ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 14:1-31

ትሕዝቶ

  • እስራኤላውያን ኣብ ባሕሪ በጽሑ (1-4)

  • ፈርኦን ደድሕሪ እስራኤላውያን ሰዓበ (5-14)

  • እስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ ሰገሩ (15-25)

  • ግብጻውያን ኣብ ባሕሪ ተደርበዩ (26-28)

  • እስራኤላውያን ብየሆዋ ኣመኑ (29-31)

14  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦  “ንእስራኤላውያን ተመሊሶም ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት፡ ኣብ መንጎ ሚግዶልን እቲ ባሕርን፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ኪሰፍሩ ንገሮም።+ ናብኡ ገጽኩም ጌርኩም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ ስፈሩ።  ፈርኦን ድማ ብዛዕባ እስራኤላውያን፡ ‘ኣብታ ምድሪ ዀለል ይብሉ ኣለዉ። እቲ በረኻ ውሒጥዎም ኣሎ’ ኺብል እዩ።  ኣነ ድማ ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ክሓድጎ እየ፣+ ንሱ ኸኣ ደድሕሪኦም ኪስዕብ እዩ። ኣነ ድማ ብፈርኦንን ብዅሉ ሰራዊቱን ገዛእ ርእሰይ ከኽብር እየ፣+ ግብጻውያን ከኣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”+ ንሳቶም ድማ ከምኡ ገበሩ።  ንንጉስ ግብጺ ኸኣ እቲ ህዝቢ ኸም ዝሃደመ ተነግሮ። ብኡብኡ፡ ፈርኦንን ገላዉኡን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ዝነበሮም ሓሳብ ለወጡ፣+ “እስራኤል ባሮት ኰይኖም ከይግዝኡና ዝሓደግናዮምሲ ስለምንታይ ኢና፧” ድማ በሉ።  ስለዚ፡ ሰረገላታቱ ኣዳለወ፡ ህዝቡ እውን ምስኡ ወሰደ።+  600 ሕሩያት ሰረገላታትን ኵለን ካልኦት ሰረገላታት ግብጽን፡ ኣብ ኵለን ከኣ ተዋጋእቲ ወሰደ።  በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንልቢ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኺተርር ሓደጎ፣ ንሱ ድማ እስራኤላውያን ብምትእምማን* ኪወጹ ኸለዉ፡ ደድሕሪ እስራኤላውያን ሰዓበ።+  ግብጻውያን ከኣ ደድሕሪኦም ሰዓቡ፣+ ንሳቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ፡ ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ሰፊሮም ከለዉ፡ ኵሎም ኣፍራስ ሰረገላታት ፈርኦንን ፈረሰኛታቱን ሰራዊቱን ኣርከብዎም። 10  ፈርኦን ምስ ቀረበ፡ እስራኤላውያን ኣዒንቶም ኣልዒሎም ንግብጻውያን ደድሕሪኦም ኪስዕቡ ረኣይዎም። እስራኤላውያን ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ ተማህለሉ።+ 11  ንሙሴ ድማ፡ “ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዘውጻእካናስ፡ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ፧+ ካብ ግብጺ መሪሕካ ብምውጻእካስ፡ እንታይ ኢኻ ዝገበርካና፧ 12  ኣብ ግብጺ ኸለና፡ ‘ንግብጻውያን ክንግዝኦም ሕደገና’ ኢልናካዶ ኣይነበርናን፧ ኣብዚ በረኻ ኻብ እንመውትሲ፡ ንግብጻውያን ክንግዝኦም ይሕሸና” በልዎ።+ 13  ሽዑ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣይትፍርሁ።+ ጸኒዕኩም ቁሙ፡ ነቲ የሆዋ ሎሚ ዚገብረልኩም ድሕነት ከኣ ርኣዩ።+ እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያንሲ፡ ደጊም መሊስኩም ንሓዋሩ ኣይክትርእይዎምን ኢኹም።+ 14  የሆዋ ባዕሉ ኺዋግኣልኩም እዩ፡+ ንስኻትኩም ድማ ስቕ ክትብሉ ኢኹም” በሎም። 15  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ስለምንታይ ናባይ እትምህለል፧ ንእስራኤላውያን ኪነቕሉ ንገሮም። 16  እስራኤላውያን ብማእከል እቲ ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ምእንቲ ኺሓልፉ ኸኣ፡ ንስኻ በትርኻ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ ምቐሎ፣ 17  ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺኣትዉ ድማ፡ ኣነ ንልቢ ግብጻውያን ኪተርር ክሓድጎ እየ፣ ብፈርኦንን ብዅሎም ሰራዊቱን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ከኣ ገዛእ ርእሰይ ከኽብር እየ።