ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 2:1-25

ትሕዝቶ

  • ሙሴ ተወልደ (1-4)

  • ጓል ፈርኦን ንሙሴ ረዓመቶ (5-10)

  • ሙሴ ናብ ሚድያን ሃደመ፡ ንጺጶራ ድማ ተመርዓዋ (11-22)

  • ኣምላኽ፡ ኣውያት እስራኤላውያን ሰምዐ (23-25)

2  ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ ቤት ሌዊ ንሓንቲ ጓል ሌዊ ተመርዓወ።+  እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ምስ ረኣየት፡ ሰለስተ ወርሒ ሓብኣቶ።+  ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡+ ሳጹን ጳጲሮስ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፣ ነቲ ሕጻን ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ዘሎ ሻምብቆታት ኣንበረቶ።  ሓብቱ+ ኸኣ እንታይ ከም ዚኸውን ክትርኢ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።  ጓል ፈርኦን ድማ ኣብ ኒል ክትሕጸብ ወረደት፣ ኣግራዳ ድማ ኣብ ገምገመ ገምገም ኒል ይዛወራ ነበራ። ኣብ መንጎ እቲ ሻምብቆታት ከኣ ነቲ ሳጹን ረኣየቶ። ብኡብኡ፡ ከተምጽኦ ኢላ ንባርያኣ ለኣኸታ።+  ምስ ከፈተቶ፡ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፣ እቲ ቘልዓ ድማ ይበኪ ነበረ። ራሕርሐትሉ፣ “እዚ ኻብ ሕጻናት እብራውያን እዩ” ኸኣ በለት።  ሓብቱ ኸኣ ንጓል ፈርኦን፡ “ካብ እብራውያን ነዚ ሕጻን እዚ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧” በለታ።  ጓል ፈርኦን ድማ፡ “ኪዲ” በለታ። ብኡብኡ፡ እታ ጓል ከይዳ፡ ንኣደ እቲ ሕጻን ጸውዓታ።+  ጓል ፈርኦን ከኣ፡ “ነዚ ሕጻን እዚ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፣ ኣነ ድማ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ። 10  እቲ ሕጻን ምስ ዓበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦን ኣምጽኣቶ፣ ወዳ ድማ ኰነ።+ “ካብ ማይ ስለ ዘውጻእክዎ” ኢላ ስሙ ሙሴ* ኣውጽኣትሉ።+ 11  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ሙሴ ምስ ዓበየ፡* ነቲ ብርቱዕ ሽቕለቶም* ኪርኢ ናብ ኣሕዋቱ ወጸ።+ ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እብራዊ፡ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ፡ ኪወቕዖ ድማ ረኣየ። 12  ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሓብኦ።+ 13  በታ እትቕጽል መዓልቲ ድማ ወጸ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ከኣ ይብኣሱ ነበሩ። ነቲ ዝዓመጸ፡ “ስለምንታይ ንብጻይካ እትወቕዖ፧” በሎ።+ 14  ንሱ ድማ፡ “መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ደሊኻ፧” በሎ።+ ሽዑ፡ ሙሴ ፈርሀ፡ “እዚ ነገር እዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ” ድማ በለ። 15  ፈርኦን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ፈርኦን ሃዲሙ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ኪቕመጥ ከደ፣+ ኣብ ጥቓ ዒላ ኸኣ ኮፍ በለ። 16  ካህን ሚድያን+ ድማ ሸውዓተ ኣዋልድ ነበራኦ፣ ንሳተን ከኣ መጺአን ንመጓሰ ኣቦአን ኬስትያ ኢለን፡ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። 17  ጓሶት ግና ከም ልማዶም መጺኦም ሰጐጕወን። ሽዑ፡ ሙሴ ተንሲኡ ረድአን፡* መጓሰአን እውን ኣስተየ። 18  ናብ ኣቦአን ረዑኤል*+ ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፡ “ሎሚ ደኣ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፧” በለን። 19  ንሳተን ድማ፡ “ሓደ ግብጻዊ+ ኻብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣናጊፉና፡ ማይ ቀዲሑ እውን ንኣባጊዕና ኣስትዩልና” በላኦ። 20  ንሱ ኸኣ ንኣዋልዱ፡ “ኣበይ ደኣ ኣሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብኣይ ሓዲግክናኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ” በለን። 21  ድሕርዚ፡ ሙሴ ምስቲ ሰብኣይ ኪቕመጥ ፈተወ፣ ንሱ ኸኣ ጺጶራ+ ጓሉ ሰበይቱ ኽትኰኖ ንሙሴ ሃቦ። 22  ወዲ ድማ ወለደት፣ “ኣብ ምድሪ ጓና፡ ጓና ዀይነ”+ ኢሉ ስሙ ጌርሾም*+ ኣውጽኣሉ። 23  ድሕሪ ብዙሕ እዋን፡* ንጉስ ግብጺ ሞተ።+ እስራኤላውያን ግና ብሰንኪ ባርነቶም እህህ ይብሉን ይጭርሑን ነበሩ፣ እቲ ብሰንኪ ባርነቶም ዜእውይዎ ኣውያት ድማ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ።+ 24  ኣምላኽ ከኣ ቍዝማኦም ሰምዐ፣+ ኣምላኽ ድማ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ።+ 25  ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ እስራኤላውያን ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ኣስተብሃለ።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ዝወጸ፣ ውጻእ፡” ማለት፡ ካብ ማይ ዝወጸ።
ወይ፡ “እናበርትዐ ምስ ከደ።”
ወይ፡ “ጾሮም።”
ወይ፡ “ተኸላኸለለን።”
ማለት፡ የትሮ።
ትርጉሙ፡ “ኣብኡ ጓና።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”