ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዘዳግም 33:1-29

ትሕዝቶ

  • ሙሴ ነቶም ነገዳት መረቖም (1-29)

    • ‘ዘለኣለማውያን ቀላጽም’ የሆዋ (27)

33  ሙሴ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ቅድሚ ሞቱ ንእስራኤላውያን ዝመረቖም ምርቓ እዚ እዩ።+  ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኻብ ሲና መጺኡ፡+ ካብ ሰዒር ከኣ ኣብሪሁሎም። ካብ ኣኽራን ጳራን ብኽብሪ ኣብሪሁ፣+ ምስኡ ድማ ኣእላፋት* ቅዱሳት፡+ ኣብ የማናዩ ኸኣ ናቱ ተዋጋእቲ ነይሮም።+   ንህዝቡ ኣፍቂርዎም፣+ ኵሎም ቅዱሳቶም ኣብ ኢድካ እዮም።+ ኣብ ኣእጋርካ ኾፍ ኢሎም ነይሮም፣+ ቃላትካ ድማ ሰሚዖም።+   (ሙሴ ርስቲ ጉባኤ ያእቆብ ገይሩ፡ ትእዛዝ፡ ሕጊ ሂቡና።)+   ርእስታት ህዝቢ፡ ምስ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ምስ ተኣከቡ፡+ ንሱ ኣብ የሹሩን* ንጉስ ኰይኑ።+   ሮቤል ይንበር፡ ኣይሙት፡+ ሰቡ ኸኣ ሒደት ኣይኹኑ።”+   ንይሁዳ ድማ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦+ “ኦ የሆዋ፡ ድምጺ ይሁዳ ስማዕ፡+ ናብ ህዝቡ ኸኣ ምለሶ። ቀላጽሙ ነቲ ናቱ ተኸላኸለሉ፣* ካብ ተጻረርቱ ድማ ርድኣዮ።”+   ብዛዕባ ሌዊ ኸምዚ በለ፦+ “ቱሚምካን ኡሪምካን+ ናይቲ ንዓኻ* እሙን ዝዀነ ሰብ፡+ ናይቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንካዮ እዩ።+ ኣብ ማይ መሪባ ምስኡ ተባኢስካ፣+   እቲ ንኣቦኡን ንኣዲኡን፡ ‘ቍሊሕ ኣይበልክዎምን’ ዝበለ ሰብ፡ ንኣሕዋቱ እኳ ኣይፈለጦምን፡+ ንደቁ እውን ዕሽሽ ኢልዎም። ከመይሲ፡ ቃልካ ሓልዮም፡ ኪዳንካ ድማ ኣጽኒዖም።+ 10  ንያእቆብ ፍርድታትካ፡+ ንእስራኤል ከኣ ሕግኻ ይምሃሩ።+ ዕጣን ጥዑም ጨና ኪዀነካ፡*+ ምሉእ መስዋእቲ ድማ ኣብ መሰውኢኻ የቕርቡ።+ 11  ኦ የሆዋ፡ ሓይሉ ባርኽ፡ ብግብሪ ኣእዳዉ ኸኣ ባህ ይበልካ። እቶም ዚጸልእዎ መሊሶም ከይትንስኡስ፡ ኣእጋር* እቶም ዚትንስእዎ ሓምሽሽ።” 12  ብዛዕባ ብንያም ከምዚ በለ፦+ “እቲ ፍቑር የሆዋ ምስኡ ብደሓን ይንበር፡ ምሉእ መዓልቲ ድማ የጽልሎ፡ ኣብ መንጎ መንኵቡ ኸኣ ይንበር።” 13  ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዚ በለ፦+ “ምድሩ ብየሆዋ ትባረኽ፡+ ብናይ ሰማይ ሕሩይ ነገራት፡ ብኣውልን ካብ ናይ ታሕቲ ዓይኒ ማያት ብዚፍልፍል ማያትን፡+ 14  ጸሓይ ብእተፍርዮ ሕሩይ ነገራት፡ በቲ ናይ ወወርሒ ሕሩይ ምህርቲ፡+ 15  በቲ ኻብ ጥንታውያን ኣኽራን* ዚርከብ ሕሩይ ነገራት፡+ በቲ ናይ ነባሪ ዅርባታት ሕሩይ ነገራት፡ 16  በቲ ናይ ምድሪ ሕሩይ ነገራትን በቲ ንዓኣ ዚመልኣን፡+ ብተቐባልነት እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ትባረኽ።+ እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈልየ ይምጻእ።+ 17  ግርማኡ ኸም በዅሪ ብዕራይ፡ ኣቕርንቱ ድማ ከም ኣቕርንቲ ጐባይ እዩ። ብእኡ ንህዝብታት፡ ብሓባር ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኺደፍኦም* እዩ። እዚ ኣእላፋት ኤፍሬም፡+ ኣሽሓት ምናሴ እውን እዩ።” 