ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 38:1-31

ትሕዝቶ

  • መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ (1-7)

  • ገበራ ነሓሲ (8)

  • ኣጸድ (9-20)

  • ጸብጻብ ኣቕሑ ማሕደር (21-31)

38  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ገበረ። ሓሙሽተ እመት* ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ።+  ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ገበረሉ። እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ ኣርባዕተ መኣዝን ብሓደ እተገብረ ነበረ። ብነሓሲ ኸኣ ለበጦ።+  ድሕርዚ፡ ኵሉ ኣቕሑ እቲ መሰውኢ፡ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ሻኳታትን መትሓዚታት ሓውን ገበረ። ኵሉ ኣቕሑኡ ኻብ ነሓሲ ገበሮ።  ካብ ነሓሲ ኸኣ መርበብ፡ ነቲ መሰውኢ ዚኸውን ርበ ገይሩ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጥርዚ፡ ናብ ማእከል ኣትሕት ኣቢሉ ገበሮ።  ኣርባዕተ ቐለቤት ብፍሲ ሰሪሑ ድማ፡ እቲ ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ርበ ነሓሲ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝን ገበሮ።  ድሕርዚ፡ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ገይሩ፡ ብነሓሲ ለበጦ።  ነቲ መሰውኢ ንምጻር ከኣ ነቲ ዘንግታት ናብቲ ኣብ ጐድንታቱ ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። ነቲ መሰውኢ፡ ጓንጓ ሳጹን ገይሩ ኻብ ኣልዋሕ ገበሮ።  ካብ ነሓሲ ገበራ፡ ካብ ነሓሲ እውን ኣጋሮኡ ገበረ፣+ መስትያታት* እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግላ እተወደባ ኣንስቲ ኸኣ ተጠቕመ።  ኣጸድ ድማ ገበረ።+ ብሸነኽ ደቡብ እቲ ኣጸድ፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ፡ 100 እመት ዚኸውን መኸወሊታት* ገበረሉ።+ 10  20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ድማ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ ነበሮ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። 11  ብሸነኽ ሰሜን ዘሎ መኸወሊታት 100 እመት ነበረ። እቲ 20 ዓንዱን እቲ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚኡን ካብ ነሓሲ ነበረ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ድማ ካብ ብሩር ነበረ። 12  ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ መኸወሊታት* ግና 50 እመት ነበረ። ዓሰርተ ዓንድን ዓሰርተ ዚስኵዓሉ መቘምን ከኣ ነበሮ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ድማ ካብ ብሩር ነበረ። 13  ግፍሒ እቲ በቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸኣ 50 እመት ነበረ። 14  በቲ ሓደ ኽንፊ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ነበረ። 15  በቲ ኻልኣይ ክንፊ፡ ማለት በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ነበረ። 16  ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ እተገብረ መኸወሊታት፡* ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ ነበረ። 17  ነቲ ኣዕኑድ ዚኸውን ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ካብ ነሓሲ ነበረ፣ እቲ ዓንቃሪቦታት ኣዕኑድን መላግቦታቱን፡* ካብ ብሩር ነበረ፣ ንዅሉ እቲ ኣዕኑድ ኣጸድ ድማ መላግቦታት ብሩር ነበሮ።