ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 25:1-40

ትሕዝቶ

  • መባእ እቲ ማሕደር (1-9)

  • ታቦት (10-22)

  • ሰደቓ (23-30)

  • ቀዋሚ ቐንዴል (31-40)

25  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦  “ንህዝቢ እስራኤል መባእ ከምጽኡለይ ንገሮም፣ ልቡ ኻብ ዝደረኾ ዘበለ ዅሉ፡ መባእ ኣምጽኡለይ።+  እቲ ኻባታቶም እትቕበልዎ መባእ እዚ እዩ፦ ወርቂ፡+ ብሩር፡+ ነሓሲ፡+  ሰማያዊ ፈትሊ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ፡* ውጹእ ቀይሕ ፈትሊ፡ ቅጭን በፍታ፡ ጸጕሪ ጤል፡  ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል፡ ቈራብቲ ታሓሽ፡* ዕንጨይቲ ሰራው፡+  ንቐንዴል ዚኸውን ዘይቲ፡+ ንዘይቲ ቕብኣትን+ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ዚኸውን በለሳን፡  ኣብ ኤፎድን+ ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን+ ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን።  ንዓይ ከኣ መቕደስ ይግበሩለይ፣ ኣነ ድማ ኣብ መንጎኦም ክነብር* እየ።+  ልክዕ ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ዘለኹ ምስሊ* ጌርኩም ነቲ ማሕደርን ንዅሉ እቲ ኣቕሑኡን ግበርዎ።+ 10  “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ታቦት* ይግበሩ፣ ንውሓቱ ኽልተ እመትን* ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ቍመቱ ድማ እመትን ፈረቓን ይኹን።+ 11  ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦ።+ ውሽጡን ግዳሙን ለብጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ።+ 12  ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ብፍሲ ሰሪሕካ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርባዕተ እግሩ፡ ማለት ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ በቲ ኻልኣይ ሸነኹ ኣላግቦ። 13  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ዘንግታት ግበር እሞ፡ ብወርቂ ለብጦ።+ 14  እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ ዘንግታት ናብቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእትዎ። 15  እቲ ዘንግታት ኣብቲ ቐላብቲ እቲ ታቦት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ።+ 16  ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።+ 17  “ካብ ጽሩይ ወርቂ መኽደኒ ግበር፣ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።+ 18  ካብ ወርቂ ድማ ክልተ ኪሩቤል ግበር፣ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ብሞደሻ ቐጥቂጥካ ግበሮም።+ 19  ነቶም ኪሩቤል ኣብ ክልቲኡ ወሰን፡ ማለት እቲ ሓደ ኪሩብ በቲ ሓደ ወሰን፡ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ በቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። 20  እቶም ኪሩቤል ከኣ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም የጽልልዎ፣+ ፊት ንፊት ድማ ይኹኑ። ገጾም ከኣ ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ይኹን። 21  ነቲ መኽደኒ+ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኣንብሮ፣ ኣብቲ ታቦት ከኣ ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣንብር። 22  ኣብኡ ኣነ ኽግለጸልካ፡ ካብ ልዕሊ እቲ መኽደኒ ድማ ምሳኻ ኽዛረብ እየ።+ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፡ ኵሉ እቲ ንእስራኤላውያን ዝእዝዘካ ነገር ከፍልጠካ እየ። 23  “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እውን ሰደቓ ግበር፣+ ንውሓቱ ኽልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።+ 24  ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፣ ብዙርያኡ ድማ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ። 25  ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ዝግፍሑ ጥርዚ ግበረሉ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ። 26  ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ጌርካ፡ ነቲ ቐላብቲ ኣብቲ እቲ ኣርባዕተ እግሪ ዚጋጠመሉ ኣርባዕተ መኣዝን ግበሮ። 27  እቲ ቐላብቲ፡ ንምጻር እቲ ሰደቓ ዚኸውን ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ጥርዚ ይኹን። 28  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ግበር እሞ፡ ብወርቂ ለብጦ፣ እቲ ሰደቓ ድማ ብእኡ ይጸወር። 29  “መስዋእቲ መስተ ዜፍስሱሉ ጻሕልታቱን ጽዋኣቱን ዕትሮታቱን ጭሔሎታቱን እውን ግበር። ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበሮ።+ 30  ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወትሩ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ኣንብር።+ 31  “ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ቀዋሚ ቐንዴል+ ግበር። እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ይገበር። መቘሚኡን ጕንዱን ጨናፍሩን ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ከኣ ብሓደ እተገብረ ይኹን።+ 32  ካብ ጐድንታት እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ሽዱሽተ ጨንፈር ይዘርጋሕ፣ ማለት ሰለስተ ጨንፈር ካብቲ ሓደ ጐድኑ፡ ሰለስተ ጨንፈር ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ጐድኑ ይዘርጋሕ። 33  ኣብ ሓደ ጕጅለ ጨናፍር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ጕጅለ ጨናፍር ድማ፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ ይገበር። በዚ ኸምዚ እቲ ሽዱሽተ ጨንፈር ካብቲ ጕንዲ ቐዋሚ ቐንዴል ይዘርጋሕ። 34  ኣብቲ ጕንዲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ ይገበር። 35  ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብቲ ጕንዲ ዚወጽእ ቀዳማይ ክልተ ጨንፈር ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር እውን ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኰታስ ካብቲ ጕንዲ ንዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበር። 36  እቲ ኸበብትን እቲ ጨናፍርን ብምሉኡ እቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ብሓደ እተገብረ ይኹን።+ 37  ሸውዓተ ቐንዴል ግበረሉ፣ እቲ ቐነዲል ምስ በርሀ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ኼብርህ እዩ።+ 38  እቲ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን እቲ ናቱ መትሓዚታት ሓውን ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን።+ 39  ምስ ኵሉ እዚ ኣቕሑ እዚ፡ ካብ ሓደ ታለንት* ጽሩይ ወርቂ ይገበር። 40  ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ* ጌርካ ኸኣ ተጠንቂቕካ ግበሮ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቀይሕ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ።”
ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።
ወይ፡ “ክሓድር።”
ወይ፡ “ንድፊ።”
ወይ፡ “ሳጹን።”
ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ስልማት።”
ወይ፡ “ስልማት።”
ኣስታት 7.4 ሰ.ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ስልማት።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ንድፍታቱ።”