+ 18  ብፈርኦንን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ገዛእ ርእሰይ ምስ ኣኽበርኩ ድማ፡ ግብጻውያን ኣነ የሆዋ ምዃነይ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”+ 19  ሽዑ፡ እቲ ቐቅድሚ እቲ ሰፈር ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ+ ተላዒሉ ናብ ድሕሪኦም ከደ፣ እቲ ቕድሚኦም ዝነበረ ዓንዲ ደበና ኸኣ ናብ ድሕሪኦም ግዒዙ ኣብኡ ደው በለ።+ 20  ኣብ መንጎ ሰፈር ግብጻውያንን ሰፈር እስራኤልን እውን ኰነ።+ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ደበናን ጸልማትን ነበረ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ነታ ለይቲ ኣብርሃ።+ ምልእቲ ለይቲ ኸኣ፡ እቲ ሓደ ሰፈር ናብቲ ሓደ ሰፈር ኣይቀረበን። 21  ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሐ፣+ የሆዋ ኸኣ ምልእቲ ለይቲ ነቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ንድሕሪት መሊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ናብ ንቑጽ ምድሪ ለወጦ፣+ እቲ ማያት ከኣ ተመቕለ።+ 22  እስራኤላውያን ድማ ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ሓለፉ፣+ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም መንደቕ ኰነ።+ 23  ግብጻውያን ድማ ሰዓብዎም፣ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ናብ ማእከል እቲ ባሕሪ ኣተዉ።+ 24  ሓለዋ ንግሆ* ምስ ኰነ፡ የሆዋ ኻብቲ ዓንዲ ሓውን ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፣+ ንሰራዊት ግብጻውያን ከኣ ኣሸበሮም። 25  መንኰራዅር ሰረገላታቶም የምልቘሎም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ፣ ግብጻውያን ከኣ፡ “የሆዋ ኣብ ክንዳኦም ኰይኑ ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም” በሉ።+ 26  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ኪምለስሲ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ። 27  ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሐ፣ ኪነግህ ምስ በለ ኸኣ እቲ ባሕሪ ናብ ንቡር ተመልሰ። ግብጻውያን ካብኡ ኺሃድሙ ኸለዉ ድማ፡ የሆዋ ንግብጻውያን ናብ ማእከል ባሕሪ ደርበዮም።+ 28  እቲ እተመልሰ ማያት ከኣ ነቶም ደድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተዉ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኵሉ ሰራዊት ፈርኦንን ደፈኖም።+ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 29  እስራኤላውያን ግና ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ኸዱ፣+ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም መንደቕ ኰነ።+ 30  በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣድሓኖ።+ እስራኤል ድማ ምዉታት ግብጻውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረኣየ። 31  እስራኤል ነቲ የሆዋ ኣብ ግብጻውያን ዝገበሮ ዓብዪ ሓይሊ* እውን ረኣየ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንየሆዋ ፈርህዎ፡ ብየሆዋን ብጊልያኡ ሙሴን ድማ ኣመኑ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብልዕልቲ ኢድ።”
ማለት፡ ካብ ለይቲ ሰዓት 2 ቅ.ቀ. ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት 6 ቅ.ቀ. ኣቢሉ ይኸውን።
ቃ.ቃ.፡ “ዓባይ ኢድ።”