ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 16:1-36

ትሕዝቶ

  • እቶም ህዝቢ ብዛዕባ ምግቢ ኣጕረምረሙ (1-3)

  • የሆዋ ነቲ ምጕርምራሞም ሰምዖ (4-12)

  • ብርኒጎታትን ማናን ተዋህቦም (13-21)

  • ሰንበት ማና ኣይነበረን (22-30)

  • ንመዘከርታ ዚኸውን ማና ተቐመጠ (31-36)

16  ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚነቕሉ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ናብታ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ዘላ በረኻ ሲን መጹ።+  ሽዑ፡ ብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።+  እስራኤላውያን ከኣ፡ “ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከለና፡ ብኢድ የሆዋ እንተ ንመውት መን ምሃበ፧+ ሕጂ፡ ነዚ ዅሉ ጉባኤ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብዚ በረኻ ኣውጺእኩምና” ይብልዎም ነበሩ።+  ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማያት እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ፣+ እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚመላለሱ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ምእንቲ ኽፍትኖምሲ፡+ ነፍሲ ወከፎም ወጺኦም ነንመዓልቲ ዚዀኖም ይኣክቡ።+  ግናኸ፡ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ+ ነቲ ዝኣከብዎ ኼዳልዉ ኸለዉ፡ ካብቲ ነንመዓልቲ ዚኣርይዎ ዕጽፊ ይኹን።”+  ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ “እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም የሆዋ ምዃኑ፡ ምሸት ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።+  እቲ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ዘጕረምረምኩምዎ፡ ንሱ ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ንግሆ ኽብሪ የሆዋ ኽትርእዩ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ ንሕና እንታዎት ኢና፧” በልዎም።  ሙሴ ድማ፡ “የሆዋ ምሸት ክትበልዑ ስጋ፡ ንግሆ ኸኣ ክትጸግቡ እንጌራ ኺህበኩም ከሎ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ምጕርምራም ከም ዝሰምዐ ኽትርእዩ ኢኹም። ንሕና ግና እንታዎት ኢና፧ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር፡ ኣብ ልዕሌና ኣይኰነን” በሎም።+  ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ ‘ምጕርምራምኩም ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕረቡ’ በሎም” በሎ።+ 10  ኣሮን ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምስ ተዛረቦም፡ ተጠውዮም ናብቲ በረኻ ገጾም ገበሩ፣ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ የሆዋ ብደበና ተራእየ።+ 11  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12  “ምጕርምራም እስራኤላውያን ሰሚዐ ኣለኹ።+ ‘ጽልግልግ ምስ በለ፡* ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፣ ንግሆ ኸኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም’+ ኢልካ ንገሮም።” 13  ስለዚ፡ በታ ምሸት እቲኣ፡ ብርኒጎታት መጺአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ፣+ ንግሆ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውሊ ዀነ። 14  እቲ ኣውሊ ምስ ሃፈፈ፡ ኣብ ገጽ እቲ በረኻ፡ ኣብ ምድሪ ኸም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ቕርፍቲ ዚመስል ነገር ነበረ።+ 15  እስራኤላውያን ነዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ነበሩ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ “እንታይ እዩ፧” ተባሃሃሉ። ሙሴ ኸኣ፡ “እዚ፡ የሆዋ ኽትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጌራ እዩ።