ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 5:1-33

ትሕዝቶ

  • ኣብ ሆሬብ እተኣትወ ኺዳን የሆዋ (1-5)

  • እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዳግም ተጠቕሳ (6-22)

  • እቶም ህዝቢ ኣብ ከረን ሲና ፈርሁ (23-33)

5  ሙሴ ድማ ንዅሎም እስራኤል ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኦ እስራኤል፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ስርዓታትን ፍርድታትን ስማዕ፡ ተምሃርዎን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎን ከኣ።  የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ምሳና ኺዳን ኣተወ።+  የሆዋ፡ እዚ ኺዳን እዚ ዝኣተወ፡ ምሳና፡ ሎሚ ኣብዚ ብህይወት ምስ ዘለና ዅላትና ደኣ እምበር፡ ምስ ኣቦታትና ኣይኰነን።  የሆዋ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ ገጽ ንገጽ ተዛረበኩም።+  በታ ግዜ እቲኣ፡ ንስኻትኩም በቲ ሓዊ ስለ ዝፈራህኩምን+ ናብቲ ኸረን ስለ ዘይደየብኩምን፡ ኣነ ቓል የሆዋ ኸመሓላልፈልኩም ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎኹምን ደው ኢለ ነበርኩ።+ ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦  “‘ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+  ብዘይካይ* ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።+  “‘ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ማያት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ጽሩብ ምስልን+ ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር።  ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።+ ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ፡+ ንዚጸልኡኒ ስሕተት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዝቐጽዕ ኣምላኽ እየ።+ 10  ንዜፍቅሩንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ኽሳዕ ኣሽሓት ወለዶ ብተኣማንነት ዘፍቅር* እየ። 11  “‘የሆዋ ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡+ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።+ 12  “‘ንመዓልቲ ሰንበት፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ።+ 13  ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ዅሉ ዕዮኻን ተግባርካን ግበር፣+ 14  እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ሰንበት እያ።+ ብእኣ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየ፣+ ግዙእካን ግዝእትኻን ከማኻ ምእንቲ ኺዓርፉስ፡+ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን እንስሳ ዘቤትካን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ዘሎ ጓናን እውን ከምኡ።+ 15  ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽኣካ ዘክር።+ ስለዚ እዩ የሆዋ ኣምላኽካ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ዝኣዘዘካ። 16  “‘ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካን፡+ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ 17  “‘ኣይትቕተል።+ 18  “‘ኣይትዘሙ እውን።+ 19  “‘ኣይትስረቕ እውን።+ 20  “‘ኣብ ልዕሊ ብጻይካ እውን ብሓሶት ኣይትመስክር።+ 21  “‘ሰበይቲ ብጻይካ እውን ኣይትተምነ።+ ቤት ብጻይካ ዀነ፡ ግራቱ ዀነ፡ ግዙኡ ዀነ፡ ግዝእቱ ዀነት፡ ብዕራዩ ዀነ፡ ኣድጉ ዀነ፡ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትተምነ።’+ 22  “የሆዋ ነዘን ትእዛዛት* እዚአን ኣብቲ ኸረን ካብ ሓውን ደበናን ብርቱዕ ድነን ዓው ብዝበለ ድምጺ ንዅሉ ጉባኤኹም ተዛረበ፡+ ካልእ ድማ ኣይወሰኸን፣ ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጽሒፉ ኸኣ ንዓይ ሃበኒ።+ 23  “እቲ ኸረን ብሓዊ ኺነድድ ከሎ፡ ካብቲ ጸልማት ድምጺ ምስ ሰማዕኩም ግና፡+ ኵሎም ርእስታት ነገዳትኩምን ዓበይትኹምን ናባይ ቀረቡ። 24  ከምዚ ድማ በልኩም፦ ‘እንሆ፡ የሆዋ ኣምላኽና ኽብሩን ዕቤቱን ኣርእዩና፡ ድምጹ እውን ካብ ሓዊ ሰሚዕና ኢና።+ ኣምላኽ ምስ ሰብ ተዛሪቡስ፡ ሰብ ብህይወት ኪነብር ከም ዚኽእል ሎሚ ርኢና።+ 25  ሕጂ ድማ እዚ ዓብዪ ሓዊ እዚ ኺበልዓና ይኽእል እዩ እሞ፡ ስለምንታይ እንመውት፧ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰሚዕና፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና። 26  ካብ ኵሉ ስጋኸ* ኸማና ድምጺ እቲ ህያው ኣምላኽ ካብ ሓዊ ኺዛረብ ሰሚዑስ፡ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ፧ 27  ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚብሎ ኽትሰምዕ ንስኻ ባዕልኻ ቕረብ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚብለካ ድማ ትነግረና፡ ንሕና እውን ክንሰምዖን ክንገብሮን ኢና።’+ 28  “የሆዋ ኸኣ ነቲ እተዛረብኩምኒ ዘረባ ሰምዐ፣ የሆዋ ድማ ኸምዚ በለኒ፦ ‘እቲ እዚ ህዝቢ እዚ እተዛረበካ ዘረባ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ እተዛረብዎ ጽቡቕ እዩ።+ 29  ንዓታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነሎም፡+ ኪፈርሁንን+ ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉንሲ፡+ ኣየ፡ ወትሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም! 30  ኪድ እሞ፡ “ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ” በሎም። 31  ንስኻ ግና ኣብዚ ምሳይ ጽናሕ፣ ኣነ ድማ ኵሉ እቲ እትምህሮምን ኣብታ ኣነ ኺርስተይዋ ዝህቦም ምድሪ ዚሕልውዎን ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን ክነግረካ እየ።’ 32  ሕጂ ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ተጠንቂቕኩም ግበሩ።+ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግሱ።+ 33  ኣብታ እትርስተይዋ ምድሪ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልኩምን መዓልትታትኩም ምእንቲ ኺነውሓን፡+ ብዅላ እታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መገዲ ተመላለሱ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣንጻረይ።” ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ገጸይ።”
ወይ፡ “ብለውሃት ዘፍቅር።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ ደገታትካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቃላት።”
ወይ፡ “ካብ ኵሉ ሰብከ።”