ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 6:1-25

ትሕዝቶ

  • ብምሉእ ልብኻ ንየሆዋ ኣፍቅሮ (1-9)

    • “ኦ እስራኤል፡ ስማዕ” (4)

    • ወለዲ ንደቆም ይምሃርዎም (6, 7)

  • ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ (10-15)

  • ንየሆዋ ኣይትፈትንዎ (16-19)

  • ንዚቕጽል ወለዶ ንገሮ (20-25)

6  “እቲ ናብታ እትርስተይዋ ምድሪ ምስ ተሳገርኩም ክትሕልውዎ ኢሉ የሆዋ ኣምላኽኩም ክምህረኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን እዚ እዩ፣  እዚ ኸኣ ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ መዓልትታት ህይወትካ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህን እቲ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ሕግታቱን ትእዛዛቱን ምእንቲ ኽትሕሉን እሞ፡+ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ እዩ።+  ኦ እስራኤል፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ዘተስፈወካ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣዚኻ ምእንቲ ኽትበዝሕን፡ ስማዕ፡ ተጠንቂቕካ እውን ግበሮ።  “ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፦ የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ።+  ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን*+ ብዅሉ ሓይልኻን*+ ኣፍቅሮ።  እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን፣  ንደቅኻ ድማ ቅረጸሎም፡*+ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረብ።+  ከም መዘከርታ ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ ግምባርካ* ድማ ከም ክታብ ይኹን።+  ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሓፎ። 10  “የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ ንዓኻ ኺህበካ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡+ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታትን+ 11  ዘይሰራሕካዮ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን ዘይኰዓትካዮ ውቑር መዕቘሪታት ማይን ዘይተኸልካዮ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን ከኣ ምስ ሃበካ፡ በሊዕካ ድማ ምስ ጸገብካ፡+ 12  ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ የሆዋ ኸይትርስዖ ተጠንቀቕ።+ 13  ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡+ ንዕኡ ኸኣ ኣገልግሎ፡+ ብስሙ እውን ምሓል።+ 14  ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ማለት ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ኣይትስዓብ፣+ 15  እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽካስ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣምላኽካ ኣባኻ ኺነድድ፡+ ካብ ገጽ ምድሪ ድማ ኬጥፍኣካ እዩ።+ 16  “ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣይትፈትንዎ።+ 17  ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩምን እቲ ኽትሕልዎ ዝኣዘዘካ መዘኻኸሪታቱን ስርዓታቱን  ኣጽኒዕኩም ሓልዉ። 18  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ግበር፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ጽቡቕ ኪዀነልካን ነታ የሆዋ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ጽብቕቲ ምድሪ ኽትኣትዋን ክትርስተያን ኢኻ፣+ 19  ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ኸኣ፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኺስጐጉ እዮም።+ 20  “ኣብ መጻኢ፡ ወድኻ፡ ‘እዚ የሆዋ ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም መዘኻኸሪታትን ስርዓታትን ፍርድታትን እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ 21  ሽዑ ንወድኻ ኸምዚ በሎ፦ ‘ኣብ ግብጺ ንፈርኦን ባሮቱ ዄንና ነበርና፣ የሆዋ ግና ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና። 22  የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ቤተ ሰቡን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዓበይትን መዕነውን ትእምርትታትን ተኣምራትን ይሰድድ ነበረ።+ 23  ናብዛ ንኣቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼምጽኣና ኸኣ፡ ካብኡ ኣውጽኣና።+ 24  የሆዋ ድማ ከምዚ ሎሚ ዘለናዮ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡+ ኵሉ እዚ ስርዓታት ክንገብሮ፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ድማ ንናይ ሓዋሩ ጽቡቕና ኢልና ኽንፈርሆ ኣዘዘና።+ 25  ከምቲ ዝኣዘዘና፡ ንየሆዋ ኣምላኽና እዙዛት ኴንና* ዅሉ እዚ ትእዛዛት ተጠንቂቕና እንተ ሓሊና፡ ጽድቂ ኪዀነልና እዩ።’+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኽእለትካን።”
ወይ፡ “ድገመሎም፣ ኣስርጸሎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና።”