ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 37:1-29

ትሕዝቶ

  • ኣሰራርሓ ታቦት (1-9)

  • ሰደቓ (10-16)

  • ቀዋሚ ቐንዴል (17-24)

  • መሰውኢ ዕጣን (25-29)

37  በሳልኤል+ ድማ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ታቦት+ ገበረ። ንውሓቱ ኽልተ እመትን* ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ቍመቱ ድማ እመትን ፈረቓን ነበረ።+  ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ውሽጡን ግዳሙን ለበጦ፣ ብዙርያኡ ድማ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ።+  ድሕሪኡ፡ ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርባዕተ እግሩ፡ ማለት ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ በቲ ኻልኣይ ሸነኹ ብፍሲ ሰርሓሉ።  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ።+  እቲ ታቦት ምእንቲ ኺጽወር ከኣ፡ ነቲ ዘንግታት ናብቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ።+  ካብ ጽሩይ ወርቂ መኽደኒ ገበረ፣+ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።+  ካብ ወርቂ ድማ ክልተ ኪሩቤል ገበረ፣+ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ብሞደሻ ቐጥቂጡ ገበሮም።+  እቲ ሓደ ኪሩብ በቲ ሓደ ወሰን፡ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ በቲ ኻልኣይ ወሰን ነበረ። ነቶም ኪሩቤል ሰሪሑ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ገበሮም።  እቶም ክልተ ኪሩቤል፡ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም ኣጽለልዎ።+ ፊት ንፊት ድማ ነበሩ፣ ገጾም ከኣ ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ነበረ።+ 10  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እውን ሰደቓ ገበረ።+ ንውሓቱ ኽልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።+ 11  ብጽሩይ ወርቂ ድማ ለበጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ። 12  ብዙርያኡ ድማ ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ዝግፍሑ ጥርዚ ገበረሉ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ። 13  ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ብፍሲ ሰሪሑ ኸኣ፡ ነቲ ቐላብቲ ኣብቲ እቲ ኣርባዕተ እግሪ ዚጋጠመሉ ኣርባዕተ መኣዝን ገበሮ። 14  እቲ ቐላብቲ፡ ንምጻር እቲ ሰደቓ ዚኸውን ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ጥርዚ ነበረ። 15  ነቲ ሰደቓ ንምጻር ድማ፡ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ። 16  ድሕርዚ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብቲ ሰደቓ ዚኸውን ኣቕሑ፡ ማለት መስዋእቲ መስተ ዚፈስሰሉ ጻሕልታቱን ጽዋኣቱን ጭሔሎታቱን ዕትሮታቱን ገበረ።+ 17  ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ቀዋሚ ቐንዴል+ ገበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሞደሻ ቐጥቂጡ ገበሮ። መቘሚኡን ጕንዱን ጨናፍሩን ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ብሓደ እተገብረ ነበረ።+ 18  ካብ ጕንዱ ኸኣ ሽዱሽተ ጨንፈር ይዝርጋሕ ነበረ፣ ማለት ሰለስተ ጨንፈር ካብቲ ሓደ ጐድኑ፡ ሰለስተ ጨንፈር ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ጐድኑ ይዝርጋሕ ነበረ። 19  ኣብ ሓደ ጕጅለ ጨናፍር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ጕጅለ ጨናፍር ድማ፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ። እቲ ኻብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር በዚ ኸምዚ ተገብረ። 20  ኣብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ከም ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ። 21  ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብቲ ጕንዲ ዚወጽእ ቀዳማይ ክልተ ጨንፈር ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር እውን ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኰታስ ካብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ንዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ተገይሩሉ ነበረ። 22  እቲ ኸበብትን እቲ ጨናፍርን ብምሉኡ እቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ብሓደ እተገብረ ነበረ። 23  ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ሸውዓተ ቐንዴሉን+ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን ናቱ መትሓዚታት ሓውን ገበረ። 24  ንዕኡ ምስ ኵሉ ኣቕሑኡ፡ ካብ ሓደ ታለንት* ጽሩይ ወርቂ ገበሮ። 25  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ መሰውኢ ዕጣን+ ገበረ። ሓደ እመት ዝንውሓቱን ሓደ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ክልተ እመት ነበረ። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ነበረ።+ 26  ላዕሉን ብዙርያኡ ዘሎ ጐድንታቱን ኣቕርንቱን ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ። 27  ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገበረሉ እሞ፡ እቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት ኣብኡ ኺኣቱ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፍ* ብኽልቲኡ ሸነኹ ገበሮ። 28  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ። 29  ብውሕሉል መገዲ እተዋሃሃደ* ቕዱስ ዘይቲ ቕብኣትን+ ጽሩይ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ እውን ገበረ።

እግረ ጽሑፍ

ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ስልማት።”
ወይ፡ “ስልማት።”
ኣስታት 7.4 ሰ.ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ስልማት።”
ኣስታት 34.2 ኪ.ግ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ስልማት።”
ወይ፡ “ስልማት።”
ወይ፡ “ብገባር ቅብኢ ኸም እተገብረ ዝበለ።”