ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 15:1-27

ትሕዝቶ

  • ሙሴን እስራኤላውያንን ዝዘመርዎ መዝሙር ዓወት (1-19)

  • ሚርያም ብመዝሙር መለሰት (20, 21)

  • መሪር ማይ ናብ ጥዑም ተለወጠ (22-27)

15  ሽዑ፡ ሙሴን እስራኤላውያንን ንየሆዋ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፦+ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ።+ ንፈረስን ንተወጣሒኡን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።+   ያህ* ድሕነተይ ስለ ዝዀነ፡ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ።+ እዚ ኣምላኸይ እዩ፡ ክውድሶ እየ፣+ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡+ ልዕል ከብሎ እየ።+   የሆዋ ሓያል ተዋጋኢ እዩ።+ ስሙ የሆዋ እዩ።+   ንሰረገላታት ፈርኦንን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርብይዎም።+ ሕሩያት ተዋጋእቱ ኸኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም።+   ቡሕቡሕታ ማያት ከዲንዎም፣ ከም እምኒ ናብ መዓሙቝ ጥሒሎም።+   ኦ የሆዋ፡ የማነይቲ ኢድካ ብሓይሊ ዓባይ እያ፣+ ኦ የሆዋ፡ የማነይቲ ኢድካ ንጸላኢ ትሕምሽሾ እያ።   ንዚትንስኡኻ ብዓብዪ ግርማኻ ተውድቖም፣+ ዚነድድ ቍጥዓኻ ትሰድድ እሞ፡ ከም ሓሰር ይበልዖም።   ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀሚሮም፣ ወሓይዝ ተገዲቦም ደው ኢሎም፣ ቡሕቡሕታ ማያት ኣብ ማእከል* ባሕሪ ረጊኦም።   ጸላኢ፡ ‘ክስዕቦም እየ! ከርክቦም እየ! ክሳዕ ዝጸግብ፡* ምርኮ ኽመቅል እየ! ሰይፈይ ክመልሕ እየ! ኢደይ ክትስዕሮም እያ!’ ኢሉ።+ 10  ብትንፋስካ ኡፍ ኢልካ፡ ባሕሪ ድማ ከዲንዎም፣+ ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጥሒሎም። 11  ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽትስ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+ ኣታ ብመዝሙር ውዳሰ እትኽበር፡ መስተንክር እትገብር፡+ ብቕድስና ዓብዪ ዝዀንካ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+ 12  የማነይቲ ኢድካ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ኸኣ ውሒጣቶም።+ 13  ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ መሪሕካዮም፣+ ብብርታዐኻ ናብ ቅዱስ መንበሪኻ ኽትመርሖም ኢኻ። 14  ህዝብታት ይስምዑ፡+ ፈጥፈጥ ከኣ ኪብሉ እዮም፣ ንነበርቲ ፍልስጥኤም ቅልውላው ኪሕዞም እዩ። 15  ሽዑ፡ ሹማምንቲ* ኤዶም ኪሽበሩ እዮም፣ ሓያላት ገዛእቲ* ሞኣብ ከኣ ራዕዲ ኺሕዞም እዩ።+ ኵሎም ነበርቲ ከነኣን ኪጃጅዉ እዮም።+ 16  ፍርህን ራዕድን ኪወድቆም እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ህዝቢ+ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡+ ብዕቤት ቅልጽምካ ኸም እምኒ ኺዕነዱ እዮም። 17  ኦ የሆዋ፡ ኣብታ ኽትነብረላ ዘዳሎኻያ ቦታ፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብታ ብኢድካ ዝሰረትካያ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተምጽኦምን ትተኽሎምን።+ 18  የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።+ 19  ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ምስ ኣተዉ፡+ የሆዋ ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መሊስዎ፣+ ህዝቢ እስራኤል ግና ብንቑጽ ምድሪ ብማእከል ባሕሪ ሓሊፎም።”+ 20  ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ፡ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፣ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ሰዓባኣ። 21  ሚርያም ከኣ ከምዚ ኢላ መለሰትሎም፦ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ።+ ንፈረስን ነቲ እተወጥሖን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።”+ 22  ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንቀሎም፣ ናብ በረኻ ሹር ከኣ ከዱ፣ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ፡ ማይ ግና ኣይረኸቡን። 23  ናብ ማራ* ድማ መጹ፡+ ማይ ማራ ግና መሪር ስለ ዝነበረ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ማራ ኢሉ ሰመያ። 24  እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እንታይ ክንሰቲ ኢና፧” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።+ 25  ንሱ ድማ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣+ የሆዋ ኸኣ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮ። ንዓኣ ናብቲ ማይ ምስ ደርበያ ድማ፡ እቲ ማይ ጥዑም ኰነ። ኣብኡ ኸኣ ስርዓትን ሕግን ገበረሎም፣ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም።+ 26  ከምዚ ድማ በለ፦ “ቃል የሆዋ ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዘበለ ኸኣ እንተ ጌርካ፡ ናብ ትእዛዛቱ ድማ ጽን እንተ ኢልካ፡ ኵሉ ስርዓታቱ እውን እንተ ሓሊኻ፡+ ኣነ እቲ ዘሕውየካ የሆዋ እየ እሞ፡+ ናብ ልዕሊ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማማት ኣይከምጽኣልካን እየ።”+ 27  ድሕርዚ፡ ናብ ኤሊም መጹ፣ ኣብኣ ድማ 12 ዓይኒ ማይን 70 ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።

እግረ ጽሑፍ

“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ክሳዕ እትጸግብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሸኻት።” ሸኽ፡ ሹም ነገድ እዩ።
ወይ፡ “መለኽቲ።”
ትርጉሙ፡ “ምረት።”