+ 18  መጋረዲ* እቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብምእላም እተገብረ ነበረ። 20 እመት ዝንውሓቱን 5 እመት ዝቝመቱን ነበረ፣ ቍመቱ ኸኣ ከምቲ መኸወሊታት* እቲ ኣጸድ ነበረ።+ 19  ኣርባዕተ ዓንዱን ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘሚኡን ካብ ነሓሲ ነበረ። ዓንቃሪቦታቱ ኻብ ብሩር፡ ርእሱን መላግቦታቱን* ድማ ብብሩር እተለበጠ ነበረ። 20  ኵሉ ንማሕደርን ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድን ዚኸውን ሽኻላት ከኣ ካብ ነሓሲ ነበረ።+ 21  ጸብጻብ እቲ ብትእዛዝ ሙሴ፡ ብሓላፍነት እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ዝነበሩ ሌዋውያን እተጸብጸበ ማሕደር፡+ ማሕደር ምስክር፡+ እዚ ዚስዕብ እዩ። 22  እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሑር ድማ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። 23  እቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝዀነ ኦሆልያብ+ ወዲ ኣሒሳማክ ከኣ ምስኡ ነበረ፣ ንሱ ድማ ኢደ ጥበበኛን ጠላፋይን ብሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ብዝሕብሩ ጸምርን ብቐይሕ ውጹእ ፈትልን ብቕጭን በፍታን ዚኣልም ኣላማይን ነበረ። 24  ኵሉ እቲ ንዅሉ ዕዮ መቕደስ ንምስራሕ ዝወዓለ ወርቂ፡ ማዕረ እቲ እተዋህበ* ኪኸውን ከሎ፡+ ብሲቃል መቕደስ* 29 ታለንትን* 730 ሲቃልን* ነበረ። 25  ብሩር እቶም ካብቲ ኣኼባ እተመዝገቡ ድማ፡ ብሲቃል መቕደስ* 100 ታለንትን 1,775 ሲቃልን ነበረ። 26  እቲ ኻብ ነፍሲ ወከፍ እተዋህበ ፍርቂ ሲቃል፡ ማለት ካብቲ ኻብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ+ ዝዀነ 603,550+ ምዝጉብ ዘበለ ዅሉ እተዋህበ፡ ብሲቃል መቕደስ* ፍርቂ ሲቃል ነበረ። 27  እቲ ብፍሲ እተሰርሐ ዚስኵዓሉ መቘሚ መቕደስን ዚስኵዓሉ መቘሚ መጋረጃን 100 ታለንት ነበረ፣ 100 ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ 100 ታለንት፡ ማለት ሓደ ታለንት ንሓደ ዚስኵዓሉ መቘሚ ነበረ።+ 28  ካብቲ 1,775 ሲቃል ከኣ፡ ነቲ ኣዕኑድ ዚኸውን ዓንቃሪቦታት ገበረሉ፡ ርእሱ ለበጦ፡ ብሓደ እውን ኣላገቦ። 29  እቲ እተዋህበ* ነሓሲ 70 ታለንትን 2,400 ሲቃልን ነበረ። 30  በዚ ኸኣ ዚስኵዓሉ መቘሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ነሓስን ናይ ነሓሲ ርበኡን ኵሉ ኣቕሑ መሰውእን 31  ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ዘሎ ዚስኵዓሉ መቘምን ኣብ ኣፍ ደገ ኣጸድ ዘሎ ዚስኵዓሉ መቘምን ኵሉ ሽኻላት ማሕደርን+ ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ሽኻላትን ገበረ።

እግረ ጽሑፍ

ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ማለት፡ ኣመና ተወልዊሉ እተዀልዐ ብረታዊ መስትያታት።
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ ንመጥመሪ ዚኸውን “ቀላብቱ፣ ዓንኬላቱ፣ መእሰሪታቱ።”
ወይ፡ ንመጥመሪ ዚኸውን “ቀላብቱን፣ ዓንኬላቱን፣ መእሰሪታቱን።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ ንመጥመሪ ዚኸውን “ቀላብቱን፣ ዓንኬላቱን፣ መእሰሪታቱን።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ ንመጥመሪ ዚኸውን “ቀላብቱን፣ ዓንኬላቱን፣ መእሰሪታቱን።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃታት።”
ወይ፡ ንመጥመሪ ዚኸውን “ቀላብቱን፣ ዓንኬላቱን፣ መእሰሪታቱን።”
ወይ፡ “መስዋእቲ ውዝወዛ።”
ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”
ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”
ወይ፡ “መስዋእቲ ውዝወዛ።”