ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 21:1-36

ትሕዝቶ

  • ንእስራኤላውያን እተዋህበ ፍርድታት (1-36)

    • ብዛዕባ እብራውያን ባሮት (2-11)

    • ኣብ ብጻይካ ብዛዕባ ዚፍጸም ዓመጻ (12-27)

    • ብዛዕባ እንስሳታት (28-36)

21  “እቲ እተመሓላልፈሎም ፍርድታት እዚ እዩ፦+  “እብራዊ ባርያ እንተ ዓዲግካ፡+ ሽዱሽተ ዓመት ባርያኻ ይኹን፣ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውጻእ።+  በይኑ ዝመጸ እንተ ዀይኑ፡ በይኑ ይውጻእ። ብዓል ሰበይቲ እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱ ምስኡ ትውጻእ።  ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሂብዎ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወሊዳትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኹኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ።+  ግናኸ፡ እቲ ባርያ፡ ‘ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ እየ፣ ሓራ ኽወጽእ ኣይደልን እየ’ እንተ ኢሉ፡+  ጐይታኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የምጽኣዮ። ጐይታኡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸኣ፡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፣ ንሱ ድማ ንሓዋሩ ባርያኡ ይኹን።  “ሰብ፡ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸይጡ፡ ንሳ ኸምቲ ተባዕታይ ባርያ ሓራ ዚወጸሉ መገዲ ሓራ ኣይትውጻእ።  ጐይታኣ ብእኣ ባህ እንተ ዘይኢልዎ፡ ሰበይቲ ወሰኑ እውን እንተ ዘይገይርዋ፡ ብኻልእ ከም እትዕደግ* ግና እንተ ገይሩ፡ ጠሊምዋ እዩ እሞ፡ ንጓና ኺሸጣ ኣይግብኦን እዩ።  ንወዱ እንተ ሓርይዋ፡ ንጓል ዚግባእ ይግበረላ። 10  ንርእሱ ኻልእ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ነዛ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ቐለባን ክዳናን ናይ መውስቦ ግቡኣን+ ኣየጕድለላ። 11  እዚ ሰለስተ ነገር እዚ ዘይገብረላ እንተ ዀይኑ ግና፡ ብዘይ ክፍሊት ገንዘብ ሓራ ትውጻእ። 12  “ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ፡ ይቀተል።+ 13  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝፈቐደ ደኣ እምበር፡ ንሱ ብዘይፍላጥ እንተ ገይርዎ ግና፡ ዚሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።+ 14  ሰብ ንብጻዩ ኣዝዩ እንተ ተቘጢዕዎ እሞ፡ ብፍላጥ እንተ ቐቲልዎ፡+ ዋላ እውን ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ እሞ፡ ይቀተል።+ 15  ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዝወቕዐ፡ ይቀተል።+ 16  “ንሰብ ጨውዩ+ ዝሸጠ ወይ ሒዝዎ ኸሎ እተረኽበ፡+ ይቀተል።+ 17  “ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዚረግም፡ ይቀተል።+ 18  “ሰባት እንተ ተባኢሶም፡ እቲ ሓደ ኸኣ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ብጕስጢ* እንተ ወቒዕዎ እሞ፡ እንተ ዘይሞይቱ፡ ግናኸ ኣብ ዓራት እንተ ደቂሱ፡ ከምዚ ይኹን፦ 19  በትሪ ተመርኲሱ እንተ ተንሲኡን ኣብ ግዳም ኪዛወር እንተ ኽኢሉን፡ ሽዑ እቲ ዝወቕዖ ኻብ መቕጻዕቲ ሓራ ይወጽእ። ነቲ እቲ እተጐድአ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሓዊ ኻብ ስራሕ ዝበዀሮ እዋን ጥራይ ይኽሓስ። 20  “ሰብ ንግዙኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ እንተ ወቒዑ እሞ ብኢዱ እንተ ሞይቱ፡ ሕነ ይፈደ።+ 21  ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ጸኒሑ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ፡ ሕነ ኣይፈደ። 22  “ሰባት እንተ ተባኢሶም፡ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸኣ እንተ ጐዲኦም፡ ንሳ ድማ ቅድሚ እዋና እንተ ወሊዳ፡*+ ካልእ ጕድኣት ግና እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ በዳሊ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝመደበሉ ኻሕሳ ይኽሓስ፣ ብፈራዶ ኣቢሉ እውን ይኽፈል።+ 23  ጕድኣት እንተ ዀይኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት* ሃብ፣+ 24  ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፣ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፣ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ፣+ 25  ኣብ ክንዲ ንዳድ፡ ንዳድ፣ ኣብ ክንዲ መውቃዕቲ፡ መውቃዕቲ ሃብ። 26  “ሰብ ዓይኒ ግዙኡ ወይ ዓይኒ ግዝእቱ ወቒዑ እንተ ኣጥፊኡ፡ ካሕሳ ዓይኑ ነቲ ግዙእ ሓራ የውጽኣዮ።+ 27  ስኒ ግዙኡ ወይ ስኒ ግዝእቱ እንተ ሰይሩ ኸኣ፡ ካሕሳ ስኑ ሓራ የውጽኣዮ። 28  “ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቀተል፡+ ስጋኡ እውን ኣይበላዕ፣ እቲ ብዓል ብዕራይ ግና ካብ መቕጻዕቲ ናጻ እዩ። 29  ግናኸ፡ እቲ ብዕራይ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ እሞ፡ ንዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ኸለዉ እንተ ዘይሓልይዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ድማ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቀተል፡ እቲ ዋናኡ እውን ይቀተል። 30  ጋር* ኪኸፍል እንተ ተመዲቡሉ፡ ዋጋ ጋር ነፍሱ* ዅሉ እቲ እተመደበሉ ይሃብ። 31  ንወዲ ወይ ንጓል እንተ ወጊኡ፡ ኣብቲ ብዓል ብዕራይ ከምዚ ፍርዲ እዚ ይገበር። 32  እቲ ብዕራይ ንግዙእ ወይ ንግዝእቲ እንተ ወጊኡ፡ ንጐይታ እቲ ውጉእ 30 ሲቃል* ይሃቦ፣ እቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቀተል። 33  “ሰብ ጕድጓድ እንተ ኸፊቱ ወይ እንተ ዅዒቱ እሞ፡ እንተ ዘይከዲንዎ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወዲቑ፡ 34  እቲ ብዓል ጕድጓድ ይኽሓስ።+ ነቲ ዋናኡ ይኽሓሶ እሞ፡ እቲ ምዉት እንስሳ ናቱ ይኹን። 35  ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐቲሉ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ፣ ነቲ ምዉት እንስሳ እውን ይማቐልዎ። 36  እቲ ብዕራይ ተዋጋኢ ምዃኑ ፍሉጥ እንተ ነይሩ እሞ፡ ዋናኡ እንተ ዘይሓልይዎ ግና፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ፡ ብዕራይ ይኽሓስ። እቲ ምዉት ከኣ ናቱ ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “እትብጆ።”
ወይ፡ “ብንዋት” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ደቃ እንተ ወጹ።”
ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ።”
ወይ፡ “በጃ፣ ካሕሳ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።