ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 18:1-27

ትሕዝቶ

  • የትሮን ጺጶራን መጹ (1-12)

  • የትሮ ፈራዶ ኺሽየሙ ምኽሪ ሃበ (13-27)

18  የትሮ እቲ ኻህን ሚድያን፡ ሓሙ ሙሴ፡+ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም፡ ማለት የሆዋ ንእስራኤል ከመይ ገይሩ ኻብ ግብጺ ኸም ዘውጽኦ፡ ሰምዐ።+  የትሮ ሓሙ ሙሴ ነታ ናብኡ ተመሊሳ ዝነበረት ጺጶራ ሰበይቲ ሙሴ ወሰዳ፡  ንኽልቲኦም ደቃ እውን ምስኣ ወሰዶም።+ ሙሴ ኸኣ፡ “ኣብ ምድሪ ጓና፡ ጓና ዀይነ” ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም*+ ተባህለ፣  “እቲ ኻብ ሰይፊ ፈርኦን ዘናገፈኒ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ እዩ” ኢሉ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ኤልዔዘር* ተባህለ።+  የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ንደቂ ሙሴን ንሰበይቱን ሒዙሉ ናብ ሙሴ ናብቲ ኣብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚርከብ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ መጸ።+  ንሙሴ ድማ፡ “ኣነ የትሮ ሓሙኻ፡+ ሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመጽእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ።  ብኡብኡ፡ ሙሴ ንሓሙኡ ኪቕበሎ ወጸ፣ ሰገደሉን ሰዓሞን ከኣ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ደሓን እንተ ኣለዉ ተሓታተቱ፣ ሽዑ፡ ናብ ድንኳን ኣተዉ።  ሙሴ ኸኣ ንሓሙኡ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ንፈርኦንን ንግብጽን ዝገበሮ ነገርን+ ኵሉ እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ሽግርን+ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘናገፎምን ነገሮ።  የትሮ ድማ በቲ የሆዋ ንእስራኤል ካብ ግብጺ* ብምንጋፍ ዝገበሮ ዅሉ ሰናይ ነገር ተሓጐሰ። 10  የትሮ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ ግብጽን ካብ ፈርኦንን ዘናገፈኩም፡ እቲ ነዚ ህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጺ ዘናገፈ የሆዋ ይወደስ። 11  ብምኽንያት እቲ ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዚዕበዩ ዝገበሮ ነገር፡ የሆዋ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዚዓቢ፡ ሕጂ ፈሊጠ” በለ።+ 12  ሽዑ፡ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንኣምላኽ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣምጽአ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ። 13  ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ኸም ልማዱ ነቲ ህዝቢ ኺፈርድ ተቐመጠ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኢሉ ነበረ። 14  ሓሙ ሙሴ ንዅሉ እቲ ነቲ ህዝቢ ዚገብሮ ምስ ረኣየ፡ “እዚ ነዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በይንኻ ኣብዚ ኾፍ እትብል፧” በሎ። 15  ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ “እቲ ህዝቢ ንኣምላኽ ኪሓትት ናባይ ስለ ዚመጽእ እየ። 16  ነገር ምስ ዚልዓል ከኣ፡ ናባይ ይመጽእ፣ ኣነ ድማ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ውሳነታት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ሕግታቱን ከኣ እነግሮም” በሎ።+ 17  ሓሙ ሙሴ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እዚ እትገብሮ ዘለኻ፡ ጽቡቕ ኣይኰነን። 18  እዚ ንዓኻ ኣዝዩ ኸቢድ ጾር እዩ፡ ንስኻ በይንኻ እውን ክትስከሞ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ንርእስኻን ነዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብርግጽ ከተድክም ኢኻ። 19  ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ ስምዓኒ፡ ኣምላኽ ከኣ ምሳኻ ኪኸውን እዩ።+ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ወኪል ህዝቢ ኹን፣+ እቲ ነገሮም ድማ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣቕርብ።+ 20  ስርዓታትን ሕግታትን እንታይ ምዃኑ ኣጠንቅቆም፣+ ኪኸዱላ ዚግባእ መገድን ኪገብርዎ ዘለዎም ግብርን ከኣ ኣፍልጦም። 21  ካብ ህዝቢ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርሁ፡ እሙናት፡ ረብሓ ሸፈጥ ዚጸልኡ፡+ ክኢላታት ሰባት ሕረ፣+ ንዓታቶም ከኣ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም።+ 22  ነገር ኪልዓል ከሎ፡* ንሳቶም ንህዝቢ ይፍረዱ፣ ኵሉ ዓብዪ ነገር ከኣ ናባኻ የምጽኡ፣+ ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረዱ። ነቲ ጾር ምሳኻ ኸም ዚጾሩ ብምግባር፡ ንርእስኻ ኣፍኵሰላ።+ 23  እዚ ነገር እዚ እንተ ጌርካ፡ ኣምላኽ እውን ከምኡ እንተ ኣዚዙካ፡ ነቲ ጾር ምጻሩ ኽትክእል ኢኻ፣ ኵሉ እውን ዓጊቡ ናብ በቦታኡ ይኸይድ።” 24  ብኡብኡ፡ ሙሴ ንሓሙኡ ሰሚዑ፡ ዝበሎ ዅሉ ገበረ። 25  ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ርእስታት ኪዀኑ፡ ኣሕሉቕ ሽሕ፡ ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ ኣሕሉቕ ሓምሳ፡ ኣሕሉቕ ዓሰርተ ገይሩ ሸሞም። 26  ንሳቶም ድማ ነገር ኪልዓል ከሎ፡ ንህዝቢ ፈረዱ። ኣጸጋሚ ነገር ከኣ ናብ ሙሴ የምጽእዎ ነበሩ፣+ ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ፈረዱ። 27  ድሕርዚ፡ ሙሴ ንሓሙኡ ኣሰናበቶ፡+ ንሱ ኸኣ ናብ ምድሩ ኸደ።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ኣብኡ ጓና።”
ትርጉሙ፡ “ኣምላኸይ ረዳኢ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ኢድ ግብጺ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ግዜ።”