ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 19:1-25

ትሕዝቶ

  • ኣብ ከረን ሲና (1-25)

    • ‘መንግስቲ ኻህናት ክትኰኑኒ ኢኹም’ (5, 6)

    • እቶም ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪራኸቡ ተቐደሱ (14, 15)

19  እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ።  ካብ ረፊዲም+ ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፣ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩ። እስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈረ።+  ሽዑ፡ ሙሴ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ፣ የሆዋ ኸኣ ካብቲ ኸረን+ ጸውዖ እሞ ኸምዚ በሎ፦ “ንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎም፡ ንእስራኤላውያን ከኣ ንገሮም፦  ‘ብኣኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ምእንቲ ኸምጽኣኩም፡+ ንግብጻውያን እንታይ ከም ዝገበርክዎም+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።  ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም፡ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡+ ካብ ኵሎም ህዝብታት ንስኻትኩም ብርግጽ ፍሉይ ጥሪተይ* ክትኰኑ ኢኹም።+  መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ድማ ክትኰኑኒ ኢኹም።’+ ንእስራኤላውያን እትዛረቦም ዘረባ እዚ እዩ።”  ሙሴ ድማ ከይዱ ንዓበይቲ እቲ ህዝቢ ጸውዖም፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ቓላት ድማ ነገሮም።+  ድሕርዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ብሓደ ዀይኖም፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ንገብር” ኢሎም መለሱ።+ ብኡብኡ፡ ሙሴ ንምላሽ እቲ ህዝቢ ናብ የሆዋ ኣብጽሖ።  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ክዛረበካ ኸለኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ ንሓዋሩ ድማ ብኣኻ እውን ምእንቲ ኺኣምኑስ፡ እንሆ፡ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጸካ እየ” በሎ። ሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ነገሮ። 10  ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፣ ሎምን ጽባሕን ከኣ ቀድሶም፣ ክዳውንቶም ድማ ይሕጸቡ። 11  ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺወርድ እዩ እሞ፡ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ። 12  ብዙርያ እቲ ኸረን ድማ ነቶም ህዝቢ ዶብ ግበረሎም፣ ከምዚ ኢልካ ኸኣ ንገሮም፦ ‘ናብቲ ኸረን ከይትድይቡ ወይ ነቲ ዶቡ ኸይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከዮ ዘበለ ብርግጽ ኪመውት እዩ። 13  ነቲ በዳሊ ሓንቲ ኢድ እኳ ኣይትተንክዮ፣ የግዳስ፡ ብዳርባ እምኒ ወይ ብውርወራ* ይሙት። እንስሳ ይኹን ወይ ሰብ፡ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ።’+ ደሃይ መለኸት ቀርኒ ድዑል+ ምስ ሰምዑ ግና፡ ናብቲ ኸረን ኪድይቡ ይኽእሉ እዮም።” 14  ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፣ ንሳቶም እውን ክዳውንቶም ሓጸቡ።+ 15  ነቶም ህዝቢ ድማ፡ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ። ካብ ጾታዊ ርክብ ተሓረሙ”* በሎም። 16  ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ንግሆ፡ ነጐዳን በርቅን ኰነ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸረን ድማ ከቢድ ደበናን+ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትን ኰነ፣ ኵሎም እቶም ኣብ ሰፈር ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ራዕራዕ በሉ።+ 17  ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ፣ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ደው በሉ። 18  የሆዋ ብሓዊ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝወረደ፡+ ኵሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ፣ ትኩ ድማ ከም ትኪ እቶን ይዓርግ ነበረ፣ ብዘሎ እቲ ኸረን ከኣ ኣዝዩ የንቀጥቅጥ ነበረ።+ 19  እቲ ደሃይ መለኸት እናበርትዐ ምስ ከደ፡ ሙሴ ተዛረበ፡ ድምጺ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን መለሰሉ። 20  የሆዋ ድማ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና፡ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደ። ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖ፡ ሙሴ ኸኣ ደየበ።+ 21  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ውረድ እሞ ነቶም ህዝቢ ንየሆዋ ኺርእዩ ኢሎም ከይጥሕሱ ኣጠንቅቆም፡ እንተ ዘይኰነስ ብዙሓት ካባታቶም ኪሞቱ እዮም። 22  እቶም ናብ የሆዋ ዚቐርቡ ኻህናት ድማ፡ የሆዋ ምእንቲ ኸይወቕዖም፡ ገዛእ ርእሶም ይቐድሱ” በሎ።+ 23  ሙሴ ኸኣ ንየሆዋ፡ “‘ኣብ ዙርያ እቲ ኸረን ዶብ ግበርን ቀድሶን’ ኢልካ ስለ ዘጠንቀቕካና፡+ እቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺድይቡ ኣይክእሉን እዮም” በሎ። 24  የሆዋ ግና፡ “ኪድ ውረድ እሞ፡ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካ ተመሊስካ ደይብ፣ እቶም ካህናትን እቶም ህዝብን ግና ከይወቕዖምሲ፡ ናብ የሆዋ ኺድይቡ ኣይጥሓሱ” በሎ።+ 25  ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዘኽብሮ ገንዘበይ።”
ምናልባት ፍላጻ ብምውርዋር።
ቃ.ቃ.፡ “ናብ ሰበይቲ ኣይትቕረቡ።”