ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 3:1-22

ትሕዝቶ

  • ሙሴን እትነድድ ቈጥቋጥን (1-12)

  • የሆዋ ብዛዕባ ስሙ ገለጸ (13-15)

  • የሆዋ ንሙሴ ኣዘዞ (16-22)

3  ሙሴ ድማ መጓሰ ሓሙኡ የትሮ እቲ ኻህን ሚድያን ይጓሲ ነበረ።+ ነተን መጓሰ ናብቲ ናብ ምዕራብ ሸነኽ እቲ በረኻ ኺመርሐን ከሎ፡ ናብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ናብ ሆሬብ መጸ።+  ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ።+ ምስ ጠመተ ኸኣ፡ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዐትን።  ሙሴ ድማ፡ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እዚኣ ስለምንታይ ሞኽ ከም ዘይትብል፡ ነዚ መስተንክር ትርኢት እዚ ኸይደ ኽርኢ” በለ።  የሆዋ ኸኣ፡ ንሱ ኺርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረኣየ፡ ኣምላኽ ካብታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ “ሙሴ፡ ሙሴ” ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ” በለ።  ንሱ ኸኣ፡ “ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ።  “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ይስሃቅን+ ኣምላኽ ያእቆብን+ እየ” ድማ በሎ። ሽዑ፡ ሙሴ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይጥምት ስለ ዝፈርሀ፡ ገጹ ኸወለ።  የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ።+  ካብ ኢድ ግብጻውያን ከናግፎም፡+ ካብታ ምድሪ እቲኣ ኸኣ ናብ ሓንቲ ጽብቕትን ርሕብትን ምድሪ፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ከደይቦም ክወርድ እየ።+  ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣውያት ህዝቢ እስራኤል ናባይ በጺሑ ኣሎ፣ እቲ ግብጻውያን ዚጭቍንዎም ጭቈና እውን ርእየ ኣለኹ።+ 10  ሕጂ ኸኣ ንዓ፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ፣ ንስኻ ድማ ንህዝበይ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም ኢኻ።”+ 11  ሙሴ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘውጽኦምንከ ኣነ መን እየ፧” በሎ። 12  ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከተገልግልዎ* ኢኹም” በለ።+ 13  ሙሴ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ናብ እስራኤላውያን ከይደ፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፡ ‘ስሙ መን እዩ፧’+ እንተ ኢሎምኒ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧” በሎ። 14  ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ”*+ በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንእስራኤላውያን፡ ‘እቲ ክኸውን ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ በሎም” በሎ።+ 15  ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእስራኤላውያን፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ይስሃቅን+ ኣምላኽ ያእቆብን+ ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ በሎም። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፣+ እዚ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ መዘከርታይ እዩ። 16  ሕጂ ኺድ እሞ፡ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ኸምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ተራእዩኒ፡ “ንዓኻትኩም ብርግጽ ኣስተብሂለልኩም፡+ ነቲ ኣብ ግብጺ ዚገብሩኹም ዘለዉ እውን ኣስተብሂለሉ ኣለኹ። 17  ካብቲ ኣብ ኢድ ግብጻውያን ዝበጽሓኩም ጸበባ ኣውጺአ፡+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን+ ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡+ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ ኢለ ኣለኹ” ኸኣ ኢሉኒ።’+ 18  “ቃልካ ኸኣ ብርግጽ ኪሰምዑ እዮም፣+ ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኼድኩም፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን+ ተራኺቡና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ’ በልዎ።+ 19  ንጉስ ግብጺ ብሓያል ኢድ እንተ ዘይተገዲዱ፡ ክትከዱ ኸም ዘይፈቕደልኩም ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ 20  ስለዚ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ንግብጺ ብዅሉ እቲ ኣብኣ ዝገብሮ ዜደንቕ ግብርታት ክወቕዓ እየ፣ ድሕርዚ፡ ኪሰድደኩም እዩ።+ 21  ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ፣ ክትከዱ ኸለኹም ከኣ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይክትከዱን ኢኹም።+ 22  ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን ኣብ ቤታ ኻብ እትነብር ሰበይትን ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ትለምን፣ ነዚ ድማ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣብ ኣዋልድኩምን ግበርዎ፣ ንግብጻውያን ከኣ ክትገፍፍዎም ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከተምልኽዎ።”
ወይ፡ “ከምቲ ዝዀኖ ክኸውን እየ።” ኣብ መ.ጽ. ሀ4 ርአ።