ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 11:1-10

ትሕዝቶ

  • ዓስራይ መዓት ተነግረ (1-10)

    • እስራኤላውያን ህያባት ኪልምኑ ተነግሮም (2)

11  የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ልዕሊ ፈርኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕሪኡ፡ ካብዚ ኺሰድደኩም እዩ።+ እኳ ደኣስ ኪሰድደኩም ከሎ፡ ኪሰጕጐኩም እዩ።+  ሕጂ ኸኣ፡ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ከካብ ጐረቤቶም ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ኪልምኑ ተዛረቦም።”+  የሆዋ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ገላዉ ፈርኦንን ኣብቲ ህዝብን ኣዝዩ ኽቡር ነበረ።  ሙሴ ድማ ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ፡ ናብ ማእከል ግብጻውያን ክወጽእ እየ፣+  ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዅሉ በዅሪ ኸኣ፡ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እታ መጥሓን እትሕዝ ገረድ፡ ኵሉ በዅሪ እንስሳ እውን ኪመውት እዩ።+  ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ፡ ከምኡ ዝበለ ኸቶ ዘይኰነ፡ መሊሱ ኸኣ ዘይከውን ብርቱዕ ኣውያት ኪኸውን እዩ።+  የሆዋ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ኪፈሊ ኸም ዚኽእል ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ከልቢ እኳ ናብ እስራኤላውያን፡ ናብ ሰቦም ወይ ናብ ማሎም ኣይኪነብሕን* እዩ።’+  ኵሎም ገላዉኻ ድማ ብርግጽ ናባይ ኪወርዱ፡ ‘ንስኻ ምስ ኵሉ እቲ ዚስዕበካ ህዝቢ ኺድ’+ እናበሉ ድማ ኪሰግዱለይ እዮም። ድሕርዚ፡ ክወጽእ እየ።” ካብ ፈርኦን ከኣ ብቝጥዓ ነዲዱ ወጸ።  ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕ፡+ ፈርኦን ኣይኪሰምዓኩምን እዩ”+ በሎ። 10  ሙሴን ኣሮንን ከኣ፡ እዚ ዅሉ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበሩ፣+ የሆዋ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ፣ ንሱ ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኣይሰደዶምን።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ልሳኑ ኣይኪስሕልን።”