ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 5:1-23

ትሕዝቶ

  • ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን (1-5)

  • ጭቈና በርትዐ (6-18)

  • እስራኤላውያን ንሙሴን ንኣሮንን ወቐስዎም (19-23)

5  ድሕርዚ፡ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣትዮም፡ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ በረኻ በዓል ምእንቲ ኺገብሩለይ፡ ንህዝበይ ስደዶም’” በልዎ።  ፈርኦን ግና፡ “እቲ ቓሉ ተኣዚዘ ንእስራኤል ዝሰድዶስ፡+ የሆዋ መን እዩ፧+ ንየሆዋ ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል እውን ኣይሰድድ” በለ።+  ንሳቶም ግና፡ “ኣምላኽ እብራውያን ምሳና ርክብ ገይሩ እዩ። በጃኻ፡ ናብ በረኻ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኼድና፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሕማም ወይ ብሰይፊ ኺወቕዓና እዩ” በልዎ።  ንጉስ ግብጺ ኸኣ፡ “ኣቱም ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኻብ ዕዮኡ ተብኵርዎ ኣለኹም፧ ናብ ሽቕለትኩም* ተመለሱ” ኢሉ መለሰሎም።+  ፈርኦን ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እንሆ፡ እዚ ህዝቢ ኣብዛ ምድሪ ኽንደይ በዚሑ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሽቕለቶም ከተዕርፍዎም ትብሉ ኣለኹም” በሎም።  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ፈርኦን ነቶም ኣዕየይትን ኣሕሉቕን ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦  “ደጊም ንመስርሕ ሕጡብ ሓሰር ኣይትሃብዎም።+ ከይዶም ባዕላቶም ሓሰር ይኣክቡ።  ከምቲ ቐደም ዚዓይይዎ ዝነበሩ እተመደበ ብዝሒ ሕጡብ ግና ኣዕይይዎም። ሃካያት እዮም እሞ፡ ኣይትነክዩሎም። ስለዚ ኸኣ እዮም፡ ‘ክንከይድ፡ ንኣምላኽና ኽንስውእ’ ኢሎም ዚጠርዑ ዘለዉ።  ናብ ዘረባ ሓሶት ምእንቲ ኸየቕልቡ፡ ዕዮ ኣኽብዱሎም፡ ብዕዮ ድማ ትሑዛት ይኹኑ።” 10  ሽዑ፡ እቶም ኣዕየይትን+ ኣሕሉቕን ህዝቢ ወጺኦም ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በልዎም፦ “ፈርኦን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ደጊም ሓሰር ኣይህበኩምን እየ። 11  ናብ እትረኽቡሉ ዘበለ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣክቡ፣ ዕዮኹም ግና ገለ እኳ ኣይጕደል።’” 12  እቲ ህዝቢ ኸኣ ከም ሓሰር ዚኸውን ብርዒ ኺእክብ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ። 13  እቶም ኣዕየይቶም ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንመዓልቲ እተመደበልኩም ዕዮ፡ ከምቲ ሓሰር ኪውሃበኩም ከሎ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኣማልኡ” ኢሎም ሃወኽዎም። 14  እቶም ኣዕየይቲ ፈርኦን ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝሸሙዎም ኣሕሉቕ እውን፡ “እቲ እተመደበልኩም ብዝሒ ሕጡብ ስለምንታይ ትማልን ሎምን ከም ቀደምኩም ዘየማላእኩም፧” ተባሂሎም ተገርፉ።+ 15  ሽዑ፡ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤላውያን ናብ ፈርኦን ከይዶም ከምዚ ኢሎም ጠርዑ፦ “ስለምንታይ ንገላዉኻ ኸምዚ ትገብረና ኣለኻ፧ 16  ገላዉኻ ሓሰር ኣይተዋህቡን፣ ግናኸ፡ ‘ሕጡብ ግበሩ’ ይብሉና ኣለዉ። ገላዉኻ ተገሪፎም እዮም፣ ግናኸ፡ ህዝብኻ እዮም ዚብድሉ ዘለዉ።” 17  ንሱ ግና፡ “ሃካያት ኢኹም፡ ሃካያት ኢኹም!+ ስለዚ ኸኣ ኢኹም፡ ‘ክንከይድ፡ ንየሆዋ ኽንስውእ’ እትብሉ ዘለኹም።+ 18  ሕጂ ድማ ኪዱ ናብ ዕዮኹም ተመለሱ! ሓሰር ኣይውሃበኩምን እዩ፣ እቲ እተመደበልኩም ብዝሒ ሕጡብ ግና ክትህቡ ኣሎኩም” በሎም። 19  ሽዑ፡ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤላውያን ብሰሪ እቲ፡ “ካብቲ ነንመዓልቲ እተመደበልኩም ብዝሒ ሕጡብ ኣይትነክዩ” ዚብል ትእዛዝ፡ ኣብ ከቢድ ሽግር ከም ዝኣተዉ ረኣዩ። 20  ድሕርዚ፡ ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለዉ፡ ምስቶም ኪረኽብዎም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሙሴን ኣሮንን ተጓነፉ። 21  ንሳቶም ድማ፡ “ፈርኦንን ገላዉኡን ከም ዚጽየፉና ብምግባርኩም፡* ኪቐትሉና ኸኣ ኣብ ኢዶም ሰይፊ ብምትሓዝኩም፡ የሆዋ ይርኣየልኩም!” በልዎም።+ 22  ሙሴ ድማ ናብ የሆዋ ተመሊሱ፡ “የሆዋ፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣጽቢብካሉ፧ ስለምንታይከ ልኢኽካኒ፧ 23  ካብታ ብስምካ ኽዛረብ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ዝኣቶኹላ ግዜ፡+ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣጽቢቡሉ ኣሎ፡+ ንስኻ እውን ንህዝብኻ ብርግጽ ኣየናገፍካዮን” በለ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጾርኩም።”
ወይ፡ “ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ጨናና ብምኽፋእኩም።”