ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 40:1-38

ትሕዝቶ

  • እቲ ማሕደር ተተኽለ (1-33)

  • ክብሪ የሆዋ ነቲ ማሕደር መልኦ (34-38)

40  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦  “ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ትኸሎ።+  ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንብሮ፣+ ነቲ ታቦት ከኣ በቲ መጋረጃ ጋርዶ።+  ነቲ ሰደቓ ኣእቲኻ ድማ፡+ እቲ ኣብኡ ዚንበር ነገራት ስራዕ፣ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ኣእቲኻ ኸኣ፡ ነቲ ቐነዲሉ ኣብርሃዮ።+  ነቲ ንዕጣን ዚኸውን ወርቃዊ መሰውኢ+ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፣ ነቲ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ማሕደር ከኣ ኣብ ቦታኡ ኣንብሮ።+  “ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ+ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣንብሮ፣  ነቲ ገበራ ኸኣ ኣብ መንጎ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢርካ፡ ማይ ኣዕርቐሉ።+  ነቲ ኣጸድ+ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፣ ነቲ መጋረዲ*+ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ግበሮ።  ዘይቲ ቕብኣት+ ወሲድካ ድማ፡ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅብኣዮ፣+ ንዕኡን ንዅሉ ኣቕሑኡን ቀድሶ እሞ፡ ቅዱስ ኪኸውን እዩ። 10  ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ንዅሉ ኣቕሑኡን ድማ ቅብኣዮ፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ቀድሶ እሞ፡ ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን እዩ።+ 11  ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ድማ ቅብኣዮን ቀድሶን። 12  “ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ፡ ብማይ ሕጸቦም።+ 13  ንኣሮን፡ እቲ ቕዱስ ክዳውንቲ ኸዲንካ፡+ ካህን ኪዀነኒ ቕብኣዮን+ ቀድሶን። 14  ድሕሪኡ፡ ንደቁ ኣቕሪብካ፡ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ኽደኖም።+ 15  ከምቲ ንኣቦኦም ዝቐባእካዮ፡ ንዓታቶም እውን ካህናት ኪዀኑኒ ቕብኣዮም፣+ እቲ ቕብኣቶም ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹነሎም።”+ 16  ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ።+ ልክዕ ከምኡ ገበረ። 17  ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እቲ ማሕደር ተተኽለ።+ 18  ሙሴ ነቲ ማሕደር ኪተኽሎ ኸሎ፡ ነቲ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱ+ ኣንቢሩ፡ ነቲ መቓናት ሉሕ+ ኣቚሙ፡ ንተገዳማቱ+ ኣእትዩ፡ ንኣዕኑዱ ተኸሎ። 19  ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ድንኳን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ነቲ መኽደኒ+ እቲ ድንኳን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ገበሮ። 20  ነቲ ምስክር+ ወሲዱ ኸኣ ናብቲ ታቦት+ ኣእተዎ፣ ነቲ ዘንግታት+ ድማ ኣብቲ ታቦት ገበሮ፣ ነቲ መኽደኒ+ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት+ ገበሮ። 21  ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብቲ ማሕደር ኣእትዩ ኸኣ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ+ ኣብ ቦታኡ ገበሮ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ጋረዶ።+ 22  ነቲ ሰደቓ+ ኸኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብሸነኽ ሰሜን እቲ ማሕደር፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ፣ 23  ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ዚስራዕ እንጌራ+ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰርዖ። 24  ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ከኣ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር እቲ ሰደቓ፡ ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ኣንበሮ። 25  ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ቐነዲል+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብርሆ። 26  ነቲ ወርቃዊ መሰውኢ+ ኸኣ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ኣንበሮ፣ 27  እዚ ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን+ ምእንቲ ኺዓጥነሉ እዩ።+ 28  ነቲ መጋረዲ*+ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ገበሮ። 29  ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን ምእንቲ ኺስውኣሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣንበሮ። 30  ነቲ ገበራ ኸኣ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ።+ 31  ሙሴን ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ተሓጽቡ። 32  ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዚኣትዉ፡ ወይ ናብቲ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ይሕጸቡ ነበሩ።+ 33  ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደርን እቲ መሰውእን ከኣ ኣጸድ+ ገበረ፣ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ኣጸድ እውን ገበረ።+ ሙሴ ድማ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ። 34  ደበና ኸኣ ንድንኳን ምርኻብ ኣጐልበቦ፣ ክብሪ የሆዋ ድማ ነቲ ማሕደር መልኦ።+ 35  እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈን ክብሪ የሆዋ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረን፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣቱ ኣይከኣለን።+ 36  ኣብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቲ ደበና ኻብቲ ማሕደር ምስ ተላዕለ፡ ይነቕሉ ነበሩ።+ 37  እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዓለላ መዓልቲ ኣይነቕሉን ነበሩ።+ 38  ከመይሲ፡ ኵሉ ቤት እስራኤል፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጕዓዘሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ብመዓልቲ ደበና የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”