ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘጸኣት 1:1-22

ትሕዝቶ

  • እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ በዝሑ (1-7)

  • ፈርኦን ንእስራኤላውያን ጨቈኖም (8-14)

  • ንኣምላኽ ዝፈርሃ መሕረስቲ ህይወት ኣድሓና (15-22)

1  ስማት እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ከኣ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ መምስ ቤተ ሰቡ፦+  ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን+  ይሳኮርን ዛብሎንን ብንያምን  ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን።+  ኵሎም እቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ፡* 70 ሰባት* ነበሩ፣ ዮሴፍ ግና ድሮ ኣብ ግብጺ ነበረ።+  ዮሴፍን ኣሕዋቱን ኵሉ እቲ ወለዶን ድማ ሞቱ።+  እስራኤላውያን* ድማ ተፋረዩን ሰሰኑን፣ ኣዝዮም ከኣ በዝሑን በርትዑን፣ ስለዚ፡ እታ ምድሪ ብኣታቶም መልአት።+  ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስአ።  ንሱ ድማ ንህዝቡ፡ “እንሆ፡ ህዝቢ እስራኤል ካባና ይበዝሑን ይብርትዑን እዮም።+ 10  እምበኣር፡ ብዝያዳ ኸይበዝሑ እሞ፡ ውግእ ምስ ዚልዓለና፡ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና፡ ካብዛ ሃገር እውን ከይወጹ፡ ንዑ ንጣበበሎም” በሎም። 11  ስለዚ፡ ብብርቱዕ ሽቕለት ምእንቲ ኺጭቍንዎም፡ ብግዲ ዜሸቅልዎም ኣሕሉቕ* ሸሙሎም።+ ንፈርኦን ድማ ጲቶምን ራዕምሴስን ዚብሃላ ኸተማታት መኽዘን ሰርሑሉ።+ 12  ብዝያዳ ብዝጨቈንዎም መጠን ግና፡ ብዝያዳ በዝሑን ብዝያዳ ኣስፋሕፍሑን። ንሳቶም ከኣ ብእስራኤላውያን ተሸበሩ።+ 13  ስለዚ፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ባሮት ገይሮም ብጭከና ኣዕየይዎም።+ 14  ብብርቱዕ ሽቕለት፡ ማለት ብምብዓጥ ጭቃን ብሕጡብን ብዅሉ ዓይነት ባርነት መሮርን ድማ፡ ንህይወቶም ኣመረርዋ። እወ፡ ብዅሉ ዓይነት ባርነት ብጭከና ኣልፍዕዎም።+ 15  ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን ሺፍራን ጱዓን ዝስመን እብራውያን መሕረስቲ ተዛረበን፣ 16  “ንእብራውያን ከተሕርሳአን ከለኽን፡+ ኣብቲ ዚሓርሳሉ መንበር ከኣ ምስ ረኣኽንአን፡ ወዲ እንተ ዀይኑ ቕተላኦ፣ ጓል እንተ ዀይና ግና ብህይወት ትንበር” ድማ በለን። 17  እተን መሕረስቲ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፈሪሀን፡ ነቶም ተባዕትዮ ሕጻናት ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፡ ከምቲ እቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን።+ 18  ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ግብጺ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ፡ “ነቶም ተባዕትዮ ሕጻናት ስለምንታይ ብህይወት ሓዲግክናኦም፧” በለን። 19  እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ “እብራውያን ኣንስቲ ኸም ግብጻውያን ኣንስቲ ኣይኰናን። ሓያላት እየን፡ መሕረሲት ቅድሚ ምምጻኣ ድማ ሓሪሰን እየን ዚጸንሓ” በላኦ። 20  ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ እናበዝሐን ኣዝዩ እናበርትዐን ከደ። 21  እተን መሕረስቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ፡ ስድራ ሃበን። 22  ፈርኦን ከኣ ንዅሉ ህዝቡ፡ “ሓድሽ እተወልደ ወዲ እብራውያን ዘበለ ናብ ፈለግ ኒል ደርብይዎ፣ ኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ይንበራ” ኢሉ ኣዘዘ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ ሰለፍ ያእቆብ ዝወጹ ነፍሳት።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
ወይ፡ “ኣዕየይቲ።”