ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 26:1-37

ትሕዝቶ

  • ማሕደር (1-37)

    • ዓለባ ድንኳን (1-14)

    • መቓን ሉሕን ዚስኵዓሉ መቘምን (15-30)

    • መጋረጃን መጋረድን (31-37)

26  “ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብእተገብረ ዓሰርተ ዓለባ ድንኳን፡ ማሕደር+ ግበር። ኣብኡ ድማ ኪሩቤል+ ጥለፈሉ።+  ሓደ ዓለባ ድንኳን 28 እመት* ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ይኹን። ኵሉ እቲ ዓለባታት ድንኳን መጠኑ ማዕረ ይኹን።+  እቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ንሓድሕዱ ይላገብ፣ እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ከኣ ብሓደ ይላገብ።  ኣብ ጥርዚ እቲ ብሓደ እተላገበ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት* ግበር፣ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ወሰናይ እውን ከምኡ ግበር።  ኣብቲ ሓደ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ ግበር፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ኻልኣይ ዓለባ ድንኳን እውን 50 መኸንትቦ ግበር፣ በዚ ኸምዚ ኣብ መላግቦታቱ ኣብ መንጽር ሓድሕዱ ይኸውን።  50 መቘለፊ* ወርቂ ግበር እሞ፡ ነቲ ዓለባታት ድንኳን በቲ መቘለፊታት ብሓደ ኣላግቦ፣ እቲ ማሕደር ከኣ ሓደ ኪኸውን እዩ።+  “ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ዓለባታት ድማ ካብ ጸጕሪ ጤል+ ግበር። 11 ዓለባ ድንኳን ግበር።+  ሓደ ዓለባ ድንኳን 30 እመት ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ይኹን። ኵሉ እቲ 11 ዓለባ ድንኳን መጠኑ ማዕረ ይኹን።  እቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ብሓደ ይላገብ፣ እቲ ዝተረፈ ሽዱሽተ ዓለባ ድንኳን ድማ ብሓደ ይላገብ፣ ነቲ ሻድሻይ ዓለባ ድንኳን ከኣ ኣብ ቅድሚት እቲ ድንኳን ዕጸፎ። 10  ኣብ ጥርዚ እቲ ብሓደ እተላገበ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ ግበር፣ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ዓለባ ድንኳን ድማ 50 መኸንትቦ ግበር። 11  50 መቘለፊ ነሓሲ ግበር እሞ፡ ነቲ መቘለፊታት ኣብቲ መኸንትቦታት ኣእቲኻ ነቲ ድንኳን ኣላግቦ፣ ሓደ ኸኣ ኪኸውን እዩ። 12  እቲ ዚተርፍ ክፋል እቲ ዓለባታት ድንኳን ይጀርብብ። ፍርቂ እቲ ዚተርፍ ክፋል እቲ ዓለባ ድንኳን፡ ብድሕሪት እቲ ማሕደር ይጀርብብ። 13  እቲ ዚተርፍ ንውሓት እቲ ዓለባታት፡ ምእንቲ ኺሽፍኖስ ብኽልተ ጐድኒ እቲ ማሕደር ሓሓደ እመት ይጀርብብ። 14  “ብቐይሕ ካብ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል እውን ነቲ ድንኳን መኽደኒ ግበረሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ካብ ቈራብቲ ታሓሽ* መኽደኒ ግበረሉ።+ 15  “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ደው ዚብል+ መቓናት ሉሕ+ ግበር። 16  ቍመት ሓደ መቓን ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። 17  ኣብ ሓደ መቓን ሉሕ ንሓድሕዱ እተላገበ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፍ* ኣሎ። ንዅሉ መቓናት ሉሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ግበሮ። 18  ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ 20 መቓን ሉሕ ግበረሉ። 19  “ኣብ ትሕቲ እቲ 20 መቓን ሉሕ ድማ፡ ካብ ብሩር 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ግበር፦+ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ነቲ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፉ ዚኸውን ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ ከኣ ነቲ ኸክልተ ተሰኳዒ ጫፍ ዚኸውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይኹን።