ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 8:1-32

ትሕዝቶ

  • ካልኣይ መዓት፦ ቍርዖብ (1-15)

  • ሳልሳይ መዓት፦ ጻጹት (16-19)

  • ራብዓይ መዓት፦ ጽንጽያ ኸልቢ (20-32)

    • ጎሼን ኣይተጸልወትን (22, 23)

8  ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን ኬድካ፡ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም።+  ምስዳዶም እንተ ኣቢኻ ኸኣ፡ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብቝርዖብ ክወቕዓ እየ።+  ፈለግ ኒል ድማ ብቝርዖብ ሓሰኽሰኽ ኪብል እዩ፣ ደይበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ኣባይቲ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ መልወሲታትካን ኪኣትዋ እየን።+  እተን ቍርዖብ ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም ገላዉኻን ኪድይባ እየን።”’”  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ናብ ልዕሊ ኣፍላግን መትረባት ኒልን ረግረጋትን ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ቝርዖብ ኣደይብ’ በሎ።”  ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሐ፣ እተን ቍርዖብ ድማ ደይበን፡ ንምድሪ ግብጺ ኸደናኣ።  እቶም ስሒር ዚግብሩ ኻህናት ግብጺ ግና፡ በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ገበሩ፣ ንሳቶም እውን ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ቝርዖብ ኣደየቡ።+  ፈርኦን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ነዘን ቍርዖብ ካባይን ካብ ህዝበይን ኬርሕቐለይሲ፡ ንየሆዋ ለምኑለይ፣+ ኣነ ድማ ነቲ ህዝቢ ንየሆዋ ኺስውእ ክሰድዶ እየ” በሎም።  ሽዑ፡ ሙሴ ንፈርኦን፡ “እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ካብ ኣባይትኻን ኪርሕቃስ መዓስ ከም ዝልምን ብኽብረትካ ንገረኒ። ኣብ ፈለግ ኒል ጥራይ ድማ ኪተርፋ እየን” በሎ። 10  ንሱ ኸኣ፡ “ጽባሕ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ከም የሆዋ ኣምላኽና ዝበለ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡+ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። 11  እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ እየን። ኣብ ኒል ጥራይ ኪተርፋ እየን” በሎ።+ 12  ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ፣ ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽአን ቍርዖብ፡ ናብ የሆዋ ተማህለለ።+ 13  የሆዋ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፣ እተን ቍርዖብ ከኣ ኣብ ኣባይትን ኣብ ኣጸድን ኣብ መሮርን ሞታ። 14  ማእለያ ኣብ ዘይብሉ ዅምራታት ድማ ኰመርወን፣ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት። 15  ፈርኦን ድማ ዕረፍቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኣትረረ፣+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን። 16  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ዘርጊሕካ፡ ንደበቝበቛ ምድሪ ውቓዕ እሞ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ጻጹት* ኪኸውን እዩ’ በሎ።” 17  ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ኣሮን ድማ ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ንደበቝበቛ ምድሪ ወቕዖ እሞ፡ ናብ ሰብን ናብ እንስሳን ጻጹት መጸ። ኵሉ ደበቝበቛ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ጻጹት ኰነ።+ 18  እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ኺገብሩን ጻጹት ኬውጽኡን ፈተኑ፣+ ግናኸ፡ ኣይከኣሉን። እቶም ጻጹት ከኣ ናብ ሰብን ናብ እንስሳን መጹ። 19  እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ድማ ንፈርኦን፡ “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ”+ በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን። 20  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣንጊህካ ተንስእ እሞ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በል። እንሆ፡ ናብ ማይ ይወጽእ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 21  ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፡ ናባኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ* ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያን ድማ ብጽንጽያ ኸልቢ ኺመልኣ እየን፣ ነታ ደው ዚብሉላ* ምድሪ እውን ኪሽፍንዋ እዮም። 22  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እታ ህዝበይ ዚቕመጠላ ምድሪ ጎሼን ብርግጽ ክፈልያ እየ። ኣብኣ ጽንጽያ ኸልቢ ኣይኪህሉን እዩ፣+ በዚ ኸኣ ኣነ የሆዋ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ኽትፈልጥ ኢኻ።+ 23  ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ህዝብኻን ፍልልይ ክገብር እየ። ጽባሕ፡ እዚ ትእምርቲ እዚ ኪኸውን እዩ።”’” 24  የሆዋ ድማ ከምኡ ገበረ፣ ብዙሓት ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ናብ ቤት ፈርኦንን ናብ ኣባይቲ ገላዉኡን ናብ ኵላ ምድሪ ግብጽን መጹ።+ እታ ምድሪ ድማ ብጽንጽያ ኸልቢ ተበላሸወት።+ 25  ፈርኦን ከኣ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ኪዱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንኣምላኽኩም ሰውኡ” በሎም። 26  ሙሴ ግና፡ “እቲ ንየሆዋ ኣምላኽና እንስውኦ፡ ኣብ ግብጻውያን ፍንፉን እዩ እሞ፡+ ከምኡ ምግባር ግቡእ ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ፍንፉን ዝዀነ ነገር እንተ ሰዊእና፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፧ 27  ከምቲ ዝበለና ደኣ ናብ በረኻ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኽንከይድን ኣብኡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውእን ኢና” በሎ።+ 28  ፈርኦን ከኣ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡ ኽሰድደኩም እየ። ኣርሒቕኩም ግዳ ኣይትኺዱ። ምእንታይ ድማ ለምኑ” በሎም።+ 29  ሙሴ ኸኣ፡ “ካባኻ እወጽእ ኣለኹ፣ ንየሆዋ ድማ ክልምኖ እየ። እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ፡ ጽባሕ ካብ ፈርኦንን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ኪርሕቁ እዮም። ፈርኦን ግዳ ነቲ ህዝቢ ንየሆዋ ኺስውእ ብዘይምስዳድ መሊሱ ኣየላግጸልና”* በለ።+ 30  ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ወጸ፣ ንየሆዋ ኸኣ ለመኖ።+ 31  የሆዋ ድማ ከም ቃል ሙሴ ገበረ፣ እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ካብ ፈርኦንን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ረሓቑ። ሓደ ኣይተረፈን። 32  ግናኸ፡ ፈርኦን መሊሱ ልቡ ኣትረረ፡ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን።

እግረ ጽሑፍ

ደቂቕ ተናኻሲ ጽንጽያ።
ተናኻሲ ዓይነት ጽንጽያ።
ማለት፡ ነታ ግብጻውያን ደው ዚብሉላ።
ወይ፡ “ኣይጻወተልና።”