ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 10:1-29

ትሕዝቶ

  • ሻምናይ መዓት፦ ኣንበጣ (1-20)

  • ታሽዓይ መዓት፦ ጸልማት (21-29)

10  የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን እቶ፣ ከመይሲ፡ እዚ ትእምርትታተይ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽገብር፡+ ልቡን ልቢ ገላዉኡን ኪተርር ሓዲገዮ እየ፣+  ኣብ ግብጺ ዝገበርክዎ ብርቱዕ ነገርን ኣብ መንጎኦም ዝገበርክዎ ትእምርትታትን ድማ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ምእንቲ ኸተዘንቱ ኢለ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።”  ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትትሕት እትኣቢ፧+ ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም።  ንህዝበይ ምስዳዱ እንተ ኣቢኻ ግና፡ እንሆ፡ ጽባሕ ናብ ውሽጢ ዶባትካ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ።  ምድሪ ምርኣይ ክሳዕ ዘይከኣል ከኣ ንገጽ ምድሪ ኪኸድኑ እዮም። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ድማ፡ ኪበልዕዎ እዮም፣ ነቲ ኣብ መሮር ዚዓቢ ዘሎ ዅሉ ኣእዋም እውን ኪበልዕዎ እዮም።+  ንኣባይትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ንኣባይቲ ዅላ ግብጽን ከኣ ኪመልእወን እዮም፣ ከምኡ ዝበለ ኻብቲ ኣቦታትካን ኣቦሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ዘይረኣይዎ ኪኸውን እዩ።’”+ ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸ።  ገላዉ ፈርኦን ድማ፡ “ክሳዕ መዓስ እዩ እዚ ሰብኣይ እዚ ኼፈራርሃና፧* ንየሆዋ ኣምላኾም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ስደዶም። ግብጺ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” በልዎ።  ሽዑ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም፣ ንሱ ድማ፡ “ኪዱ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። ግናኸ፡ መነመን እዮም ዚኸዱ፧” በሎም።  ሙሴ ኸኣ፡ “ንየሆዋ በዓል ስለ እነብዕል፡+ ምስ ንኣሽቱናን ምስ ዓበይትናን ምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ከብትናን+ ክንከይድ ኢና” በሎ። 10  ንሱ ድማ፡ “ንደቅኹም እንተ ሰዲደዮምሲ፡ የሆዋ ምሳኻትኩም ኣሎ!+ ክፉእ ከም ዝሓሰብኩም ንጹር እዩ። 11  ከምኡ እሞ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዝለመንኩምዎ እዚ እዩ እሞ፡ ሰብኡት ጥራይ ኬድኩም፡ ንየሆዋ ኣገልግልዎ” በሎም። ሽዑ፡ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሰጐጕዎም። 12  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኣንበጣ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺመጹን ኵሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ኣትክልቲ እታ ምድሪ ምእንቲ ኺበልዑን፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕ” በሎ። 13  ብኡብኡ፡ ሙሴ ንበትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሓ፣ የሆዋ ኸኣ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን ብምልእታ እታ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ናብታ ምድሪ ኣንፈሰ። ምስ ነግሀ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽአ። 14  እቶም ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ መጹ፣ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ድማ ዓለቡ።+ ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ፣+ ክንዳኡ ዝምብዛሖም ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበሩን፡ ብድሕሪኡ እውን ከማታቶም ዝበሉ ኸቶ ኣይኰኑን። 15  ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደንዋ፣ ምድሪ እውን ጸልመተት። ንዅሉ ኣትክልቲ ምድርን ንዅሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ፍረ ኦምን ድማ በልዕዎ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ኦም ወይ ኣብ ኣትክልቲ መሮር ገለ ለምለም እኳ ኣይተረፈን። 16  ሽዑ፡ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽኩምን ንዓኻትኩምን በዲለ እየ። 17  ሕጂ ኸኣ በጃኻ እዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ በደለይ ሕደገለይ፣ ነዚ መቕዘፍቲ እዚ ኼርሕቐለይ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ለምንዎ” በሎም። 18  ንሱ* ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጺኡ፡ ንየሆዋ ለመኖ።+ 19  ሽዑ፡ የሆዋ ነቲ ንፋስ ኣንፈቱ ኸም ዚቕይር ገበሮ እሞ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ምዕራብ ኰነ፣ ነቶም ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ደርበዮም። ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ፡ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። 20  የሆዋ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ፡+ ንእስራኤላውያን ድማ ኣይሰደዶምን። 21  የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ጸልማት፡ እኳ ደኣስ ኣዝዩ ግብ ዝበለ ጸልማት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኢድካ ናብ ሰማያት ዘርግሕ” በሎ። 22  ሙሴ ኸኣ ኢዱ ናብ ሰማያት ዘርግሐ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ንሰለስተ መዓልቲ ድቕድቕ ጸልማት ኰነ።+ 23  ንሰለስተ መዓልቲ፡ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ኣይረኣየን፡ ሓዲኦም እኳ ኻብ ዝነበሮ ኣይተንስአን፣ ኵሎም እስራኤላውያን ግና ኣብ እተቐመጥዎ ብርሃን ነበሮም።+ 24  ፈርኦን ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ “ኪዱ ንየሆዋ ኣገልግልዎ።+ ኣባጊዕኩምን ከብትኹምን ጥራይ ይትረፋ። ቈልዑኹም እውን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ። 25  ሙሴ ግና፡ “ንስኻ ድማ መስዋእቲ ሕሩድን ዚሓርር መስዋእትን ክትህበና* ኢኻ፣ ንሕና እውን ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውኦም ኢና።+ 26  ማልና እውን ምሳና ኪኸዳ እየን። እቲ ንየሆዋ ኣምላኽና ንምምላኽ እንጥቀመሉ ኻባታተን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንስሳ* እኳ ኣይክትተርፍን እያ፣ ኣብኣ ኽሳዕ እንበጽሕ ድማ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ እንታይ ከም እነቕርብ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ። 27  ሽዑ፡ የሆዋ ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ እሞ፡ ኪሰድዶም ኣይፈተወን።+ 28  ፈርኦን ከኣ፡ “ካብ ቅድመይ ርሓቕ! በታ ገጸይ ዝረኣኻላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ” በሎ። 29  ሙሴ ድማ፡ “ከምቲ ዝበልካዮ፡ መሊሰ ገጽካ ኣይክርእን እየ” በሎ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መፈንጠራ ኪዀነና።”
ሙሴ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ክንወስድ ክትፈቕደልና።”
ቃ.ቃ.፡ “ሸዀና።”