ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 17:1-16

ትሕዝቶ

  • ኣብ ሆሬብ ብስእነት ማይ ኣማረሩ (1-4)

  • ካብ ከውሒ ማይ ወጸ (5-7)

  • ኣማሌቃውያን ተዋጊኦም ተሳዕሩ (8-16)

17  ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኤላውያን ከም ትእዛዝ የሆዋ+ ኻብ በረኻ ሲን ነቒሎም፡+ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ።+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን።  እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑ።+ ሙሴ ኸኣ፡ “ስለምንታይ ምሳይ ትቋየቑ ኣለኹም፧ ስለምንታይከ ንየሆዋ ትፍትንዎ ኣለኹም፧” በሎም።+  እቶም ህዝቢ ግና ኣብኡ ማይ ኣዝዮም ጸሚኦም ነበሩ እሞ፡ “ንዓናን ንደቅናን ንማልናን ብጽምኢ ኽትቀትልሲ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደዪብካና፧” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።+  ሙሴ ድማ፡ “ነዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ቍሩብ ጸኒሖም ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ናብ የሆዋ ጠርዐ።  ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ናብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ገለ ኻብ ዓበይቲ እስራኤል ምሳኻ ውሰድ፣ ነታ ንፈለግ ኒል ዝወቓዕካላ በትርኻ+ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካያ ኺድ።  እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ውቕዓዮ፣ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፣ እቶም ህዝቢ እውን ኪሰትይዎ እዮም” በሎ።+ ሙሴ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።  እስራኤላውያን ስለ እተቛየቑን “የሆዋ ኣብ ማእከልና ኣሎዶ የሎን፧” ኢሎም ንየሆዋ ስለ ዝፈተንዎን፡+ ነታ ቦታ እቲኣ ማሳን*+ መሪባን*+ ኢሉ ሰመያ።  ሽዑ፡  ኣማሌቃውያን+  መጺኦም፡ ኣብ ረፊዲም ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+  ሙሴ ድማ ንእያሱ፡+ “ሰብኡት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ጽባሕ፡ በትሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ” በሎ። 10  እያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፣+ ምስ ኣማሌቃውያን ድማ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሑርን+ ከኣ ናብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደየቡ። 11  ሙሴ ኣእዳዉ ኼልዕል ከሎ፡ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፣ ኣእዳዉ ኼውርድ ከሎ ግና፡ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ። 12  ኣእዳው ሙሴ ምስ ረብረባ፡ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩ እሞ፡ ኣብኡ ተቐመጠ። ሽዑ፡ ኣሮንን ሑርን፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ንኣእዳዉ ደገፍወን፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ከኣ ኣእዳዉ ጸንዓ። 13  ስለዚ፡ እያሱ ንኣማሌቅን ንህዝቡን ብሰይፊ ሰዓሮም።+ 14  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ፡ ንእያሱ እውን ድገመሉ፦ ‘ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማያት ፈጺመ ኽድምስሶ እየ’” በሎ።+ 15  ሽዑ፡ ሙሴ መሰውኢ ሰርሐ፡ የሆዋ-ኒሲ* ኢሉ ኸኣ ሰመዮ፣ 16  ከመይሲ፡ “ኢዱ ኣንጻር ዝፋን ያህ ተላዒላ እያ እሞ፡+ የሆዋ ንውሉድ ወለዶ ምስ ኣማሌቅ ኪዋጋእ እዩ” ኢሉ ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ፈተና” እዩ።
ትርጉሙ፡ “ቈየቛ” እዩ።
ትርጉሙ፡ “የሆዋ ሰንደቕ ዕላማይ እዩ።”