18  ብዛዕባ ዛብሎን ከምዚ በለ፦+ “ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ተሓጐስ፡ ኣታ ይሳኮር ከኣ፡ ኣብ ድንኳናትካ።+ 19  ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዕዎም እዮም። ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኺስውኡ እዮም። ንሳቶምሲ ብዙሕ ሃብቲ ባሕርታት፡ ኣብ ሑጻ እተሓብአ መዝገብ ኪረኽቡ* እዮም።” 20  ብዛዕባ ጋድ ከምዚ በለ፦+ “ዶባት ጋድ ዜግፍሕ ብሩኽ እዩ።+ ቅልጽም፡ እወ፡ መንበስበስታ ኺሰላልዕ ተዳልዩ፡ ኣብኡ ኸም ኣንበሳ በጥ ይብል። 21  ኣብኡ ግደ እቲ ሓጋግ ሕጊ ተሓዚኡ እዩ እሞ፡+ ቀዳማይ ብጽሒት ንርእሱ ኺመርጽ እዩ።+ ርእስታት ህዝቢ ብሓባር ኪእከቡ እዮም። ምስ እስራኤል ኰይኑ ጽድቂ የሆዋን ፍርድታቱን ኪፍጽም እዩ።” 22  ብዛዕባ ዳን ከምዚ በለ፦+ “ዳን ኵርኵር ኣንበሳ እዩ።+ ካብ ባሳን ዘሊሉ ኺወጽእ እዩ።”+ 23  ብዛዕባ ንፍታሌም ከምዚ በለ፦+ “ንፍታሌም ብተቐባልነት ዝጸገበ፡ በረኸት የሆዋ ድማ ዝመልኦ እዩ። ምዕራብን ደቡብን ተረስተ።” 24  ብዛዕባ ኣሴር ከምዚ በለ፦+ “ኣሴር ብደቂ ብሩኽ እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ሞገስ ይርከብ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ።* 25  መሸጐሪኻ ሓጺንን ነሓስን እዩ፡+ ኵሉ መዓልትታትካ ድማ ክትቀስን ኢኻ።* 26  ኪረድኣካ ኢሉ ኣብ ሰማይ ዚውጣሕ ብግርማኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ደበናታት ዚውጣሕ፡+ ከም ናይ የሹሩን+ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓደ እኳ የልቦን።+ 27  ካብ ጥንቲ፡ ኣምላኽ መዕቈቢ እዩ፡+ ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ኣብ ትሕቴኻ እየን።+ ንጸላኢ ኻብ ቅድሜኻ ኺሰጕጎ፡+ ‘ኣጥፍኣዮም!’ ከኣ ኪብል እዩ።+ 28  እስራኤል ብደሓን ኪነብር፡ ሰማያታ ኣውሊ ኣብ ዜንጠብጥበላ ምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ድማ፡+ ዓይኒ ማይ ያእቆብ በይኑ ኪኸውን እዩ።+ 29  ኦ እስራኤል፡ ሕጉስ ኢኻ!+ ብየሆዋ ዝደሓነ+ ከማኻ ዝኣመሰለ ህዝቢ መን ኣሎ፧+ ንሱ ዚከላኸል ዋልታኻን+ ግርማዊ ሰይፍኻን እዩ። ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ፡+ ንስኻ ድማ ኣብ ዝባኖም* ክትረግጽ ኢኻ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓሰርተታት ኣሽሓት።”
ትርጉሙ፡ “ቅኑዕ”፣ ንእስራኤል እተዋህበ ናይ ክብሪ መጸውዒ።
ወይ፡ “ተብኣሰሉ።”
ኣብዚ “ንዓኻ” እናተባህለ ዚዝረበሉ ዘሎ ኣምላኽ እዩ።
ቃ.ቃ.፡ “ዕጣን ኣብ ኣፍንጫኻ።”
ወይ፡ “ምሕኵልትታት።”
ወይ፡ “ኣኽራን ምብራቕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኺወግኦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪጠብዉ።”
ወይ፡ “ብዘይቲ ይተሓጸብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብርታዐኻ ድማ ከም መዓልትታትካ ኪኸውን እዩ።”
ወይ፡ “ኣብ ልዕሊ በረኽቶም” ኪኸውን ይኽእል።