ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 8:1-20

ትሕዝቶ

  • ካብ የሆዋ ዚርከብ በረኸት (1-9)

    • ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ (3)

  • ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ (10-20)

8  “ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን+ ምእንቲ ኽትበዝሑን ናብታ የሆዋ ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉን ምእንቲ ኽትርስተይዋን፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።  የሆዋ ኣምላኽካ ትእዛዛቱ ትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኣብ ልብኻ ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጥ፡+ ትሕት ኬብለካን ኪፍትነካን ኢሉ፡+ ኣብዘን 40 ዓመት ኣብ በረኻ ዘኸደካ ነዊሕ መገዲ ዘክር።+  ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ ድማ፡+ ትሕት ኣበለካ፡ ኣጥመየካ፡+ ንስኻ ዘይፈለጥካዮን ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎን ማና ኸኣ ኣብልዓካ።+  ኣብዘን 40 ዓመት፡ ክዳንካ ኣይበለየን፡ እግርኻ እውን ኣይሓበጠን።+  ሰብ ንወዱ ኸም ዚእርሞ፡ ከምኡ የሆዋ ኣምላኽካ ይእርመካ ኸም ዝነበረ፡+ ብልብኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።  “ብመገዱ ብምምልላስን ንዕኡ ብምፍራህን ከኣ፡ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ ሓሉ።  የሆዋ ኣምላኽካስ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ፣+ ንሳ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት፡* ኣብ ጐልጐል ስንጭሮን ኣብ ኣኽራንን ዚውሕዝ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፡  ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡+ ምድሪ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡+  እንጌራ ዘይስኣናን ኣብኣ ገለ እኳ ዘይጐድለካን ምድሪ፡ ኣብ ኣእማና ሓጺን ዚርከበላ፡ ካብ ኣኽራና ድማ ነሓሲ እትዕድነላ ምድሪ እያ። 10  “ምስ በላዕካን ምስ ጸገብካን፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ስለታ ዝሃበካ ጽብቕቲ ምድሪ ወድሶ።+ 11  ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግታቱን ብዘይምሕላው፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸይትርስዖ ተጠንቀቕ። 12  ምስ በላዕካን ምስ ጸገብካን፡ ጽቡቓት ኣባይቲ ሃኒጽካ ድማ ምስ ተቐመጥካለን፡+ 13  ከብትኻን ጤለ በጊዕካን ከኣ ምስ ሰሰና፡ ብሩርካን ወርቅኻን ድማ ምስ በዝሐ፡ ኵሉ ኸኣ ኣኺሉ ምስ ተረፈካ፡ 14  ልብኻ ኣይተዓበ፡+ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣየረስዕካ፣+ 15  ንሱ በቲ መርዛማት ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዎ፡ ማይ ዘይብሉ ኣጻምእ ዝዀነ ዓብይን ዜፍርህን በረኻ ዘኸደካ እዩ።+ ካብ ከውሒ ኣዝሒት ከኣ፡ ማይ ኣውጽኣልካ፣+ 16  ኣብ መጻኢ ኺጠቕመካ ኢሉ ትሕት ምእንቲ ኼብለካን+ ምእንቲ ኺፍትነካን ድማ፡+ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትካ ዘይፈልጥዎ ማና ኣብልዓካ።+ 17  ብልብኻ፡ ‘ሓይለይን ብርታዐ ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ገይሩለይ’ እንተ ኢልካ፡+ 18  ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳኑ ምእንቲ ኺፍጽሞ፡+ ሃብቲ ኽትገብር ሓይሊ ዝሃበካ የሆዋ ኣምላኽካ ምዃኑ ዘክር።+ 19  “ንየሆዋ ኣምላኽካ እንተ ረሲዕካዮ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ኼድካን እንተ ኣገልጊልካዮምን እንተ ሰጊድካሎምን፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ እምስክረልኩም ኣለኹ።+ 20  ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም የሆዋ ኻብ ቅድሜኹም ዜጥፍኦም ዘሎ ኣህዛብ፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባታት ማይ።”