ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 36:1-38

ትሕዝቶ

  • ካብቲ ዜድሊ ዚዛይድ ተዋህበ (1-7)

  • ኣሰራርሓ ማሕደር (8-38)

36  “በሳልኤል ምስ ኦሆልያብን ምስ ኵሎም እቶም ንዕዮ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዚገብሩ ኺፈልጡ ኢሉ የሆዋ ጥበብን ኣእምሮን ዝሃቦም ክኢላታት* ሰባትን ኰይኑ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኺገብር እዩ።”+  ሙሴ ድማ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ንዅሎም እቶም የሆዋ ኣብ ልቦም ጥበብ ዘንበረሎም ክኢላታትን፡+ ኰታስ ንዅሎም እቶም ነቲ ዕዮ ብፍታዎም ኪዓይዩ ልቦም ዝደረኾም ጸውዖም።+  ንሳቶም ከኣ ነቲ እስራኤላውያን ንዕዮ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ መባእ ካብ ሙሴ ወሰዱ።+ እቲኣቶም ግና ንግሆ ንግሆ መስዋእቲ ፍታው የምጽኡ ነበሩ።  ነቲ ቕዱስ ዕዮ ምስ ጀመርዎ፡ ኵሎም እቶም ክኢላታት፡ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ እናመጹ፡  ንሙሴ፡ “እዚ ህዝቢ፡ ካብቲ ነቲ የሆዋ ኺግበር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ዜድሊ ዚዛይድ የምጽእ ኣሎ” ኢሎም ተዛረብዎ።  ሽዑ፡ ሙሴ ኣብ ብዘሎ እቲ ሰፈር፡ “ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ንቕዱስ መባእ ዚኸውን መተዓየዪ ደጊም ኣየምጽእ” ተባሂሉ ኺእወጅ ኣዘዘ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ተወሳኺ ነገር ከየምጽእ ተኸልከለ።  እቲ መተዓየዪ ንዅሉ እቲ ዚዕየ ዕዮ ዚኣክል ነበረ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ እኳ ደኣ ነበረ።  ኵሎም እቶም ክኢላታት+ ከኣ ነቲ ማሕደር፡+ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብእተዳለወ ዓሰርተ ዓለባ ድንኳን ገበርዎ። ንሱ* ኸኣ ኪሩቤል እተጠልፉሉ ገይሩ ገበሮ።+  ሓደ ዓለባ ድንኳን 28 እመት* ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ነበረ። ኵሉ እቲ ዓለባታት ድንኳን መጠኑ ማዕረ ነበረ። 10  ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ብሓደ ኣላገቦ፣ ነቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ከኣ ብሓደ ኣላገቦ። 11  ድሕርዚ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቲ ዝዀነ ሓደ ዓለባ ድንኳን ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት* ገበረ። ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን ከኣ ከምኡ ገበረ። 12  ኣብቲ ሓደ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ዓለባ ድንኳን እውን 50 መኸንትቦ ገበረ፣ እቲ መኸንትቦታት ከኣ ኣብ መንጽር ሓድሕዱ ዀነ። 13  50 መቘለፊ* ወርቂ ድማ ገበረ እሞ፡ ነቲ ዓለባታት ድንኳን በቲ መቘለፊታት ብሓደ ኣላገቦ፣ እቲ ማሕደር ከኣ ሓደ ዀነ። 14  ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ንዚድረብ ዓለባታት ድንኳን ድማ ካብ ጸጕሪ ጤል ገበረ። 11 ዓለባ ድንኳን ገበረ።+ 15  ሓደ ዓለባ ድንኳን 30 እመት ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ነበረ። እቲ 11 ዓለባ ድንኳን መጠኑ ማዕረ ነበረ። 16  ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ብሓደ ኣላገቦ፣ ነቲ ዝተረፈ ሽዱሽተ ዓለባ ድንኳን ድማ ብሓደ ኣላገቦ። 17  ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቲ ዝዀነ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ ገበረ፣ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ዓለባ ድንኳን ድማ 50 መኸንትቦ ገበረ። 18  እቲ ድንኳን ሓደ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ብሓደ ንምልጋቡ፡ 50 መቘለፊ ነሓሲ ገበረ። 19  ብቐይሕ ካብ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል ድማ ነቲ ድንኳን መኽደኒ ገበረሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ካብ ቈራብቲ ታሓሽ* መኽደኒ ገበረሉ።