+ 20  በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ብሰሜናዊ ሸነኽ፡ 20 መቓን ሉሕ ግበር። 21  ካብ ብሩር ድማ 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ግበር፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ እውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይኹን። 22  ነቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ሸነኽ ድሕሪት እቲ ማሕደር፡ ሽዱሽተ መቓን ሉሕ ግበር።+ 23  ንኽልተ ዓንዲ መኣዝን ድሕሪት እቲ ማሕደር ዚኸውን ክልተ መቓን ሉሕ ግበር። 24  ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኽሳብ ላዕሊ፡ ክሳብ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ድርብ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን፣ እዚ ኸኣ ክልተ ዓንዲ መኣዝን ይኸውን። 25  ሸሞንተ መቓን ሉሕን ካብ ብሩር ከኣ 16 ዚስኵዓሉ መቘምን፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ፡ ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ እውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይኹን። 26  “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ተገዳም ግበር፣ ነቲ ብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ሓሙሽተ፡+ 27  ነቲ ብኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ከኣ ሓሙሽተ ተገዳም፡ ነቲ ብሸነኽ ድሕሪት ብምዕራብ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ድማ ሓሙሽተ ተገዳም ግበር። 28  እቲ ኣብ ማእከል እቲ መቓናት ሉሕ ዘሎ ማእከላይ ተገዳም፡ ካብ ወሰን ክሳብ ወሰን ይብጻሕ። 29  “ነቲ መቓናት ሉሕ ብወርቂ ለብጦ፣+ ነቲ ተገዳማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ኸኣ ብወርቂ ግበሮ፣ ነቲ ተገዳማት እውን ብወርቂ ለብጦ። 30  ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኣኻዮ ውጥኑ ጌርካ ትኸሎ።+ 31  “ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን፡ መጋረጃ+ ግበር። ኪሩቤል እተጠልፉሉ ዀይኑ ይገበር። 32  ኣብቲ ብወርቂ እተለበጠ ኣርባዕተ ዓንዲ ሰራው ስቐሎ። እቲ ዓንቃሪቦታቱ ኻብ ወርቂ ይኹን። እቲ ኣዕኑድ ከኣ ካብ ብሩር ኣብ እተገብረ ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይቑም። 33  ነቲ መጋረጃ ኣብ ትሕቲ እቲ መቘለፊታት ስቐሎ፣ ነቲ ታቦት ምስክር+ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ መንጎ ቕድስትን+ ቅድስተ ቕዱሳንን+ ይፍለየልኩም። 34  ነቲ መኽደኒ ድማ ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ምስክር ግበሮ። 35  “ነቲ ሰደቓ ኣብ ወጻኢ እቲ መጋረጃ ኣንብሮ፣ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ከኣ ኣብ መንጽር እቲ ሰደቓ፡ ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ይኹን፣ ነቲ ሰደቓ ድማ ብሸነኽ ሰሜኑ ኣንብሮ። 36  ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብሓደ ብምእላም፡ መጋረዲ* ግበር።+ 37  ነቲ መጋረዲ* ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሰራው ግበረሉ፣ ንዕኡ ድማ ብወርቂ ለብጦ። እቲ ዓንቃሪቦታቱ ኻብ ወርቂ ይኹን፣ ካብ ነሓሲ ኸኣ ሓሙሽተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ብፍሲ ግበረሉ።

እግረ ጽሑፍ

ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
መኸንትቦ፡ ከም ቅርጺ ቐለቤት ኰይኑ እተዓጽፈ ነገር እዩ።
መቘለፊ ተባሂሉ ዘሎ፡ ብኽልቲኡ መኸንትቦታት ሓሊፉ ዚቝልፍ ወይ ዚኣስር እዩ።
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ወይ፡ “ቐዋሚ ዓንዲ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መጋረጃ።”
ወይ፡ “መጋረጃ።”