ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 34:1-35

ትሕዝቶ

  • ሓደስቲ ጽላት እምኒ ተዳለዋ (1-4)

  • ሙሴ ኽብሪ የሆዋ ረኣየ (5-9)

  • እቲ ኺዳን ከም ብሓድሽ ተዘርዚሩ ተገልጸ (10-28)

  • ገጽ ሙሴ ኣብርሀ (29-35)

34  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ንዓኻ ጽረብ፣+ እተን ኣብተን ዝሰበርካየን+ ቀዳሞት ጽላት ዝነበራ ቓላት ከኣ፡ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፍ እየ።+  ንግሆ ናብ ከረን ሲና ደይብካ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ኣብ ቅድመይ ደው ክትብል ኢኻ እሞ፡ ንንግሆ ተዳሎ።+  ግናኸ፡ ሓደ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ፣ ኣብ ኵሉ እቲ ኸረን ከኣ ሓደ እኳ ኣይርአ። ጤለ በጊዕ ወይ ከብቲ እውን ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ኣይብልዓ።”+  ሙሴ ድማ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጸረበ፣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ ነተን ክልተ ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ።  የሆዋ ኸኣ ብደበና ወሪዱ፡+ ምስኡ ደው በለ፡ ስም የሆዋ ድማ ኣወጀ።+  የሆዋ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እናሓለፈ፡ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን+ ርሕሩሕን*+ ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን*+ ሓቅን፡*+  ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡+ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ፡+ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡+ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።”+  ሙሴ ኸኣ ቀልጢፉ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ።  “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ተሪር* ህዝቢ+ እኳ እንተ ዀንና፡ በጃኻ የሆዋ ምሳና ኣብ ማእከልና ኺድ፣+ ስሕተትናን ሓጢኣትናን ድማ ይቕረ በለልና፡+ ርስትኻ ጌርካ እውን ተቐበለና” ኸኣ በለ። 10  ንሱ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፦ ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ዘይተገብረ* ዜደንቕ ነገራት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ፣+ እቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝገብሮ ዘለኹ ዜፍርህ እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ መንጎኡ እትነብር ዘለኻ ህዝቢ ግብሪ የሆዋ ኺርኢ እዩ።+ 11  “እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ሓሉ።+ እንሆ፡ ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም እየ።+ 12  ኣብ መንጎኻ መፈንጠራ ኸይኰኑስ፡+ ምስ ነበርቲ እታ እትኸዳ ዘለኻ ምድሪ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ።+ 13  የግዳስ፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ሰባብሩ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾኦም* ከኣ ቍረጹ።+ 14  የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ብምድላዩ* ዚፍለጥ እዩ* እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።+ እወ ንሱ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+ 15  ምስ ነበርቲ እታ ምድሪ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ንኣማልኽቶም ኪምንዝሩን ኪስውኡን ከለዉ፡+ ክትዕደምን ካብቲ መስዋእቲ ኽትበልዕን ኢኻ።+ 16  ካብ ኣዋልዶም ድማ ንኣወዳትካ ኽትወስድ ኢኻ፣+ ኣዋልዶም ከኣ ምስ ኣማልኽተን ኪምንዝራን ንደቅኻ ምስ ኣማልኽቶም ኬመንዝራኦምን እየን።+ 17  “ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበር።+ 18  “በዓል ቅጫ ኣብዕል። ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ቅጫ ብላዕ፣+ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ስለ ዝወጻእካ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣቢብ*+ ሸውዓተ መዓልቲ እዚ ግበር። 19  “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* እንተላይ ካብ ማልካ ተባዕታይ በዅሪ ዘበለ ብዕራይ ኰነ በጊዕ፡+ ናተይ እዩ።+ 20  ንበዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ። እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ በዅሪ ተበጀዎ።+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። 21  “ሽዱሽተ መዓልቲ ዕየ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፍ።*+ ብግዜ ማሕረስን ዓጺድን እኳ ኣዕርፍ። 22  “ምስ በዅሪ ፍረ ዓጺድ ስርናይ፡ በዓል ሰሙናት ኣብዕል፣ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምእካብ* ኣብዕል።+ 23  “ኵሉ ተባዕታይካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ።+ 24  ከመይሲ፡ ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም፡+ ንሃገርካ ድማ ከግፍሖ እየ፣ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ገጽ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርኢ ኢልካ ኽትድይብ ከለኻ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ንምድርኻ ኣይኪትምነን እዩ። 25  “ደም መስዋእተይ ምስ ብኹዕ ኣይትሰውእ።+ መስዋእቲ በዓል ፋስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።+ 26  “እቲ ዝበለጸ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣምጽእ።+ “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።”+ 27  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ዝኣቱ በዚ ቓላት እዚ እዩ እሞ፡+ ነዚ ቓላት እዚ ጽሓፎ”+ በሎ። 28  ንሱ ድማ ኣብኡ ምስ የሆዋ 40 መዓልትን 40 ለይትን ገበረ። እንጌራ ኣይበልዐን፡ ማይ እውን ኣይሰተየን።+ ንሱ* ኸኣ ኣብተን ጽላት እተን ቃላት ኪዳን፡ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት* ጸሓፈ።+ 29  ሽዑ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ወረደ፣ እተን ክልተ ጽላት ምስክር ድማ ኣብ ኢዱ ነበራ።+ ሙሴ ኻብቲ ኸረን ምስ ወረደ፡ ምስ ኣምላኽ ብምዝራቡ፡ ቈርበት ገጹ የብርህ ከም ዝነበረ ኣይፈለጠን። 30  ኣሮንን ኵሎም እስራኤላውያንን ንሙሴ ምስ ረኣይዎ፡ ቈርበት ገጹ የብርህ ከም ዝነበረ ረኣዩ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።+ 31  ሙሴ ግና ጸውዖም፣ ኣሮንን ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ መጹ፣ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም። 32  ድሕርዚ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብኡ ቐረቡ፣ ንሱ ድማ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ዝሃቦ ትእዛዛት ሃቦም።+ 33  ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ይገብር ነበረ።+ 34  ሙሴ ምስ የሆዋ ንምዝራብ ናብ ቅድሚኡ ምስ ዚኣቱ ግና፡ ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ መጐልበቢ የልግሶ ነበረ።+ ወጺኡ ኸኣ ነቲ እተዋህቦ ትእዛዛት ንእስራኤላውያን ይገልጸሎም ነበረ።+ 35  እስራኤላውያን ድማ ቈርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዜብርህ ረኣዩ፣ ሙሴ ኸኣ ምስ ኣምላኽ* ንምዝራብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ገበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “ፍቕራዊ ለውሃትን።”
ወይ፡ “ተኣማንነትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ተሪር ዝኽሳዱ።”
ወይ፡ “ዘይተፈጥረ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንመቐናቕንቲ ብዘይምጽዋሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “የሆዋ ስሙ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ እዩ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ።”
ወይ፡ “ሰንበት ሓሉ።”
በዓል ዳስ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ።
እዚ ንየሆዋ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ፍ. 1 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ዓሰርተ ቓላት።”
ቃ.ቃ.፡ “ምስኡ።”