+ 16  የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ ኺበልዖ ዚኽእል ይኣክብ። ነፍሲ ወከፍኩም ከም ቍጽሪ እቲ ኣብ ደድንኳንኩም ዘለዉ ሰባት፡* ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ኦመር*+ ይውሰድ’” በሎም። 17  እስራኤላውያን ከምኡ ገበሩ፣ ኪእክቡ ኸለዉ ድማ፡ ገሊኦም ብዙሕ፡ ገሊኦም ከኣ ሒደት ኣከቡ። 18  ብኦመር ምስ ሰፈርዎ ኸኣ፡ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣይተረፎን፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ እውን ኣይጐደሎን።+ ነፍሲ ወከፎም ከምቲ ኺበልዕዎ ዚኽእሉ ኣከቡ። 19  ሙሴ ድማ፡ “ሓደ እኳ ገለ ኻብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣየትርፍ” በሎም።+ 20  ንሳቶም ግና ንሙሴ ኣይሰምዕዎን። ገሊኦም ሰባት ካብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ምስ ኣትረፉ፡ ሓሰኸን በድበደን፣ ሙሴ ኸኣ ተቘጥዖም። 21  ነፍሲ ወከፎም ንግሆ ንግሆ ኸከምቲ ዚበልዕዎ ይኣርዩ ነበሩ። ጸሓይ ምስ ሞቐት ግና፡ መኸኸ። 22  ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ካብቲ እንጌራ ዕጽፊ፡+ ንነፍሲ ወከፍ ክልተ ኦመር ኣረዩ። ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ ድማ መጺኦም ንሙሴ ነገርዎ። 23  ንሱ ኸኣ፡ “እዚ፡ እቲ የሆዋ ዝበሎ እዩ። ጽባሕ ምሉእ ዕረፍቲ፡* ንየሆዋ ቕድስቲ ሰንበት ክትከውን እያ።+ እትስንክትዎ ሰንክቱ፡ እተብስልዎ እውን ኣብስሉ፣+ ንዝተረፈ ዘበለ ኸኣ ኣንብርዎ፡ ክሳዕ ጽባሕ ድማ ዕቘርዎ” በሎም። 24  ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከኣ፡ ክሳዕ ንጽባሒቱ ኣንበርዎ፣ ንሱ እውን ኣይበድበደን ወይ ኣይሓሰኸን። 25  ሙሴ ድማ፡ “ሎሚ ንየሆዋ ሰንበት እያ እሞ፡ ሎሚ ብልዕዎ። ሎሚ ኣብ ምድሪ ኣይክትረኽብዎን ኢኹም። 26  ሽዱሽተ መዓልቲ ኽትኣርዩ ኢኹም፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ብሰንበት+ ግና፡ ኣይኪርከብን እዩ” በለ። 27  ይኹን እምበር፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ገለ ኻብቶም ህዝቢ ኺኣርዩ ወጹ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸቡን። 28  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕግታተይን ምሕላው ክትኣብዩ፧+ 29  የሆዋ ንሰንበት ሂቡኩም ከም ዘሎ ርኣዩ።+ ስለዚ እዩ ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ ዝሃበኩም። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ቦታኡ ኣይውጻእ።” 30  እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ሰንበት ኣብዓለ።*+ 31  ቤት እስራኤል ድማ ነቲ እንጌራ፡ “ማና”* ኢሎም ሰመይዎ። ከም ፍረ ጻቕዳ ኸኣ ጻዕዳ ነበረ፣ ጣዕሙ ድማ ከም ቅጫ ምስ መዓር ነበረ።+ 32  ሙሴ ኸኣ፡ “የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኣኩም ከለኹ ኣብቲ በረኻ ዝሃብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ሓደ ኦመር ምልኡ’” በለ።+ 33  ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ፍዮ ወሲድካ፡ ናብኣ ሓደ ኦመር ኣእቱ፣ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንብሮ” በሎ።+ 34  ኣሮን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምእንቲ ኺዕቈር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር+ ኣንበሮ። 35  እስራኤላውያን ከኣ ሰብ ናብ ዚነብራ ምድሪ ኽሳዕ ዚመጹ፡+ 40 ዓመት ማና በልዑ።+ ናብ ወሰን ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ማና በልዑ።+ 36  ኦመር ከኣ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ኣስታት 2.2 ሊ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “በዓል ሰንበት።”
ወይ፡ “በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ።”
ምናልባት፡ “እንታይ እዩ፧” ካብ ዚብል ቃላት እብራይስጢ ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል።
ሓደ ኤፋ፡ 22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።