+ 20  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው+ ድማ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ደው ዚብል መቓናት ሉሕ ገበረ።+ 21  ቍመት ሓደ መቓን ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። 22  ኣብ ሓደ መቓን ሉሕ ንሓድሕዱ እተላገበ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፍ* ነበሮ። ንዅሉ መቓናት ሉሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ገበሮ። 23  በዚ ኸምዚ፡ ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ 20 መቓን ሉሕ ገበረ። 24  ኣብ ትሕቲ እቲ 20 መቓን ሉሕ ድማ፡ ካብ ብሩር 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ነቲ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፉ ዚኸውን ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ ከኣ ነቲ ኸክልተ ተሰኳዒ ጫፍ ዚኸውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ።+ 25  በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ብሰሜናዊ ሸነኽ፡ 20 መቓን ሉሕ ገበረ። 26  ካብ ብሩር ድማ 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ እውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ። 27  ነቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ሸነኽ ድሕሪት እቲ ማሕደር፡ ሽዱሽተ መቓን ሉሕ ገበረ።+ 28  ንኽልተ ዓንዲ መኣዝን ድሕሪት እቲ ማሕደር ዚኸውን ክልተ መቓን ሉሕ ገበረ። 29  ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኽሳብ ላዕሊ፡ ክሳብ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ድርብ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ ዓንዲ መኣዝን ከምኡ ገበረ። 30  ሸሞንተ መቓን ሉሕን ካብ ብሩር ከኣ 16 ዚስኵዓሉ መቘምን፡ ማለት ኣብ ተትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ፡ ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ነበረ። 31  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ተገዳም ገበረ፣ ነቲ ብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ሓሙሽተ ተገዳም፡+ 32  ነቲ ብኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ከኣ ሓሙሽተ ተገዳም፡ ነቲ ብሸነኽ ድሕሪት ብምዕራብ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ድማ ሓሙሽተ ገበረ። 33  ነቲ ኣብ ማእከል እቲ መቓናት ሉሕ ዘሎ ማእከላይ ተገዳም፡ ካብ ወሰን ክሳብ ወሰን ከም ዚበጽሕ ገይሩ ገበሮ። 34  ነቲ መቓናት ሉሕ ብወርቂ ለበጦ፣ ነቲ ተገዳማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ኸኣ ብወርቂ ገበሮ፣ ነቲ ተገዳማት እውን ብወርቂ ለበጦ።+ 35  ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ድማ መጋረጃ+ ገበረ። ኪሩቤል+ እተጠልፉሉ+ ገይሩ ገበሮ። 36  ኣርባዕተ ዓንዲ ሰራው ምስ ዓንቃሪቦታት ወርቂ ገይሩ ኸኣ፡ ብወርቂ ለበጦ፣ ንዕኡ ድማ ካብ ብሩር እተገብረ ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ብፍሲ ሰርሓሉ። 37  ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብሓደ ብምእላም፡+ መጋረዲ* ገበረ፣ 38  ሓሙሽተ ዓንዲ ሰራውን ዓንቃሪቦታቱን ድማ ገበረ። ርእሱን መላግቦታቱን* ብወርቂ ለበጦ፣ እቲ ሓሙሽተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ግና ካብ ነሓሲ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ጥበበኛ ዝልቦም።”
ንበሳልኤል ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
መኸንትቦ፡ ከም ቅርጺ ቐለቤት ኰይኑ እተዓጽፈ ነገር እዩ።
መቘለፊ ተባሂሉ ዘሎ፡ ብኽልቲኡ መኸንትቦታት ሓሊፉ ዚቝልፍ ወይ ዚኣስር እዩ።
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ወይ፡ “ቐዋሚ ዓንዲ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ ንመጥመሪ ዚኸውን “ቀላብቱን፣ ዓንኬላቱን፣ መእሰሪታቱን።”