምን በብህዝቦምን ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተበተኑ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቀዳሞት ከተማታት መንግስቱ።”
ወይ፡ “እዚኣተን ዓባይ ከተማ ኣቘማ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነቲ ምዕባዩ ሓዉ ዝዀነ ያፌትን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ህዝቢ ምድሪ ስለ እተኸፋፈሉ።”
ትርጉሙ፡ “ክፍፍል።”